መፋነዊ ቃል ሙሴ
ኣብ ሚእትን ዕስራን ዓመቱ ሙሴ ነቲ ዕዮ የረክብ፦ ኣቦና ባዕሉ ኣብ ቅድሚኦም ይኸይድ፥ ፈፂሙ ድማ ኣይሓድጎምን፥ ኢያሱ ኸዓ ክመርሕ እዩ። እቲ ሕጊ ተፅሒፉ፥ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ሻብዐይቲ ዓመት ንዅሉ ሰብ ምስ ቆልዑ ዓው ኢሉ ኽንበብ ኣለዎ። መዝሙር ድማ ይምሃር፥ ክግልቡ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝፈልጥ።
31 1ሙሴ ድማ ከይዱ፥ እዘን ቃላት እዚኣተን ንዅሉ እስራኤል ተዛረበ። 2ንሱ ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ሎሚ ኣነ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ፤ ድሕሪ ደጊም ክወፅእን ክኣቱን ኣይክእልን እየ፤ ኣቦና ከዓ፦ ‘ነዝ ፈለግ ዮርዳኖስ እዙይ ኣይትሳገሮን ኢኻ’ ኢሉኒ እዩ። 3ኣቦኻትኩም ባዕሉ ኣብ ቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ክትሰጉጉዎም ኢኹም። ኢያሱ ኸዓ ከምቲ ኣቦና ዝበሎ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክሳገር እዩ። 4ኣቦና ድማ ከምቲ ንሲሆንን ንዖግን፥ ነገስታት ኣሞራውያንን ንምድሮምን ምስ ኣጥፍኦም ዝገበሮ፥ ከምኡ ክገብሮም እዩ። 5ኣቦና ድማ ናባኻትኩም ክህቦም እዩ፤ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ዅሉ ድማ ብልክዕ ክትገብርዎ ኢኹም። 6ፅንዑ፤ ትባዕ፤ ኣቦኻትኩም ምሳኻትኩም ይኸይድ ኣሎ እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም፤ ኣይትደንግፁሎምን። ንሱ ፈፂሙ ኣይሓድገኩምን፤ ኣይጥንጥነኩምን እዩ።”
7ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ ኣቦና ንኣቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ክትኣቱ ኢኻ፤ ንስኻ ድማ ከተውርሶም ኢኻ። 8ኣቦና ባዕሉ ኣብ ቅድሜኻ ይኸይድ ኣሎ፤ ንሱ ምሳኻ ክኸውን እዩ። ፈፂሙ ኣይሓድገካን፤ ኣይጥንጥነካን እዩ። ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ።”
እቲ ንእስራኤል ዝተዋህበ ሕጊ
9ሙሴ ድማ ነዝ ሕጊ እዙይ ፅሒፉ፥ ነቶም ታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፅውሩ ካህናት፥ ደቂ ሌዊ፥ ከምኡውን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ሃቦም። 10ሙሴ ድማ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት፥ ኣብቲ እተመደበ ጊዜ ዓመት ምሕረት፥ በቲ በዓል ዳስ፥ a a v10 በዓል ዳስ፦ ኣብ ቀውዒ ሸውዓተ መዓልቲ ዝኽበር በዓል ምህርቲ ኾይኑ፥ ስድራ ቤታት ጕዕዞ እስራኤል ኣብ በረኻ ንምዝካር ግዝያዊ ዳሳት ሰሪሖም ዝነብሩሉ እዩ። 11ኵሉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ኣቦኻትኩም፥ ኣብታ ንሱ ዝሓረያ ቦታ ኽቐርብ እንተሎ፥ ነዝ ሕጊ እዙይ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ዓው ኢልኩም ኣንብብዎ። 12ነቶም ህዝቢ፥ ሰብኡትን ኣንስትን ቆልዑን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ጓናን ኣክብዎም፤ ክሰምዑን ክመሃሩን ንኣቦኻትኩም ድማ ክፈርሑን፥ ኵሉ ቃላት እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ክሕልዉን ክገብሩን። 13ደቆም ድማ፥ እቶም ነዝ ሕጊ እዙይ ዘይፈለጡ፥ ኵሉ እቲ ኣብታ ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ እትነብሩሉ ዘመን፥ ክሰምዕዎን ንኣቦኻትኩም ክፈርሑ ድማ ክመሃሩን እዮም።”
ኣቦና ንኢያሱ ኣዘዞ
14ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ሞትካ ቐሪባ ኣላ። ንኢያሱ ፀዊዕኻ ናብ መራኸቢ ድንኳን ቅረቡ፤ ኣነ ኸዓ ክእዝዞ እየ።” ሽዑ ሙሴን ኢያሱን ከይዶም ኣብ መራኸቢ ድንኳን ቀረቡ።
