ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦና ብኤርሚያስ የጠንቅቕ

ሰራዊት ግብፂ ነቶም ባቢሎናውያን ስለ ዘርሓቖም፥ ኢየሩሳሌም ተስፋ ገበረት፤ ኤርሚያስ ግና ባቢሎናውያን ተመሊሶም ነታ ኸተማ ኸም ዘቃፅልዋ፥ ቃል ኣቦና ኣምፅአ። ብዛዕባ ጕዳይ ስድርኡ ወፂኡ ኸሎ፥ ከም ከዳዕ ተታሒዙ ተወቒዑ ተኣስረ። ሴዴቅያስ ብሕቡእ ቃል ሓተቶ፥ ከቢድ ቃል ተዋህቦ፥ እንጀራ ኸዓ ሃቦ።

ምዕራፍ 37።

ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዘንገሶ ሴዴቅያስ ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ክንዲ ኮንያ ወዲ ኢዮኣቄም ነገሰ። ንሱ ኾነ ሓሻኽሩ ወይ ህዝቢ እታ ምድሪ ግና፥ ነቲ ኣቦና ብነቢዩ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ ቃላት ኣይሰምዑን።

ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ንይሁካል ወዲ ሴሌምያን ንሶፎንያስ ወዲ መዓሴያ ካህንን “በይዛኻ፥ ምእንታና ናብ ኣቦና ፀሊ” ኢሉ ናብ ነቢዩ ኤርሚያስ ለኣኸ።

ኤርሚያስ ገና ኣብ ማእኸል ህዝቢ እናመፀን እናኸደን ነበረ፤ ገና ኣይኣሰርዎን ነበሩ። ሰራዊት ፈርዖን ካብ ግብፂ ወፂኡ ነበረ፤ እቶም ንኢየሩሳሌም ከቢቦም ዝነበሩ ባቢሎናውያን ምስ ሰምዑ ድማ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።

ሽዑ ቃል ኣቦና ናብ ነቢዩ ኤርሚያስ ከምዙይ ኢሉ መፀ፦

ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ናባይ ክትሓትቱ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ከምዙይ በልዎ፦ እንሆ፥ ክሕግዘኩም ዝወፀ ሰራዊት ፈርዖን፥ ናብ ምድሩ ናብ ግብፂ ክምለስ እዩ። ሽዑ እቶም ባቢሎናውያን ተመሊሶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ክዋግእዋ፥ ክሕዝዋን ብሓዊ ከቃፅልዋን እዮም።

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቶም ባቢሎናውያን ብርግፅ ክሓድጉና እዮም” ኢልኩም ንባዕልኻትኩም ኣይተታልሉ፤ ኣይክሕድጉን እዮም። ንዅሉ እቲ ዝዋግኣኩም ሰራዊት ባቢሎን እንተ ወቓዕኩሞ'ውን፥ ኣብ ድንኳናቶም ዝቖሰሉ ሰባት ጥራሕ እንተ ተረፉ፥ ንሳቶም ተንሲኦም ነዛ ኸተማ እዚኣ ብሓዊ ከቃፅልዋ እዮም።

ኤርሚያስ ተታሒዙ ተኣሰረ

ሰራዊት ባቢሎን ድማ ብሰንኪ ሰራዊት ፈርዖን ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ ኤርሚያስ ኣብኡ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ግዱኡ ክወስድ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ምድሪ ብንያም ወፀ። ኣብ በሪ ብንያም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ሓለቓ ሓለውቲ ዝኾነ ይርኢያ ወዲ ሴሌምያ ወዲ ሃናንያ “ናብ ባቢሎናውያን ክትከይድ ኢኻ!” ኢሉ ንነቢዩ ኤርሚያስ ሓዞ።

ኤርሚያስ ድማ “ሓሰት እዩ! ኣነ ናብ ባቢሎናውያን ኣይከይድን እየ” በለ። ይርኢያ ግና ኣይሰምዖን፤ ንኤርሚያስ ሒዙ ናብ ሹመኛታት ወሰዶ።

እቶም ሹመኛታት ድማ ኣብ ኤርሚያስ ተቘጢዖም ወቕዕዎ፤ ኣብ ቤት ዮናታን ፀሓፊ፥ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ዝተገብረት ድማ ኣሰርዎ።

ኤርሚያስ ድማ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝነበረ ኣጓዳት ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ፥ ኣብኡ ድማ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ። ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ፀውዖ፤ ኣውፅእዎ ድማ። እቲ ንጉስ ከዓ ኣብ ቤተ መንግስቲ ብምስጢር ጠየቖ፤ “ካብ ኣቦና ዝመፀ ቃል ኣሎዶ?” ኢሉ ሓተቶ። ኤርሚያስ ድማ “ኣሎ፤ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፍካ ክትወሃብ ኢኻ” በለ።

ኤርሚያስ ድማ ንንጉስ ሴዴቅያስ “ናብ ቤት ማእሰርቲ ከተእትወኒ፥ ኣባኻ ወይ ኣብ ሓሻኽርካ ወይ ኣብዝ ህዝቢ እዙይ እንታይ ሓጢኣት ገይረ?” ኢሉ ሓተቶ። “እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን ናባኻትኩም ኮነ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣይክመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝተነበዩ ነቢያትካ ሕዚ ኣበይ ኣለዉ? ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ጐይታይ ንጉስ፥ በይዛኻ ስምዐኒ፤ ምህለላይ ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ኣብኡ ከይመውት፥ ናብ ቤት ዮናታን ፀሓፊ ኣይትመልሰኒ።”

ንጉስ ሴዴቅያስ ድማ ኣዘዘ፤ ንኤርሚያስ ከዓ ኣብ ቅፅሪ ቤት ሓለዋ ኣንበርዎ፤ ናይ ኸተማ እንጀራ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ካብ መንገዲ ኣሰናደውቲ እንጀራ፥ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓደ ቕጫ እንጀራ ይህብዎ ነበሩ። ከምዙይ ኤርሚያስ ኣብ ቅፅሪ ቤት ሓለዋ ተቐመጠ።