ራካባውያን ንኣቦኦም የኽብሩ
ኤርሚያስ ንራካባውያን ወይኒ የቕርበሎም፥ ንሳቶም ግና ኣቦኦም ዮናዳብ ስለ ዝኸልከሎም ይኣብዩ። እቲ ነዊሕ ዝሞተ ሰብኣዊ ኣቦኦም ዝተኣዘዙሉ ተኣዛዝነት፥ ምስ እቲ ይሁዳ ነቲ ደጋጊሙ ዝተዛረበ ኣቦና ክሰምዕ ዝኣበዮ ይገጥም። ንዘርኢ ዮናዳብ ከዓ ነባሪ ቦታ ተመባፂዑሉ ኣሎ።
35 1እቲ ኣብ ዘመን ዮያቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል፦
2“ናብ ቤት ራካባውያን ኪድ፥ ምሳታቶም ተዛረብ፥ ናብ ሓደ ጐኒ ክፍሊ ቤተይ ኣእትዎም፥ ወይኒ ኸዓ ኣስትዮም።”
3ስለዙይ ንያእዛንያ ወዲ ኤርሚያስ ወዲ ሃባዝንያ፥ ነሕዋቱን ንዅሎም ደቁን ንብዘሎ ቤት ራካባውያንን ወሰድኩ፤ 4ናብ ቤት ኣቦናውን ኣእቶኽዎም፤ ናብ ክፍሊ ደቂ ሓናን ወዲ ይግዳልያ፥ እቲ ሰብ ኣቦና፥ ኣብ ጥቓ ክፍሊ እቶም መኳንንቲ፥ ኣብ ልዕሊ ክፍሊ ማዕሴያ ወዲ ሳሉም እቲ ሓላዊ ኣፍ ደገ። 5ሽዑ ኣብ ቅድሚ ደቂ ቤት ራካባውያን ወይኒ ዝመልአ ጭሐሎታትን ፅዋዓትን ኣቐሚጠ፥ “ወይኒ ስተዩ” በልክዎም።
6ንሳቶም ግና ከምዙይ በሉ፦ “ኣቦና ዮናዳብ ወዲ ራካብ ከምዙይ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና፦ ‘ንስኻትኩምን ደቅኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ። 7ቤት ኣይትስርሑ፥ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፥ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትኸሉ፤ ዋላ ሓደ ኣይሃሉኹም፤ ኣብታ እትነብሩሉ ምድሪ ነዊሕ መዓልቲ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ኵሉ መዓልቲኹም ኣብ ድንኳናት ንበሩ።’ 8ስለዙይ ንሕናን ኣንስትናን ደቅናን ኣዋልድናን ብዅሉ ዘመንና ወይኒ ከይንሰቲ፥ ነቲ ኣቦና ዮናዳብ ወዲ ራካብ ዝኣዘዘና ዅሉ ተኣዚዝናዮ ኣለና፤ 9ክንነብረለን ኣባይቲ ኸይንሰርሕውን ተኣዚዝናዮ ኣለና። ኣታኽልቲ ወይኒ ኮነ ግራት ኮነ ዘርኢ የብልናን፤ 10ኣብ ድንኳናት ደኣ ተቐሚጥና ኣለና እምበር፥ ነቲ ኣቦና ዮናዳብ ዝኣዘዘና ዅሉ ሰሚዕና ጌርና ኣለና። 11ነገር ግና ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብዛ ሃገር ምስ ወረረ፥ ‘ንዑ፥ ካብ ሰራዊት ባቢሎናውያንን ኣራማውያንን ክንድሕን ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ’ በልና። ስለዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንነብር ኣለና።”
12ሽዑ ቃል ኣቦና ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
13ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ንሰብ ይሁዳን ንነበርቲ ኢየሩሳሌምን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ተግሳፅ ኣይትቕበሉን፥ ንቓላተይከ ኣይትሰምዑንዶ? ይብል ኣቦና። 14እቲ ዮናዳብ ወዲ ራካብ ደቁ ወይኒ ከይሰትዩ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ተሓልዩ እዩ፤ ትእዛዝ ኣቦኦም ስለ ዝሰምዑ ኸዓ፥ ክሳዕ ሎሚ ወይኒ ኣይሰትዩን እዮም። ኣነ ግና ደጋጊመ ተዛሪበኩም እየ፥ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
15ንዅሎም ኣገልገልተይ ነቢያት ድማ ደጋጊመ ናባኻትኩም ልኢኸ ከምዙይ ኢለ፦ ‘ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፥ ግብርኹም ከዓ ኣቕንዑ፤ ነቲ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሃብኩዎ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩላ፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዓቡ፤ ኣይተምልኽዎምውን’ ኢለ፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምን፤ ኣቓልቦ ድማ ኣይገበርኩምለይን። 16ደቂ ዮናዳብ ወዲ ራካብ ትእዛዝ ኣቦኦም ሓለዉ፥ እዝ ህዝቢ እዙይ ግና ኣይሰምዓንን።
17ስለዙይ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ፥ ተዛሪበዮም ስለ ዘይሰምዑ፥ ፀዊዐዮም ድማ ስለ ዘይመለሱለይ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተዛረብክዎ ዅሉ ጥፍኣት ኣብ ይሁዳን ኣብ ዅሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌምን ከውርድ እየ።”
18ኤርሚያስ ድማ ነቲ ቤት ራካባውያን ከምዙይ በሎም፦ “ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ትእዛዝ ኣቦኹም ዮናዳብ ስለ ዝሰማዕኩም፥ ኵሉ ሕግታቱ ስለ ዝሓሎኹም፥ ከምቲ ዝኣዘዘኩም ዅሉ ስለ ዝገበርኩም፥ 19ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል፦ ንዮናዳብ ወዲ ራካብ፥ ኣብ ቅድመይ ደው ዝብል ሰብ ንዘለኣለም ኣይክጠፍኦን እዩ።”