ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሃማን ንኣይሁድ ከጥፍእ ተንኰል ሓሰበ

ሃማን ተዓበየ፥ መርዶካይ ግና ኣይሰግድን። ተዋሪዱ ኸዓ ሃማን ሞት ሓደ ሰብኣይ ንእሽተይ ምዃኑ ወሲኑ፥ ንዅሎም ኣይሁድ ኣብ ሓንቲ ብዕፃ ዝተመረፀት መዓልቲ ንምጥፋእ፥ ካብ ንጉስ ዓዋጅ ዓደገ። ንጉስን ሃማንን ተቐሚጦም ክሰትዩ እንተለዉ፥ መልእኽተኛታት ብፈረስ ወፁ።

ምዕራፍ 3።

ድሕሪ እዙይ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን ወዲ ሃመዳታ ኣጋጋዊ ኣዕበዮ፤ ኣኽበሮ ድማ፤ መንበሩ ኸዓ ካብ ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ኣብ ልዕሊ ኣቐመጦ። ኵሎም እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ፥ ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞም፥ ተምበርኪኾም ንሃማን ሰገዱሉ። መርዶካይ ግና ኣይተምበርከኸን ኣይሰገደን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ሓሻኽር ንጉስ ንመርዶካይ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንትእዛዝ ንጉስ ዘይትሰምዕ?” በልዎ። መዓልቲ መዓልቲ ይምዕድዎ ነበሩ፥ ንሱ ግና ኣበየ፤ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ናይ መርዶካይ ነገር ይፀንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ መርዶካይ ከም ዘይተምበርከኾን ከም ዘይሰገደሉን ምስ ረአየ፥ ብዓብዪ ቝጥዓ መልአ። ህዝቢ መርዶካይ መን ምዃኖም ነጊሮምዎ ነበሩ እሞ፥ ንመርዶካይ ጥራሕ ምቕታል ንእሽተይ ነገር ኮይኑ ተራእዮ፤ ስለዙይ ሃማን ኣብ ኵሉ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ንዅሎም ህዝቢ መርዶካይ ከጥፍኦም ደለየ።

ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ንሳ ኸዓ ወርሒ ኒሳን፥ ንነፍሲ ወከፍ መዓልትን ንነፍሲ ወከፍ ወርሕን ኣብ ቅድሚ ሃማን ፉር፥ ንሱ ኸዓ ዕፃ፥ ኣውደቑ፤ እቲ ዕፃ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ንሳ ኸዓ ኣዳር፥ ወደቐ። ሃማን ድማ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከምዙይ በሎ፦ “ኣብ ኵለን ኣውራጃታት መንግስትኻ፥ ኣብ ማእኸል እቶም ህዝብታት፥ ተበቲኑን ፋሕ ኢሉን ዝነብር ሓደ ህዝቢ ኣሎ። ሕግታቶም ካብ ናይ ኵሉ ሰብ ፍሉይ እዩ፤ ንሕግታት ንጉስ ድማ ኣይሕልዉን እዮም፤ ከምኡ ኾይኖም ኽነብሩ ምሕዳጎም ንንጉስ ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅምን እዩ። ንጉስ ደስ እንተ ኢልዎ፥ ከጥፍኦም ይፀሓፍ፤ ኣነ ኸዓ ናብ መዝገብ ንጉስ ምእንቲ ኽኣቱ፥ ን375 ቶን ብሩር መዚነ ናብ እቶም ሹመኛታት ክህብ እየ።”

ንጉስ ድማ ቀለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ፥ ነቲ ፀላኢ ኣይሁድ ዝኾነ ሃማን ወዲ ሃመዳታ ኣጋጋዊ ሃቦ። ንጉስ ድማ ንሃማን “እቲ ብሩር ንኣኻ ይኹን፤ እቶም ህዝቢውን ከምኡ፤ ከም ዝደለኻዮ ግበረሎም” በሎ።

ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ድማ ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ፤ ትእዛዝ ሃማን ከዓ ናብ ሹማምንቲ ንጉስ፥ ናብቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ዘለዉ መኳንንቲ፥ ናብ ሹመኛታት ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ተፀሓፈ፤ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ በብፅሕፈታ፥ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ድማ በብቛንቋኡ። ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተፀሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓተመ። ልኡኻት ድማ ናብ ኵለን ኣውራጃታት ንጉስ ደብዳቤታት ወሰዱ፦ ንዅሎም ኣይሁድ፥ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ኣንስትን ቘልዑን፥ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ንሳ ኸዓ ኣዳር፥ ኣጥፍኡን ቕተሉን ድምስሱን፤ ጥሪቶም ድማ ዘምቱ። ናይ እዝ ፅሑፍ እዙይ ቅዳሕ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ኸም ሕጊ ተገይሩ ኽውፅእ፥ ንዅሎም ህዝብታት ድማ ኽግለፅ፥ ነታ መዓልቲ እቲኣ ድልዋት ምእንቲ ኽኾኑ ተገብረ። በትእዛዝ ንጉስ ድማ ልኡኻት ቀልጢፎም ወፁ፤ እቲ ትእዛዝ ከዓ ኣብ ዕርዲ ሱሳ ወፀ። ንጉስን ሃማንን ክሰትዩ ተቐመጡ፤ ከተማ ሱሳ ግና ተደናገረት።