ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ

ተመሊሶም ዓሳ ክገፍፉ ወፁ፥ ሓንቲ እኳ ግና ኣይገፈፉን፤ በቲ ሓደ ጋሻ ዝበሎም ግና ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ዓሳ ጐተቱ፥ ቑርሲ ኸዓ ተዳሊዩ ረኸቡ። ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ኻልእ ሓዊ ፈሓም ንጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ “ተፍቅረኒዶ?” ኢሉ ሓተቶ፥ ኣባጊዑ ኽምግብ ሃቦ፥ “ተኸተለኒ” ኢሉ ድማ ኣግሂዱ ነገሮ።

ምዕራፍ 21።

ድሕሪዙይ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ንደቀ መዛሙርቱ ዳግም ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም፤ ከምዙይ ጌሩ ኸዓ ኣርኣዮም። ስምኦን ጴጥሮስን ማንታ ዝተብሃለ ቶማስን ካብ ቃና ዘገሊላ ናትናኤልን ደቂ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ብሓንሳእ ነበሩ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ “ዓሳ ኽገፍፍ እኸይድ ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ” በልዎ። ወፂኦም ድማ ናብ ጃልባ ኣተዉ፤ በታ ለይቲ እቲኣ ግና ሓንቲ እኳ ኣይገፈፉን።

ኣጋ ወጋሕታ ኸዓ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው በለ፤ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ኢየሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን።

ኢየሱስ ድማ “ደቀይ፥ ዝብላዕ ዓሳዶ ኣለኩም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “የብልናን” ኢሎም መለሱሉ።

“መርበብኩም ናብ የማናይ ወገን ጃልባ ደርብዩ፥ ዓሳ ኸዓ ክትረኽቡ ኢኹም” በሎም። ደርቢዮም ድማ፥ ካብ ብዝሒ ዓሳ ዝተልዓለ፥ ክስሕብዎ ኣይከኣሉን።

እቲ ኢየሱስ ዘፍቀሮ ደቀ መዝሙር ድማ ንጴጥሮስ “ጐይታ እዩ!” በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ከዓ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፥ ንስራሕ ኣውፂእዎ ነይሩ እዩሞ፥ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ባሕሪ ገዛእ ርእሱ ደርበየ። እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ግና፥ ካብ ገምገም ባሕሪ ኣስታት ሚእቲ እመት ጥራሕ ርሒቖም ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናጐተቱ ብጃልባ መፁ። ናብ ምድሪ ምስ ወፁ ኸዓ፥ ሓዊ ፈሓምን ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ዓሳን እንጀራን ረአዩ።

ኢየሱስ ድማ “ካብቲ ሕዚ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ቑሩብ ኣምፅኡ” በሎም።

ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፥ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ዓበይቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ከዓ ናብ ምድሪ ጐተቶ፤ ክንድዙይ ብዙሕ እንተ ነበረ ኸዓ ኣይተቐደደን።

ኢየሱስ ድማ “ንዑ ቑርሲ ብልዑ” በሎም። ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓደ እኳ፥ ጐይታ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮምሞ፥ “ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሉ ክሓቶ ዝደፈረ ኣይነበረን።

ኢየሱስ ድማ መፂኡ ነቲ እንጀራ ወሲዱ ሃቦም፤ ነቲ ዓሳውን ከምኡ። እዙይ ድማ ኢየሱስ ካብ ምዉታት ተሲኡ፥ ንደቀ መዛሙርቱ ዝተገለፀሎም ሳልሳይ ጊዜ ነበረ።

ቑርሲ ምስ በልዑ ኸዓ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካ ብምሉእ ልብኻዶ ተፍቅረኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፥ ከም ፈታዊ ኸም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ንዕያውተይ ኣብልዕ” በሎ።

ካልኣይ ጊዜ ድማ ኢየሱስ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፥ ብምሉእ ልብኻዶ ተፍቅረኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፥ ከም ፈታዊ ኸም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ንኣባጊዐይ ሓሉ” በሎ።

ሳልሳይ ጊዜ ድማ ኢየሱስ “ስምኦን ወዲ ዮሃንስ፥ ከም ፈታዊዶ ተፍቅረኒ ኢኻ?” በሎ። ጴጥሮስ ከዓ፥ ኢየሱስ ሳልሳይ ጊዜ “ከም ፈታዊዶ ተፍቅረኒ ኢኻ?” ስለ ዝበሎ ጐሃየ፤ “ጐይታ፥ ንስኻ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ፤ ከም ፈታዊ ኸም ዘፍቅረካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ ድማ መለሰሉ። ኢየሱስ ድማ “ንኣባጊዐይ ኣብልዕ” በሎ።

“ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፥ ንስኻ መንእሰይ እንተለኻ ባዕልኻ ትኽደን ናብ ዝደለኻዮ ኸዓ ትኸይድ ኔርካ፤ ምስ ኣረግካ ግና ኣእዳውካ ክትዝርግሕ ኢኻ፥ ካልእ ድማ ኸዲኑካ ናብ ዘይትደልዮ ክወስደካ እዩ።” ኢየሱስ ድማ እዙይ ዝበለ፥ ጴጥሮስ በየናይ ዓይነት ሞት ንኣቦና ኸም ዘኽብሮ ንምሕባር ነበረ። ሽዑ ድማ “ተኸተለኒ” በሎ።

ጴጥሮስ ድማ ግልፅ ኢሉ፥ ነቲ ኢየሱስ ዘፍቀሮ ደቀ መዝሙር እናሰዓበ ረአዮ፤ ንሱ እቲ ኣብ ድራር ናብ ኢየሱስ ተፃጊዑ “ጐይታ፥ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ?” ዝበለ እዩ። ጴጥሮስ ድማ ንእኡ ምስ ረአዮ፥ ንኢየሱስ “ጐይታ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይኸ እንታይ ክኸውን እዩ?” በሎ።

ኢየሱስ ድማ “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኽዎ፥ እዙይ ንኣኻ እንታይ ይገድሰካ? ንስኻ ተኸተለኒ” በሎ። ስለዙይ እዝ ደቀ መዝሙር እዙይ ከም ዘይመውት ዝብል ቃል፥ ኣብ ማእኸል ኣሕዋት ተዘርግሐ። ኢየሱስ ግና ከም ዘይመውት ኣይበሎን፤ “ክሳዕ ዝመፅእ ክፀንሕ እንተ ደለኽዎ፥ እዙይ ንኣኻ እንታይ ይገድሰካ?” ደኣ በሎ እምበር።

እዝ በዝ ነገራት እዙይ ዝምስክር፥ ነዙይውን ዝፀሓፎ ደቀ መዝሙር እዙይ እዩ፤ ምስክርነቱ ሓቂ ምዃኑ ኸዓ ንፈልጥ ኢና። ኢየሱስ ድማ ካልእ ብዙሕ ነገር ገበረ። ነፍሲ ወከፍ ሓደ ብሓደ እንተ ዝፅሓፍ፥ እቲ ዝፅሓፍ መፃሕፍቲ ዓለም ባዕላ ኽትሕዞ ዝኽእል ኣይመስለንን። a a v25 ኢየሱስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝገበረ ዘርኢ፥ ብፍላጥ ዝተዛረበ ምሳሌኣዊ ኣዘራርባ እዩ፤ ቃል ብቓሉ ዝልካዕ ኣይኮነን።