15ኣቦና ድማ ኣብቲ ድንኳን ብዓምዲ ደበና ተገልፀ፤ እቲ ዓምዲ ደበና ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ደው በለ። 16ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “ንስኻ ምስ ኣቦታትካ ክትድቅስ ኢኻ። እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ተሲኡ፥ ናብታ ዝኣትዋ ዘለዉ ምድሪ ደድሕሪ ባዕዳውያን ኣማልኽቲ እታ ምድሪ ክምንዝር እዩ፤ ንኣይ ሓዲጉ ድማ ነቲ ምሳታቶም ዝኣተኽዎ ኪዳን ክጥሕስ እዩ። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነድድ እዩ፤ ክሓድጎም፥ ገፀይ ድማ ካባታቶም ክኽውል እየ፥ ንሳቶም ከዓ ክውሐጡ እዮም። ብዙሕ መከራን ጭንቀትን ድማ ክመፆም እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፦ ‘ኣምላኽና ምሳና ስለ ዘየለ ደይኮነን እዝ መከራ እዙይ ዝረኸበና?’ ክብሉ እዮም። 18ኣነ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ስለ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምግልባጦም ዝገበርዎ ዅሉ ክፍኣት፥ ገፀይ ብርግፅ ክኽውል እየ።
19ሕዚ ኸዓ ነዝ መዝሙር እዙይ ንነብስኹም ፀሓፍዎ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ መሃርዎ፤ ኣብ ኣፎም ከዓ ኣንብርዎ፤ እዝ መዝሙር እዙይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ምስክር ምእንቲ ክኾነኒ። 20ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእተኹዎም፥ ክበልዑ፥ ክፀግቡን ክሰብሑን፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ግልፅ ኢሎም ከገልግልዎም፥ ንኣይ ክንዕቑ፥ ኪዳነይ ድማ ክጥሕሱ እዮም። 21ብዙሕ መከራን ጭንቀትን ምስ ረኸቦም፥ እዝ መዝሙር እዙይ ከም ምስክር ኣብ ቅድሚኦም ክምስክር እዩ፤ ካብ ኣፍ ዘርኦም ኣይርሳዕን እዩ እሞ። ናብታ ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከየእተኽዎም ከለኹ፥ ሎሚ ዝሓስብዎ ዘለዉ እፈልጥ እየ እሞ።”
22ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነዝ መዝሙር እዙይ ፀሓፎ፤ ንደቂ እስራኤል ከዓ መሃሮ።
23ኣቦና ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ንስኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ክተእትዎም ኢኻ እሞ፥ ኣነ ድማ ምሳኻ ክኸውን እየ።”
24ሙሴ ድማ ቃላት እዝ ሕጊ እዙይ ካብ መጀመርታኡ ክሳዕ መወዳእታኡ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፉ ምስ ወድአ፥ 25ነቶም ታቦት ኪዳን ኣቦና ዝፅውሩ ሌዋውያን ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ 26“ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ውሰዱ፥ ኣብ ጎኒ ታቦት ኪዳን ኣቦኻትኩም ድማ ኣንብርዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር ኮይኑ ይፅናሕ። 27ኣነ ዓመፅኩም ድርቅናኹምን እፈልጥ እየ እሞ። ሕዚ ኣነ ምሳኻትኩም ብህይወት ከለኹ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ዓሚፅኩም ኣለኹም፤ ድሕሪ ሞተይ ደኣ ኽንደይ ኮን ክገድድ! 28ኵሎም ዓበይቲ ነገድኩምን ኣሕሉቕኩምን ናባይ ኣክቡ፤ እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ እዝኖም ክዛረብ፥ ንሰማይን ንምድርን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ምስክር ክኾኑ ክፅውዕ ምእንቲ። 29ድሕሪ ሞተይ ፈፂምኩም ከም እትበላሸዉ፥ ካብቲ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ከም እትግለሱ እፈልጥ እየ እሞ። ኣብ ዳሕረዋይ መዓልቲታት ድማ መከራ ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ክትገብሩ፥ ብግብሪ ኣእዳውኩም ድማ ከተቘጥዕዎ ኢኹም እሞ።”
30ሙሴ ድማ ቃላት እዝ መዝሙር እዙይ፥ ካብ መጀመርታኡ ክሳዕ መወዳእታኡ፥ ንዅሉ ማሕበር እስራኤል ኣብ እዝኖም ተዛረቦ።