ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

እታ ዝተፅሓፈትን ዝተነበበትን መፅሓፍ

ባሩኽ ቃላት ኣቦና፥ ኤርሚያስ ካብ ኣፉ እናነገሮ፥ ይፅሕፍ፥ ብመዓልቲ ፆም ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ የንብቦ፤ እቶም ሹመኛታት ኣትሪሮም ወሲዶም ንኽልቲኦም ይሓብእዎም። ኢዮኣቄም ኣብ ጥቓ እቶኑ ኮይኑ ይሰምዕ፥ ዓምድታት እናቘረፀ የንድዶም። እቲ መፅሓፍ ዝነውሐ ኾይኑ ይድገም፥ ዘርኡ ድማ ነቲ ዙፋን ይስእኖ።

ምዕራፍ 36።

ብራብዓይ ዓመት ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ እዝ ቃል እዙይ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦

“መፅሓፍ ውሰድ፤ ካብታ ብመዓልቲታት ኢዮስያስ መጀመርታ ዝተዛረብኩኻ ክሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ይሁዳን ኵሎም ኣህዛብን ዝተዛረብኩኻ ዅሉ ኣብኡ ፅሓፎ። ምናልባሽ ይሁዳ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ከምፅኦ ዝሓሰብክዎ ዅሉ መዓት ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ እኩይ መንገዱ ተመሊሱ፥ ንበደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ እብለሎም።”

ኤርሚያስ ድማ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ፀውዖ፤ ባሩኽ ከዓ ነቲ ኣቦና ዝተዛረቦ ዅሉ ቓላት፥ ኤርሚያስ ካብ ኣፉ እናነገሮ፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ። ሽዑ ኤርሚያስ ንባሩኽ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ኣነ ተዓፅየ ኣለኹ፤ ናብ ቤት ኣቦና ክኣቱ ኣይኽእልን እየ። ስለዙይ ነቲ ኣነ እናነገርኩኻ ዝፀሓፍካዮ ቓላት ኣቦና ኻብቲ መፅሓፍ ኬድካ ኣንብቦ፤ ብመዓልቲ ፆም ኣብ ቤት ኣቦና ንዘለዉ ዅሎም ህዝብን ካብ ከተማታቶም ንዝመፁ ህዝቢ ይሁዳን ኣንብበሎም። ኣቦና ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ዓብዪ ቝጥዓ ኣዊጁ ኣሎ እሞ፥ ምናልባሽ ምህለላ ምሕረቶም ናብ ኣቦና በፂሑ፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ እኩይ መንገዱ ይምለስ ይኸውን።”

ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ከምቲ ነቢይ ኤርሚያስ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፤ ኣብ ቤት ኣቦና ኾይኑ ነቲ ቓላት ኣቦና ኻብቲ መፅሓፍ ኣንበቦ። ብሓምሻይ ዓመት ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵሎም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩን ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ ዅሎምን ኣብ ቅድሚ ኣቦና ፆም ኣወጁ። ባሩኽ ከዓ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽሰምዑ፥ ኣብ ቤት ኣቦና፥ ኣብ ክፍሊ ጌማርያ ወዲ ሳፋን ፀሓፊ፥ ኣብ ላዕለዋይ ኣፀድ፥ ኣብ መእተዊ እታ ሓዳስ ደገ ቤት ኣቦና፥ ነቲ ቓላት ኤርሚያስ ካብቲ መፅሓፍ ኣንበቦ።

ሚክያስ ወዲ ጌማርያ ወዲ ሳፋን፥ ነቲ ዅሉ ቓላት ኣቦና ኻብቲ መፅሓፍ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ክፍሊ ፀሓፊ ወረደ፤ ኣብኡ ድማ ኵሎም እቶም ሹመኛታት ተቐሚጦም ነበሩ፦ ኤሊሳማ ፀሓፊ፥ ዳላያ ወዲ ሳማያ፥ ኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ጌማርያ ወዲ ሳፋን፥ ሴዴቅያስ ወዲ ሃናንያ፥ ኵሎም እቶም ሹመኛታትን። ሚክያስ ድማ ባሩኽ ነቲ ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ እናንበበ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ነገሮም። ሽዑ ኵሎም እቶም ሹመኛታት ንየሁዲ ወዲ ነታንያ ወዲ ሰለምያ ወዲ ኩሺ ናብ ባሩኽ ሰዲዶም “ነቲ ነቶም ህዝቢ ዘንበብካዮ መፅሓፍ ሒዝካ ንዓ” በልዎ። ባሩኽ ወዲ ኔርያ ድማ ነቲ መፅሓፍ ሒዙ ናባታቶም መፀ።

ንሳቶም ድማ “ተቐሚጥካ ኣንብበልና” በልዎ። ባሩኽ ከዓ ኣንበበሎም።

ነቲ ዅሉ ቓላት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፍ ፈሪሑ ናብ ብፅዩ ገፁ መለሰ፤ ንባሩኽ ከዓ “ነዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ንንጉስ ክንነግሮ ኣለና” በልዎ። ንባሩኽ ድማ “እስኪ ንገረና፥ ነዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ከመይ ጌርካ ፀሓፍካዮ? ካብ ኣፉዶ ይነግረካ ነይሩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።

