ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ ደው በለ
ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክዛረብ ተፈቒዱሉ፥ ጳውሎስ ነቲ ናይ ደማስቆ መንገዲ ደጊሙ ነገረ፦ እቲ ብርሃን፥ እቲ ድምፂ፥ ኣዒንቲ ንምኽፋት ዝተዋህቦ ተልእኾ። ፌስጦስ ፍልጠት ዕቡድ ገይሩዎ ኢሉ ጨደረ። ኣግሪጳ ድማ ጳውሎስ ብኸምዙይ ቀልጢፉ ክርስትያን ክገብሮ ይፅበ እንተ ኾይኑ ሓተተ፥ ደሓር ከዓ ነፃ ክወፅእ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣመነ።
26 1ኣግሪጳ ድማ ንጳውሎስ፦ “ባዕልኻ ኽትዛረብ ይፍቀደልካ እዩ” በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ክማጐት ጀመረ።
2ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፥ ሎሚ በቲ ኣይሁድ ዝኸሱኒ ዘለዉ ዅሉ ክሲ፥ ኣብ ቅድሜኻ ባዕለይ ክማጐት ዕድለኛ ከም ዝኾንኩ እቘፅር ኣለኹ፤ 3ኣውራ ኸዓ ንስኻ ኵሉ ልማድን ክርክርን ኣይሁድ ኣፀቢቕካ ስለ እትፈልጥ፥ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣለኹ።
4ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእኸል ህዝበይን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነበርክዎ ናብራይ፥ ኵሎም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5ካብ ቀደም ይፈልጡኒ እዮም፤ ክምስክሩ እንተ ደልዮም ድማ፥ ከምቲ ኣዝዩ ጥብቂ ዝኾነ ወገን ሃይማኖትና፥ ፈሪሳዊ ኮይነ ኸም ዝነበርኩ ይፈልጡ እዮም። 6ሕዚ ድማ፥ በቲ ኣቦና ንኣቦታትና ዝኣተዎ ተስፋ ብምትስፋወይ፥ ንፍርዲ ደው ኢለ ኣለኹ። 7ዓሰርተ ኽልተ ነገዳትና ነዝ ተስፋ እዙይ ንምብፃሕ እናተስፈዉ፥ ለይትን መዓልትን ተጊሆም የገልግልዎ ኣለዉ። ኦ ንጉስ፥ ስለ እዝ ተስፋ እዙይ ድማ፥ ብኣይሁድ እኽሰስ ኣለኹ። 8ኣቦና ንምዉታት ዘተስኦም ምዃኑ፥ ስለ ምንታይ ኣባኻትኩም ዘይእመን ኮይኑ ይፍረድ?
9ኣነ ባዕለይ ኣንፃር ስም ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ብዙሕ ነገር ክገብር ከም ዝግብኣኒ እሓስብ ነበርኩ። 10ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ከምኡ ገበርኩ፤ ካብ ሊቃውንቲ ካህናት ስልጣን ተቐቢለ፥ ካብ ቅዱሳን ብዙሓት ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀኽዎም፤ ክቕተሉ እንተለዉ ኸዓ ኣንፃሮም ድምፀይ ሃብኩ። 11ኣብ ኵሉ ቤተ ፀሎት ኣዘውቲረ እቐፅዖም ነበርኩ፤ ኣንፃር እግዚኣብሄር ክዛረቡ ኸገድዶም እፍትን ነበርኩ፤ የመና ተቖጢዐሎም ድማ ክሳዕ ናይ ባዕዲ ኸተማታት ኣሳጐጕክዎም።
12ከምዙይ እናገበርኩ ኸዓ፥ ካብ ሊቃውንቲ ካህናት ስልጣንን ፍቓድን ተቐቢለ ናብ ደማስቆ ኸድኩ። 13ኦ ንጉስ፥ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መንገዲ፥ ካብ ፀሓይ ዝያዳ ዝበርሃ ብርሃን ካብ ሰማይ፥ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን ሃልሃል እንተ ዝብል ረአኹ።
14ኵላትና ኸዓ ናብ ምድሪ ወደቕና፤ ብቛንቋ እብራይስጢ ኸዓ፦ ‘ሳኦል፥ ሳኦል፥ ስለ ምንታይ ትሳጕጐኒ ኣለኻ? ኣንፃር መውግኢ ኽትረግፅ ንኣኻ ኸቢድ እዩ’ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ። a a v14 ‘ኣንፃር መውግኢ ምርጋፅ’ ንዓንዳሪ ብዕራይ፥ ነቲ ናይ ሓረስታይ መውግኢ ዝቃወም፥ ዝገልፅ ልሙድ ምስላ እዩ ነይሩ፤ ምቅዋም ንባዕልኻ ጥራሕ እዩ ዘቚስለካ።
