ካብ ገፋዕቲ ተኸላኸለለይ
ንመዘምራን። መዝሙር ዳዊት።
ብዛዕባ ዝተወደበ ጭካነ ዝኾነ ፀሎት፦ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ተመን ዘለዎም፥ ምሉእ መዓልቲ ውግእ ዘለዓዕሉን ኣብ ጥቓ መንገዲ መፈንጠር ዘፃውዱን ሰባት። ዳዊት ነቦኡ ኣብ መዓልቲ ውግእ ሽፋን ይልምን፥ እቶም ዝተጨነቑ ድማ ጉዳዮም ከም ዝስማዕ ይኣምን።
140 1ኦ ኣቦይ፥ ካብ እኩያት ሰባት ኣናግፈኒ፤ ካብ ገፋዕቲ ድማ ሓልወኒ፥ 2እቶም ብልቦም ክፉእ ዝሓስቡ፥ ምሉእ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ዘለዓዕሉ። 3ልሳኖም ከም ተመን የስሕሉ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ ኣትማን ኣሎ።
4ኦ ኣቦይ፥ ካብ ኢድ ሓጢኣተኛታት ዓቅበኒ፤ ካብ ገፋዕቲ ድማ ሓልወኒ፥ እቶም ከውድቑኒ ዝመደቡ። 5እቶም ዕቡያት መፈንጠር ሓቢኦምለይ፤ ኣግማድ መርበብ ዘርጊሖም፤ ኣብ ጥቓ መንገዲ መፈንጠሪታት ኣፃዊዶምለይ።
6ንኣቦይ “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” በልኩ። ድምፂ ምህለላይ ስማዕ። 7ኦ ጐይታይ ኣቦይ፥ ሓይሊ ምድሓነይ፥ ኣብ መዓልቲ ውግእ ንርእሰይ ጋሪድካያ ኢኻ። 8ኦ ኣቦይ፥ ትምኒት ሓጢኣተኛታት ኣይትሃብ፤ ንውዲቶም ኣይተቕንዓሎም፤ እንተዘይኮይኑ ክልዓሉ እዮም።
9ርእሲ እቶም ዝኸቡኒ፥ እቲ ኣብ ከናፍሮም ዘሎ ሽግር ይኽደኖ። 10ዝነደደ ፍሕሚ ኣብ ልዕሊኦም ይውደቕ፤ ናብ ሓዊ ይደርበዩ፤ ናብ ጭቃ ዝመልኦ ጐዳጕዲ፥ ደጊሞም ከይልዕሉ። 11ሓማዪ ሰብ ኣብ ምድሪ ኣይፅናዕ፤ ክፍኣት ከዓ ነቲ ገፋዒ ሰብኣይ፥ ወቕዒ ብወቕዒ ይሃድኖ።
12ኣቦና ንጉዳይ እቶም ዝተጨነቑ ኸም ዝማጐተሎም፥ ንፅጉማት ከዓ ፍትሒ ኸም ዝገብረሎም እፈልጥ ኣለኹ። 13እቶም ፃድቃን ብርግፅ ንስምካ ኸመስግኑ እዮም፤ እቶም ቅኑዓት ኣብ ቅድሜኻ ኽነብሩ እዮም።