ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣዒንተይ ናባኻ ጠሚተን

መዝሙር ዳዊት።

ከም ዕጣን ዝቐርብ ናይ ምሸት ፀሎት። ንኣቦኡ ክሕልወሉ ዝልምኖ፥ ንገዛእ ኣፉን ትምኒቱን እዩ፦ ምስ ዓመፅ ዝገብሩ ከይሳተፍ፥ ካብ ጥዑም ምግቦምውን ከይፈቱ፤ ካብ ፃድቕ ሰብ ዝመፅእ ተግሳፅ ከዓ ከም ዘይቲ ኣብ ርእሱ ይቕበሎ።

ምዕራፍ 141።

ኦ ኣቦይ፥ ናባኻ እፅውዕ ኣለኹ፤ ቀልጢፍካ ናባይ ንዓ። ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ቃለይ ስማዕ።

ፀሎተይ ከም ዕጣን ኣብ ቅድሜኻ ይደይብ፤ ምልዓል ኣእዳወይ ከዓ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።

ኦ ኣቦይ፥ ኣብ ኣፈይ ሓላዊ ኣቐምጥ፤ ኣብ ደገ ከንፈረይ ሓሉ። ልበይ ናብ ዝኾነ ክፉእ ነገር ኣይተዘንብሎ፤ ምስቶም ዓመፅ ዝገብሩ ኣብ ክፉእ ግብሪ ንኽሳተፍ፥ ካብ ጥዑም ምግቦምውን ኣይብላዕ።

እቲ ፃድቕ ይውቕዐኒ፥ እዙይ ሕያዋይነት እዩ፤ ይገስፀኒ፥ እዙይ ንርእሰይ ዘይቲ እዩ፤ ርእሰይ ኣይኣብዮን እዩ። ፀሎተይ ግና ኵልሻዕ ኣብ ልዕሊ ግብሪ ሓጢኣተኛታት እዩ።

ኣሕሉቖም ካብ ጨላቝ ኣኻውሕ ምስ ተደርቢዮም፥ ሽዑ እቲ ህዝቢ ቃላተይ ክሰምዕ እዩ፥ ጥዑማት እዮም እሞ። ሓደ ሰብ ንምድሪ ከም ዝሓርሳን ከም ዝሰብራን፥ ከምኡ ኸዓ ኣዕፅምትና ኣብ ኣፍ መቓብር ተበቲኖም።

ኣዒንተይ ግና ጠሚተን ኣለዋ፥ ናባኻ፥ ኦ ጐይታይ ኣቦይ፤ ኣባኻ እዕቘብ ኣለኹ፤ ረዳኢ ዘይብለይ ኣይትሕደገኒ። ካብቲ ዘፃወዱለይ መፈንጠር፥ ካብ መፈንጠሪታት እቶም ዓመፅ ዝገብሩ ሓልወኒ። እቶም ሓጢኣተኛታት ናብ መርበቦም ይውደቑ፤ ኣነ በይነይ ግና ብሰላም እሓልፍ።