ኣቦ ዓመፅ ኣይገብርን
ኤሊሁ ቃላት ኢዮብ ናብኡ መሊሱ እናጠቐሰ ንፅድቂ ኣቦ ይከላኸል፦ እቲ ንዅሉ ዘመሓድር ነቲ ቅኑዕ ኣይቐይኖን፥ ንነገስታት ገፅ ኣየዳሉን፥ ኣብ ፀልማት ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ስጕሚ ድማ ይሪኢ። መደምደምታኡ ከቢድ እዩ፥ ኢዮብ ክሳዕ መወዳእታ ክፍተን ይግብኦ።
34 1ኤሊሁ ድማ ቐፂሉ ኸምዙይ በለ፦ 2“ኣቱም ለባማት ቃላተይ ስምዑ፤ ኣቱም እትፈልጡ ድማ ኣፅምዑኒ። 3እዝኒ፥ ከምቲ ኣፍ ብልዒ ዝጥዕም፥ ቃላት ትምርምር እያ እሞ። 4እቲ ቅኑዕ ንምረፅ፤ እቲ ፅቡቕ እንታይ ምዃኑ ድማ ኣብ መንጎና ንፍለጥ። 5ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ እዩ እሞ፦ ‘ኣነ ፃድቕ እየ፥ እግዚኣብሄር ግና ፍርደይ ኣግሊሉለይ፤ 6ቅኑዕ እኳ እንተኾንኩ ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ፥ ዓመፅ እኳ ዘይብለይ።’ 7ከም ኢዮብ ዝበለ ሰብኣይ መን እዩ፥ ንሱ ፀርፊ ኸም ማይ ዝሰቲ፥ 8ምስ ገበርቲ እከይ ዝሓብር፥ ምስ ክፉኣት ሰባት ድማ ዝኸይድ፤ 9ንሱ ከምዙይ ኢሉ እዩ እሞ፦ ‘ሰብ ገለ እኳ ኣይረብሕን፥ ብእግዚኣብሄር ብምሕጓሱ።’ 10ስለዙይ ኣቱም ምስትውዓል ዘለኩም ሰባት ስምዑኒ፦ ክፍኣት ምግባር ካብ እግዚኣብሄር፥ ዓመፅ ምግባር ድማ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ይርሓቕ። 11ከም ግብሪ ሰብ ይፈድዮ እዩ እሞ፥ ከም መንገዱ ድማ ኣብ ልዕሊኡ የምፅእ። 12ብሓቂ እግዚኣብሄር ክፉእ ኣይገብርን፥ እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ፍርዲ ኣይቐይንን። 13ኣብ ልዕሊ ምድሪ መን ሸሞ፥ ንብዘላ ዓለም ከዓ መን ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ። 14ልቡ ናብ ሰብ እንተ ኣንቢሩ፥ መንፈሱን እስትንፋሱን ድማ ናብኡ እንተ ኣከበ፥ 15ኵሉ ስጋ ሓቢሩ ምጠፍአ፥ ሰብ ድማ ናብ ሓመድ ምተመለሰ። 16ምስትውዓል እንተለኻ እዙይ ስማዕ፤ ድምፂ ቃላተይ ኣፅምዕ። 17ንፍርዲ ዝፅልእ ከመሓድርዶ ይኽእል? ነቲ ፃድቕን ሓያልን ክትኵንኖዶ ኢኻ፥ 18ንሱ ንንጉስ ‘ከንቱ ኢኻ’፥ ነቶም ክቡራት ድማ ‘ክፉኣት ኢኹም’ ዝብል እዩ፥ 19ንሱ ንመሳፍንቲ ገፅ ዘየዳሉ፥ ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ዘይርኢ እዩ፤ ኵሎም ግብሪ ኢዱ እዮም እሞ። 20ብቕፅበት ይሞቱ፤ ፍርቂ ለይቲ እቶም ህዝቢ ተናዊፆም ይጠፍኡ፥ እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ሰብ ይውሰዱ። 21ኣዒንቱ ኣብ መንገዲ ሰብ እየን እሞ፥ ኵሉ ስጕምቱ ድማ ይሪኢ። 22ገበርቲ እከይ ዝሕብኡሉ፥ ፀልማት ወይ ድቕድቕ ፅላሎት የለን። 23እግዚኣብሄር ንሰብ ደጊሙ ኽምርምሮ ኣየድልን እዩ፥ ናብ ፍርዲ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽኸይድ። a a v23 ነጥቢ ኤሊሁ፦ እግዚኣብሄር ፍርዲ ንምምፃእ ስሩዕ ሰሚዕ ወይ ውሱን ቆፀራ ኣየድልዮን፤ ብቐጥታ ደኣ ይገብር እምበር። 24ነቶም ሓያላት ብዘይ መፅናዕቲ ይቕጠቕጦም፥ ኣብ ቦታኦም ድማ ካልኦት የቕውም። 25ስለዙይ ግብሮም ፈሊጡ ብለይቲ ይግልብጦም እሞ ይደቕቑ። 26ብምኽንያት ክፍኣቶም ኣብ ቅድሚ ዝሪኡ ሰባት ይወቕዖም፥ 27ንእኡ ኻብ ምስዓብ ስለ ዝዘንበሉ፥ ንሓደ ኻብ መንገድታቱ ኸዓ ስለ ዘየስተብሃሉ፥ 28ነቶም ድኻታት ናብኡ ኽፅርሑ ገበርዎም እሞ፥ ኣውያት እቶም ግፉዓት ድማ ሰምዐ። 29ንሱ ስቕ እንተ በለ መን ክዂንን ይኽእል? ገፁ እንተ ኸወለ ድማ መን ክሪኦ ይኽእል፥ ህዝቢ ኾነ ሰብ፥ 30ዓመፀኛ ሰብ ከይነግስ፥ ንህዝቢ ኸየጥምዶም ድማ። 31ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉዶ፦ ‘ቅፅዓተይ ፆይረ ኣለኹ፤ ደጊመ ኣይብድልን፤ 32እቲ ዘይሪኦ ኣስተምህረኒ፤ ክፉእ ጌረ እንተ ኾይነ፥ ደጊመ ኣይገብሮን እየ’? 33ንተግሳፁ ስለ ዝነዓቕካ፥ ከም ድላይካዶ ክፈድየካ እዩ? ንስኻ ኢኻ እትመርፅ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን እሞ፥ ስለዙይ እትፈልጦ ንገር። 34ምስትውዓል ዘለዎም ሰባት ክብሉኒ እዮም፤ ዝሰምዓኒ ኵሉ ለባም ሰብውን ክብል እዩ፤ 35‘ኢዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዝዛረብ፤ ቃሉ ድማ ብዘይ ምስትውዓል እዩ።’ 36ኢዮብ ከም ክፉኣት ሰባት ስለ ዝመለሰ፥ ክሳዕ መወዳእታ ክፍተን እንተ ዝኸውን! 37ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመፅ ይውስኽ እዩ እሞ፤ ብግልፂ የላግፀልና፥ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ከዓ ቃሉ የብዝሕ።”