ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ፌስጦስ ተኸሰሰ
ሓድሽ ሹም ነቲ ጉዳይ ወረሶ፥ እቲ ናይ ቀደም ውዲት ደጀን ድማ ተመለሰ። ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝልኣኽ ይሓይሽ ኢሉ፥ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባእ በለ፥ ፌስጦስ ድማ ፈቐደሉ። ፌስጦስ ብምስጢር፥ እቲ ክርክር ብዛዕባ ኢየሱስ ዝበሃል ዝሞተ ሰብኣይ፥ ጳውሎስ ግና ህያው ከም ዝኾነ ዘረጋግፀሉ ምዃኑ፥ ኣመነ።
25 1ፌስጦስ ድማ ናብታ ሃገር ምስ መፀ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 2ኣብኡ ሊቃነ ካህናትን መራሕቲ ኣይሁድን ንጳውሎስ ከሲሶም ኣቕረብዎ፥ ለሚኖም ከዓ፥ 3ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ክፅውዖ፥ ኣብ ልዕሊኡ ፀጋ ለመንዎ፤ ኣብ መንገዲ ኽቐትልዎ ድማ ደጀን ኣንበሩሉ ነበሩ። 4ፌስጦስ ከዓ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ተታሒዙ ኸም ዘሎ፥ ባዕሉውን ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ከም ዝኸይድ መለሰ። 5ንሱ ድማ፥ “እምበኣር፥ ካባኻትኩም ዝኽእሉ ምሳይ ይውረዱ እሞ፥ ኣብቲ ሰብኣይ ገለ ኽፉእ እንተ ኣልዩ፥ ይኸስዎ” በለ።
6ፌስጦስ ከዓ ኣብ መንጎኦም ካብ ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ዘይበዝሐ ተቐሚጡ፥ ሽዑ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ። 7ጳውሎስ ምስ መፀ ድማ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ኣይሁድ ከበብዎ፤ ከረጋግፅዎ ዘይኽእሉ ብዙሕ ከቢድ ክስታት ኣቕረቡሉ። 8ጳውሎስ ከዓ ነፍሱ እናተኸላኸለ፥ “ኣነ ኣብ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ ኣብ ቤተ መቕደስ ኮነ ኣብ ቄሳር ገለ ኣይበደልኩን” ኢሉ መለሰ።
9ፌስጦስ ግና ንኣይሁድ ባህ ከብሎም ስለ ዝደለየ፥ ንጳውሎስ፥ “ናብ ኢየሩሳሌም ደይብካ ኣብኡ ብዛዕባ እዝ ክሲ እዙይ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
10ጳውሎስ ከዓ፥ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ደው ኢለ ኣለኹ፤ ኣብኡ ድማ ክፍረድ ይግብአኒ። ንስኻ ባዕልኻ ኣፀቢቕካ ኸም እትፈልጥ፥ ንኣይሁድ ገለ ኣይበደልኩን። 11ኣነ በዲለ እንተ ዄነ፥ ሞት ዝግብኦ ነገር ገይረ እንተ ዄነ፥ ካብ ሞት ኣይምሕንቅቕን እየ፤ እዞም ሰባት ዝኸስኹኒ ዘለዉ ክሲ ግና ከንቱ እንተ ኾይኑ፥ ንሳቶም ኣሕሊፉ ዝህበኒ ሓደ እኳ የለን። ናብ ቄሳር ይግባእ እብል ኣለኹ” በለ።
12ፌስጦስ ከዓ ምስ ባይቶኡ ተማኺሩ፥ “ናብ ቄሳር ይግባእ ኢልካ ኣለኻ፤ ናብ ቄሳር ድማ ክትከይድ ኢኻ” ኢሉ መለሰ።
13ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ናብ ቂሳርያ መፂኦም ንፌስጦስ ሰላም በልዎ። 14ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሑ ድማ፥ ፌስጦስ ነገር ጳውሎስ ነቲ ንጉስ ከምዙይ ኢሉ ኣቕረበሉ፦ “ፊሊክስ ሓደ ሰብኣይ ኣብዙይ ተኣሲሩ ሓዲጉዎ ኣሎ። 15ኣብ ኢየሩሳሌም እንተለኹ፥ ሊቃነ ካህናትን ዓበይቲ ኣይሁድን ከሲሶም፥ ክፍረደሎም ለመኑኒ። 16ኣነ ኸዓ፥ እቲ ተኸሳሲ ነቶም ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ከይረኣየን ነቲ ክሲ ንምምካት ዕድል ከይረኸበን፥ ዝኾነ ሰብ ኣሕሊፍካ ምሃብ ልማድ ሮማውያን ኣይኮነን፥ ኢለ መለስኩሎም። 17ስለዙይ ኣብዙይ ምስ ተኣከቡ፥ ገለ እኳ ኣይደንጐኹን፤ ንፅባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ ነቲ ሰብኣይ ከምፅእዎ ኣዘዝኩ። 18እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ድማ፥ ካብቲ ኣነ ዝተፀበኽዎ ገበናዊ ክሲ ሓደ እኳ ኣየምፅኡን። 19ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ሃይማኖቶምን ኢየሱስ ዝበሃል ዝሞተ ሰብኣይ፥ ጳውሎስ ከዓ ህያው እዩ ኢሉ ዝምጕተሉን፥ ገለ ፍልልይ ነበሮም። 20ነዙይ ከመይ ገይረ ኸም ዝምርምሮ ስለ ዝተፀገምኩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይዱ ብዛዕባ እዝ ክሲ እዙይ ኣብኡ ኽፍረድ ፍቓደኛዶ እዩ ኢለ ጠየቕዎ። 21ጳውሎስ ግና ንፍርዲ እቲ ንጉሰ ነገስት ተታሒዙ ክፅበ ይግባእ ኢሉ ስለ ዝለመነ፥ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኽሕሎ ኣዘዝኩ” በለ።
22ኣግሪጳ ድማ ንፌስጦስ፥ “ኣነ ባዕለይ ነቲ ሰብኣይ ክሰምዖ ምደለኹ” በሎ። ፌስጦስ ከዓ፥ “ፅባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ።
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳን በርኒቄን ደው በለ
23ንፅባሒቱ ኸዓ ኣግሪጳን በርኒቄን ብዓብዪ ግርማ መፁ፤ ምስ ሓለቑ ሰራዊትን ፍሉጣት ሰብ እታ ኸተማን ናብቲ ኣዳራሽ ኣተዉ። ፌስጦስ ምስ ኣዘዘ ድማ ንጳውሎስ ኣእተውዎ። 24ፌስጦስ ከዓ፥ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፥ ምሳና ኣብዙይ ዘለኹም ኵላትኩምውን፥ ነዝ ሰብ እዙይ ትርእይዎ ኣለኹም። ኵሉ ማሕበር ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብዙይን፥ ‘ድሕሪ ደጊም ክነብር ኣይግብኦን’ እናበሉ እናፀወዑ ብዛዕባኡ ለመኑኒ። 25ኣነ ግና ሞት ዝግብኦ ነገር ከም ዘይገበረ ስለ ዝረኸብኩ፥ ንሱ ባዕሉ ድማ ናብ ንጉሰ ነገስት ይግባእ ስለ ዝበለ፥ ክሰዶ ወሰንኩ። 26ብዛዕባኡ ንጐይታይ ዝፅሕፎ ርጉፅ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ድሕሪ እዝ ምርመራ እዙይ ዝፅሕፎ ገለ ምእንቲ ኽረክብ፥ ናብ ቅድሜኹም፥ ኣውራ ኸዓ ናብ ቅድሜኻ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፥ ኣቕረብክዎ። 27እቲ ኣብ ልዕሊ እሱር ዘሎ ክሲ ኸይጠቐስካ ምስዳድ ዘይበቅዕ ኮይኑ ይርኣየኒ ኣሎ እሞ” በለ።