15ኣነ ኸዓ፦ ‘ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መን ኢኻ?’ በልኩ። ጐይታ ድማ፦ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እትሳጕጐ ዘለኻ ኢየሱስ እየ’ በለ።
16ግናኸ ተንስእ፥ ብእግርኻ ደው በል፤ ኣገልጋልን ምስክርን ክሾመካ፥ ነቲ ብዛዕባይ ዝረአኽዮን ነቲ ገና ዝግለፀልካን ክትምስክር፥ ነዝ ምኽንያት እዙይ ተራአኽዎ። 17ካብ ህዝብኻን ካብ ኣህዛብን እናኣድሓንኩኻ፥ ናባታቶም እሰደካ ኣለኹ። 18ኣዒንቶም ክትከፍት፥ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፥ ካብ ስልጣን ሰይጣን ድማ ናብ ኣቦና ምእንቲ ኽምለሱ፥ ብእምነት ብኣይ ድማ ሕድገት ሓጢኣትን ኣብ ማእኸል እቶም ዝተቐደሱ ርስትን ምእንቲ ኽቕበሉን።’
19ስለዙይ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፥ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ዘይእዙዝ ኣይኮንኩን፤ 20እኳ ደኣ ቅድም ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ፥ ድሕሪኡ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ንኣህዛብውን፥ ንስሃ ኽኣትዉን ናብ ኣቦና ኽምለሱን፥ ንንስሃኦም ዝበቅዕ ግብሪ ኽገብሩ ነገርኩ። 21ስለ እዝ ነገር እዙይ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሐዙኒ፥ ክቐትሉኒውን ፈተኑ። 22ካብ ኣቦና ሓገዝ ስለ ዝረኸብኩ፥ ክሳዕ ሎሚ ንንእሽተይን ንዓብይን እናመስከርኩ ደው ኢለ ኣለኹ፤ ካብቲ ነቢያትን ሙሴን ክኸውን እዩ ኢሎም ዝተነበይዎ ወፃኢ ድማ ገለ እኳ ኣይብልን፤ 23ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ካብ ምዉታት ድማ ቀዳማይ ኮይኑ ተሲኡ፥ ንህዝብናን ንኣህዛብን ብርሃን ከም ዝሰብኽ።
24ጳውሎስ ከምዙይ ኢሉ ክማጐት እንተሎ፥ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፦ “ጳውሎስ፥ ዐቢድካ ኢኻ! እቲ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ዕብዳን የብፅሐካ ኣሎ” በለ።
25ጳውሎስ ግና፦ “ኦ ክቡር ፌስጦስ፥ ኣነ ኣይዐበድኩን፤ ቃል ሓቅን ቅኑዕ ፍርድን ደኣ እዛረብ ኣለኹ እምበር። 26ንጉስ ነዝ ነገራት እዙይ ይፈልጦ እዩ፤ ብግህዶ ድማ እዛረቦ ኣለኹ። እዝ ነገር እዙይ ኣብ ኩርናዕ ዝተገብረ ኣይኮነን እሞ፥ ካብኡ ገለ እኳ ኸም ዘይተኸወሎ ርግፀኛ እየ። 27ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፥ ንነቢያትዶ ትኣምን ኢኻ? ከም እትኣምን ድማ እፈልጥ እየ” በለ።
28ኣግሪጳ ድማ፦ “ብኸምዙይ ቀልጢፍካ ክርስትያን ክኸውን ክተረድኣኒ ትደሊ ዲኻ?” በለ።
29ጳውሎስ ከዓ፦ “ብሓፂር ኮነ ብነዊሕ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኴንካ፥ እቶም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉ ዅሎም ከዓ ከምቲ ኣነ ዘለኽዎ ክኾኑ፥ ብዘይ እዝ መቝሕ እዙይ ፥ ናብ ኣቦና እፅሊ ኣለኹ” በለ።
30ሽዑ ንጉስን ሹምን በርኒቄን እቶም ምሳቶም ተቐሚጦም ዝነበሩን ተንስኡ።
31ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፦ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ሞት ኮነ ማእሰርቲ ኣይግብኦን እዩ” ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛረቡ።
32ኣግሪጳ ድማ ንፌስጦስ፦ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ቄሳር ይግባይ እንተ ዘይብል ነይሩ፥ ክፍታሕ ምተኽኣለ ነይሩ” በሎ።