ብርሃን ኣቦና ክዕገት ኣይኽእልን
ብኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝምገብ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዲል፥ ንዘሩባቤል በቲ ንእሽቶ ዘይተወድአ መቕደስ ዝነበሮ ጓሂ ይምልሰሉ። ቃል ኣቦና ናብኡ፦ ብጉልበት ኣይኮነን፥ ብሓይሊ ድማ ኣይኮነን፥ ብመንፈሰይ ደኣ እምበር። እተን መሰረት ዘንበራ ኣእዳው ክውድእኦ እየን፤ ንንኣሽቱ ነገራት ሓደ እኳ ኣይነዓቕ።
4 1እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ተመሊሱ፥ ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዝተበራበረ ሰብ ገይሩ ኣበራበረኒ። 2ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ብወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ረአኹ፤ ኣብ ርእሱ ፃሕሊ ኣለዎ፥ ሸውዓተ መብራህቲውን ኣብ ልዕሊኡ ኣለዉ፤ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሱ ዘሎ መብራህቲ ኸዓ ሸውዓተ መፍሰሲ ኣለዎ።
3ክልተ ኣእዋም ኣውሊዕ ድማ ኣብ ጥቓኡ ቆይመን ኣለዋ፥ ሓደ ብየማን እታ ፃሕሊ፥ እቲ ኻልእ ከዓ ብፀጋም።”
4ኣነ ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣተን እንታይ እየን?” በልክዎ።
5እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን?” በለኒ። ኣነ ድማ “ኣይፋል ጐይታይ” በልክዎ።
6ንሱ ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ቃል ኣቦና ናብ ዘሩባቤል እዙይ እዩ፦ ብጉልበት ኣይኮነን፥ ብሓይሊ ድማ ኣይኮነን፥ ብመንፈሰይ ደኣ እምበር፥ ይብል ኣቦ ሰራዊት ሰማይ። 7ኦ ዓብዪ እምባ፥ ንስኻ መን ኢኻ? ኣብ ቅድሚ ዘሩባቤል ሰጥ ዝበለ ሜዳ ክትከውን ኢኻ። ንሱ ኸዓ ‘ፀጋ፥ ፀጋ ይኹኖ!’ እናበለ ዓው እናበለ ነቲ ርእሲ እምኒ የውፅኦ።
8ቃል ኣቦና ድማ ናባይ መፀ፦
9ዘሩባቤል ብኣእዳዉ ነዛ ቤት እዚኣ መሰረት ኣንበሮ፤ ኣእዳዉ ድማ ክውድእኦ እየን። ሽዑ ኸዓ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ክትፈልጡ ኢኹም። 10ነታ መዓልቲ ንኣሽቱ ነገራት መን ነዓቓ? እቲ መለክዒ ገመድ ኣብ ኢድ ዘሩባቤል እናረአዩ ድማ ክሕጐሱ እዮም። እዞም ሸውዓተ እዚኦም፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ ኣቦና እዮም።”
11ኣነ ድማ “እዘን ብየማን ብፀጋም እቲ ቐዋሚ ቐንዲል ዘለዋ ኽልተ ኣእዋም ኣውሊዕ እንታይ እየን?” ኢለ ሓተትክዎ። 12መሊሰ ድማ “እዘን ብኽልተ ናይ ወርቂ ቡንቡን ናይ ወርቂ ዘይቲ ዘፍስሳ ኽልተ ጨንፈር ኣውሊዕ እንታይ እየን?” ኢለ ሓተትኩ።
13ንሱ ድማ “እዚኣተን እንታይ ምዃነንዶ ኣይትፈልጥን?” በለኒ። ኣነ ኸዓ “ኣይፋል ጐይታይ” በልክዎ።
14ንሱ ድማ “እዚኣቶም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ጐይታ ኵሉ ምድሪ ዝቖሙ ኽልተ ቅቡኣት እዮም” በለ።