ሓዳስ ንግስቲ ተደለየት
ዋሽቲ ምስ ተኣለየት፥ መልክዐኛታት ደናግል ብትእዛዝ ናብ ቤት ኣንስቲ ንጉስ ተኣከባ። መርዶክዮስ፥ እቲ ነታ ዘኽታም ጓል ሓወቦኡ ኣስቴር ዘዕበያ፥ ኣይሁዳዊት ምዃና ኽትሓብእ ነገራ። ንሳ ኸዓ ኣኽሊል ረኸበት፤ ንሱ ዘመሓላለፎ ናይ ቅትለት ተንኰል ድማ ኣብ መዝገብ ንጉስ ተፃሓፈ።
2 1ድሕሪ እዙይ፥ ቑጥዐ ንጉስ ኣሃሽዌሮስ ምስ ሃደአ፥ ንዋሽቲ፥ እቲ ዝገበረቶ ነገርን ኣብ ልዕሊኣ ዝተወሰነን ዘከረ። 2ኣገልገልቲ ንጉስ ድማ ከምዙይ በሉ፦ “ንንጉስ መልክዐኛታት ደናግል ኣጓላት ይደለያሉ። 3ንጉስ ኣብ ኵሉ ኣውራጃታት መንግስቱ ኣሕሉቕ ይሹም፤ ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፍ መልክዐኛ ድንግል ጓል፥ ናብ ዕርድቲ ኸተማ ሱሳ፥ ናብቲ ነተን ኣንስቲ ዝሕሉ ስሉብ ንጉስ ሄጋይ ዝመርሖ ቤት ኣንስቲ ይእክብወን፤ ናይ ፅባቐ መድሃኒት ድማ ይወሃበን። 4እታ ንንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ።” እዝ ነገር እዙይ ድማ ንንጉስ ደስ ኣበሎ፤ ከምኡውን ገበረ።
5ኣብ ዕርድቲ ኸተማ ሱሳ ድማ መርዶክዮስ ዝበሃል ሓደ ኣይሁዳዊ ይነብር ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያኢር፥ ወዲ ሳሚ፥ ወዲ ቂስ፥ ብንያማዊ እዩ፤ 6ንሱ፥ ምስ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ካብ ኢየሩሳሌም ምስ ዝማረኾ ምሩኻት ዝተማረኸ እዩ። 7ንሱ ድማ ንሃዳሳ፥ ንሳ ኣስቴር፥ ጓል ሓወቦኡ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ዘይብላ፥ የዕቢ ነበረ። እታ ጓል ከዓ መልክዐኛ፥ ትርኢታውን ፅብቕቲ ነበረት፤ ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ድማ፥ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ወሰዳ።
8ትእዛዝ ንጉስን ኣዋጁን ምስ ተሰምዐ፥ ብዙሓት ኣጓላትን ናብ ዕርድቲ ኸተማ ሱሳ፥ ኣብ ትሕቲ ሄጋይ ምስ ተኣከባ፥ ኣስቴርውን ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ፥ ናብ ኢድ ሄጋይ እቲ ሓላዊ ኣንስቲ ተወስደት። 9እታ ጓል ከዓ ደስ ኣበለቶ፥ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት፤ ስለዙይ ቐልጢፉ ናይ ፅባቐ መድሃኒታን ግደ መብልዓን ሃባ፤ ካብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ሸውዓተ ዝተመረፃ ኣጓላት ድማ ሃባ፤ ንኣኣን ነግራዳን ድማ ናብቲ ዝበለፀ ክፍሊ ቤት ኣንስቲ ኣግዓዘን። 10ኣስቴር ድማ፥ መርዶክዮስ ከይትገልፅ ኣዚዝዋ ስለ ዝነበረ፥ ህዝባ ኾነ ዓሌታ ኣይገለፀትን። 11መርዶክዮስ ድማ ኣስቴር ከመይ ከም ዘላን እንታይ ከም ዝወረዳን ክፈልጥ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣፅድ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።