ባሩኽ ከዓ “ነዝ ዅሉ ቓላት እዙይ ካብ ኣፉ ይነግረኒ ነይሩ፤ ኣነ ድማ ብቐለም ኣብቲ መፅሓፍ ፀሓፍክዎ” ኢሉ መለሰሎም።

ሽዑ እቶም ሹመኛታት ንባሩኽ “ንስኻን ኤርሚያስን ኬድኩም ተሓብኡ፤ ኣበይ ከም ዘለኹም ድማ ሓደኳ ኣይፍለጥ” በልዎ።

ነቲ መፅሓፍ ኣብ ክፍሊ ኤሊሳማ ፀሓፊ ሓዲጎም፥ ናብ ንጉስ ናብቲ ኣፀድ ከዱ፤ ኵሉ ነገር ድማ ነገርዎ። ንጉስ ድማ ነቲ መፅሓፍ ከምፅኦ ንየሁዲ ለኣኾ፤ ንሱ ኸዓ ካብ ክፍሊ ኤሊሳማ ፀሓፊ ወሰዶ። የሁዲ ድማ ንንጉስን ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታትን ዓው ኢሉ ኣንበበሎም። ንጉስ ድማ ብታሽዐይቲ ወርሒ ኣብ ቤት ክረምቲ ተቐሚጡ ነበረ፤ ኣብ ቅድሚኡ ኸዓ ኣብ እቶን ሓዊ ይነድድ ነበረ። የሁዲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዓምዲ ምስ ኣንበበ፥ ንጉስ በቲ ናይ ፀሓፊ ካራ ቘሪፁ፥ ክሳዕ ብዘሎ እቲ መፅሓፍ ዝነድድ፥ ናብቲ ኣብ እቶን ዝነበረ ሓዊ ይድርብዮ ነበረ። ንጉስን ኵሎም እቶም ነዝ ቓላት እዙይ ዝሰምዑ ኣገልገልቱን ግና ኣይፈርሁን፥ ክዳውንቶምውን ኣይቀደዱን። a a v24 ክዳን ምቕዳድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናይ ሓዘን፥ ብኽያት፥ ወይ ንስሃ ባህላዊ ምልክት ነበረ። ኤልናታንን ዳላያን ጌማርያን ድማ ንጉስ ነቲ መፅሓፍ ከየንድዶ ለመንዎ፤ ንሱ ግና ክሰምዖም ኣበየ። ንጉስ ድማ ንየራሕሜኤል ወዲ ንጉስን ንሰራያ ወዲ ዓዝሪኤልን ንሰለምያ ወዲ ዓብድኤልን ንባሩኽ ፀሓፊን ንነቢይ ኤርሚያስን ክሕዝዎም ኣዘዞም፤ ኣቦና ግና ሓብኦም።

ንጉስ ነቲ ኤርሚያስ ካብ ኣፉ እናነገረ ባሩኽ ዝፀሓፎ ቓላት ዝሓዘ መፅሓፍ ምስ ኣንደዶ፥ ቃል ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦

“ካልእ መፅሓፍ ውሰድ፤ ኵሉ እቲ ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ዘንደዳ ቐዳመይቲ መፅሓፍ ዝነበረ ቓላት ድማ ኣብኡ ፅሓፎ። ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ድማ ከምዙይ በል፦ ኣቦና ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንስኻ ‘ንጉስ ባቢሎን ብርግፅ መፂኡ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ፥ ንሰብን ንእንስሳን ድማ ከጥፍኦም እዩ፥ ኢልካ ስለ ምንታይ ፀሓፍካ?’ ኢልካ ነዛ መፅሓፍ እዚኣ ኣንደድካያ። ስለዙይ ኣቦና ብዛዕባ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ዘርኡ ሓደኳ ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጥ ኣይህሉን፤ ሬሳኡ ኸዓ ናብ ሃሩር ቀትርን ኣስሓይታ ለይትን ይድርበ። ንእኡን ንዘርኡን ንኣገልገልቱን ድማ ብሰሪ ሓጢኣቶም ክቐፅዖም እየ፤ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይሁዳን ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘውጀኽዎ ዅሉ መዓት ከምፅኦ እየ፤ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን ነበሩ።”

ኤርሚያስ ድማ ካልእ መፅሓፍ ወሲዱ ንባሩኽ ወዲ ኔርያ ፀሓፊ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኵሉ እቲ ኣብታ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ብሓዊ ዘንደዳ መፅሓፍ ዝነበረ ቓላት፥ ኤርሚያስ ካብ ኣፉ እናነገሮ ፀሓፎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዙሕ ከምኡ ዝበለ ቓላት ተወሰኸ።