ኤሊሁ ዳግማይ ተዛረበ
ኤሊሁ፥ ሓጢኣት ሰብን ሰናይ ሰብን ንእግዚኣብሄር፥ እቲ ኻብ ደመና ልዕል ዝበለ፥ ገለ ኸም ዘይልውጥ ይማጐት፤ ኣብ ካልኦት ሰባት እዮም ዝወድቁ። እቶም ዝተፀቍጡ ይጠርዑ፥ ‘ፈጣርየይ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እቲ ብለይቲ መዝሙር ዝህብ’ ዝብል ግና የለን። ስለዙይ ኢዮብ ብዘይ ፍልጠት ዘረባ የብዝሕ።
35 1ኢሊዮ ድማ ቐፂሉ ኸምዙይ በለ፦ 2“እዙይ ቅኑዕ እዩ ኢልካ ትሓስብዶ? ‘ፅድቀይ ካብ ናይ እግዚኣብሄር ይበልፅ’ ኢልካ ትብል ኢኻ። 3‘እንታይ ይጠቕመካ? ሓጢኣት ብዘይ ምግባረይከ እንታይ እዕብስ?’ ኢልካ ትሓትት ኢኻ እሞ። 4ኣነ ንኣኻን ነቶም ምሳኻ ዘለዉ ኣዕርኽትኻን ክምልሰልኩም እየ። 5ናብ ሰማያት ቋሕ ኢልካ ርአ፤ ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደመና ጠምት። 6ሓጢኣት እንተ ገበርካ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንታይ ትገብር? ምትሕልላፍካ እንተ በዝሐ፥ ንእኡ እንታይ ትገብሮ? 7ፃድቕ እንተ ኾንካ፥ እንታይ ትህቦ? ወይ ካብ ኢድካ እንታይ ይቕበል? 8ክፍኣትካ ንኸማኻ ዝበለ ሰብ ጥራሕ እዩ ዝጐድእ፤ ፅድቅኻውን ንብፃይካ ሰብ ጥራሕ እዩ። 9ሰባት በቲ ብዙሕ ግፍዒ ተፂኖም የእውዩ፤ ካብ ቅልፅም እቶም ሓያላት ረዲኤት ይደልዩ። 10‘ፈጣርየይ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? እቲ ብለይቲ መዝሙር ዝህብ፥ 11ካብ ኣራዊት ምድሪ ዝበለፀ ዝምህረና፥ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ብዝበለፀ ዘልብመና’ ዝብል ግና የለን። 12ኣብኡ የእውዩ፥ ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን፤ ብምኽንያት ትዕቢት እኩያት ሰባት እዩ። 13ብሓቂ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ኣውያት ኣይሰምዕን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽውን ኣየቕልበሉን። 14‘ኣይርእዮን እየ’ ኢልካ ኽትዛረብ እንተለኻ ደኣ፥ ክንደይ ዝበለፀ ኣይክምልሰልካን እዩ! ነገርካ ኣብ ቅድሚኡ እኳ እንተሎ፥ ንእኡ ኽትፅበዮ ኣለካ። 15ሕዚ ኸዓ ቍጥዓኡ ገና ስለ ዘይቐፅዐ፥ ንዕሽነትውን ብዙሕ ስለ ዘየቕለበሉ እዩ። 16ኢዮብ ብኸንቱ ዘረባ ኣፉ ይኸፍት፤ ብዘይ ፍልጠት ዘረባ የብዝሕ።”