12ነፍሲ ወከፍ ጓል ናብ ንጉስ ኣሃሽዌሮስ እትኣትወሉ ተራ፥ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ ናይ ግዴታ ናይ ፅባቐ መድሃኒት ምስ ገበረት ይበፅሕ ነበረ፤ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይቲ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ኸዓ ብጥዑም ጨናን ቅብኣትን። 13ነፍሲ ወከፍ ጓል ናብ ንጉስ ከምዙይ ገይራ ትኣቱ ነበረት፦ ካብ ቤት ኣንስቲ ናብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ክትማልኦ ዝደለየቶ ዅሉ ይወሃባ ነበረ። 14ምሸት ትኣቱ፤ ንግሆ ድማ ናብ ካልኣይ ቤት ኣንስቲ፥ ናብ ኢድ ሻዓሽጋዝ እቲ ነተን ዕቁባት ዝሕሉ ስሉብ ንጉስ ትምለስ ነበረት። ንጉስ እንተ ዘይፈተዋን ብስማ እንተ ዘይፀውዓን ድማ፥ ናብ ንጉስ ኣይትምለስን ነበረት።
15ኣስቴር፥ ጓል ዓቢካኢል፥ ሓወቦ መርዶክዮስ፥ እቲ ኸም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ ድማ፥ ብዘይ እቲ ነተን ኣንስቲ ዝሕሉ ስሉብ ንጉስ ሄጋይ ዝበላ፥ ሓደ እኳ ኣይለመነትን። ኣስቴር ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ዝረአይዋ ሞገስ ረኸበት።
16ኣስቴር ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ወርሒ፥ ጥቤት ኣብ ዝበሃል፥ ኣብ መበል ሸውዓተ ዓመት ንግስናኡ፥ ናብ ንጉስ ኣሃሽዌሮስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተወስደት። a a v16 ጥቤት መበል ዓሰርተ ወርሒ ናይ ኣቆፃፅራ እብራውያን ኮይኑ ፥ ዳርጋ ታሕሳስ–ጥሪ እዩ።
17ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን ኣንስቲ ኣዝዩ ኣፍቀራ፤ ካብ ኵለን ደናግል ንላዕሊ ኸዓ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስን ፀጋን ረኸበት። ስለዙይ ነቲ ንጉሳዊ ኣኽሊል ኣብ ርእሳ ገበረ፤ ኣብ ክንዲ ዋሽቲውን ኣንገሳ።
18ንጉስ ድማ ንዅሎም ሹመኛታቱን ኣገልገልቱን ዓብዪ ድግስ ፥ ድግስ ኣስቴር ገበረ። ኣብ ኣውራጃታትውን በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግሲ ንጉስ ድማ ገፀ በረኸት ሃበ።
19እተን ደናግል ንኻልኣይ ጊዜ ምስ ተኣከባ ድማ ፥ መርዶክዮስ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተቐሚጡ ነበረ። 20ኣስቴር ድማ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ህዝባ ኾነ ዓሌታ ኣይገለፀትን፤ ከምቲ ዘዕበያ ጊዜ፥ ትእዛዙ ትእዘዝ ነበረት።
መርዶክዮስ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዝተገብረ ተንኰል ቀሊዑ
21በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ መርዶክዮስ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ተቐሚጡ ኸሎ፥ ብግታንን ቴሬሽን፥ ነቲ ኣፍ ደገ ዝሕልዉ ኽልተ ስሉባት ንጉስ፥ ተቘጢዖም፥ ንጉስ ኣሃሽዌሮስ ክቐትልዎ ተማኸሩ። 22መርዶክዮስ ግና ነቲ ተንኰል ፈሊጡ ፥ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ፤ ንሳ ድማ ብስም መርዶክዮስ ንንጉስ ነገረቶ። 23እቲ ነገር ድማ ተመርመረ ፥ ሓቂ ምዃኑ ተረጋገፀ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ባላ ተሰቒሎም ተቐተሉ። ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪክ ተፅሓፈ።