ኣብ ቅድሚ ፊሊክስ ተኸሰ
ዝተቖፀረ ጠበቓ ንጳውሎስ መዓትን ሓለቓ ዓመፅን ኢሉ ፀውዖ። ጳውሎስ ከዓ ሓደ እኳ ገለ ኸረጋግፅ ከም ዘይኽእል፥ ብሓቂ ድማ ብዛዕባ ትንሳኤ ይፍረድ ከም ዘሎ መለሰ። ፊሊክስ ኣደናጎየ፥ እቲ ዘረባ ናብ ፍርዲ ምስ ተቐየረ ፈርሐ፥ ጉቦ እናተፀበየ ድማ ክልተ ዓመት ሓዞ።
24 1ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ ሊቀ ካህናት ሃናንያ ምስ ገለ ዓበይትን ጠርጡሎስ ዝበሃል ጠበቓን ወሪዱ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ንጳውሎስ ከሰስዎ። 2ጳውሎስ ምስ ተፀውዐ ድማ ጠርጡሎስ ክሲኡ ከምዙይ ኢሉ ጀመረ፦ “ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ በቲ ኣርሒቕካ ምሕሳብ ድማ ኣብዚ ህዝቢ እዙይ ምምሕያሽ መፂኡ ኣሎ፥ 3ኦ ክቡር ፊሊክስ፥ ነዙይ ብዅሉ መገድን ኣብ ኵሉ ቦታን ብዅሉ ምስጋና ንቕበሎ ኢና። 4ብዙሕ ከየደንጕየካ ግና፥ ብሒደት ቃላት ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣለኹ። 5ነዝ ሰብኣይ እዙይ መዓት ኮይኑ ረኺብናዮ፤ ኣብ ኵሉ ዓለም ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣይሁድ ሁከት ዘለዓዕል፥ ናይ ናዝራውያን ወገንውን ሓለቓ እዩ። 6ነቲ ቤተ መቕደስ እኳ ኸረክሶ ደለየ፤ ስለዙይ ሓዝናዮ። a a v6 እቶም ዝጠንተዩ ቅዱሳት ፅሑፋት ኣብዙይ ፍቕዲ 7 የብሎምን፤ ዳሕረዎት ቅዳሓት ግና ከምዙይ ይውስኹ፦ “እቲ ሓለቓ ሉስዮስ ግና መፂኡ ብብርቱዕ ሓይሊ ኻብ ኣእዳውና ወሰዶ፥” 8ባዕልኻ ምስ መርመርካዮ፥ በዝ ንኸሶ ዘለና ዅሉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።”
9ኣይሁድ ድማ ኣብቲ ክሲ ተሓዊሶም፥ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ ምዃኑ ኣፅንዑ።
10እቲ ሹም ድማ ክዛረብ ብኢዱ ኣመልከተሉ። ጳውሎስ ከዓ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ንስኻ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ዓመት ከም ዝፈረድካዮ ስለ ዝፈልጥ፥ ብሓጐስ ርእሰይ እከላኸል። 11ኣብ ኢየሩሳሌም ክሰግድ ካብ ዝደየብኩ፥ ካብ ዓሰርተ ክልተ መዓልቲ ንላዕሊ ኸም ዘይኮነ፥ ባዕልኻ ኸተረጋግፆ ትኽእል ኢኻ። 12ኣብ ቤተ መቕደስ ኮነ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ኮነ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ፥ ምስ ዝኾነ ሰብ ክካትዕ ወይ ህዝቢ ከዐውግ ኣይረኸቡን። 13ነቲ ሕዚ ዝኸሱኒ ዘለዉ ክሲ ኸዓ ኸረጋግፁልካ ኣይኽእሉን። 14ነዙይ ግና ኣብ ቅድሜኻ እእመን፤ በቲ ‘ወገን’ ኢሎም ዝብልዎ መንገዲ ሰዓቢ ኮይነ፥ ነቲ ኣምላኽ ኣቦታትና አምልኽ ኣለኹ፤ በቲ ኣብ ሕግን ኣብ ነብያትን ተፅሒፉ ዘሎ ዅሉ ኸዓ እኣምን ኣለኹ። 15ከምቲ እዚኣቶም ሰባትውን ዝተስፈውዎ፥ ፃድቃን ኮነ ዓመፀኛታት ማዕረ ኸም ዝትንስኡ፥ ኣብ ኣቦና ተስፋ ኣለኒ። 16ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ኣቦናን ኣብ ቅድሚ ሰብን ንፁህ ሕሊናይ ምእንቲ ኽህልወኒ፥ ኵልሻዕ እጽዕር ኣለኹ። 17ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ድማ፥ ንድኻታት ህዝበይ ምፅዋትን መባእን ከምፅእ መፃእኹ። 18ኣብዙይ እንተለኹ ድማ፥ ብዘይ ህዝብን ብዘይ ሁከትን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ነፂሀ ኸለኹ ረኸቡኒ። 19ኣባይ ዝኾነ ነገር እንተ ኣልይዎም፥ ገለ ኻብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኮይኖም ኽኸሱኒ ምተገብኦም። 20ወይ እዚኣቶም ሰባት ባዕልቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ደው ኢለ እንተለኹ እንታይ ዓመፅ ከም ዝረኸቡለይ ይንገሩ፤ 21ኣብ ማእኸሎም ደው ኢለ ዓው ኢለ ዝበልክዎ እዝ ሓደ ነገር ጥራሕ ደኣ እምበር፤ ‘ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን እየ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻትኩም ዝፍረድ ዘለኹ።’”
22ፊሊክስ ከዓ ነቲ መንገዲ ኣፀቢቑ ይፈልጦ ነበረ እሞ፥ “እቲ ሓለቓ ሉስዮስ ምስ መፀ፥ ነገርኩም ክውስን እየ” ኢሉ ነቲ ፍርዲ ኣናውሖ። 23ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ግና ቑሩብ ነፃነት ክህቦ፥ ካብ ኣዕርኽቱ ዝኾነ ናብኡ መፂኡ ኸገልግል ከይከልክል ኣዘዞ።
24ድሕሪ ገለ መዓልቲታት ድማ ፊሊክስ ምስ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድሩሲላ መፀ፤ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀዊዑ ኸዓ፥ ብዛዕባ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝግበር እምነት ሰምዖ። 25ጳውሎስ ብዛዕባ ፅድቅን ርእሱ ምቍፅፃርን እቲ ዝመፅእ ፍርድን እናተዛረበ እንተሎ፥ ፊሊክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ እኹል እዩ፤ ኺድ፤ ጊዜ ምስ ረኸብኩ ኽፅውዓካ እየ” በለ። 26ጳውሎስ ገንዘብ ክህቦ ድማ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ስለዙይ ብዙሕ ጊዜ ልኢኹ እናፀወዖ ምስኡ ይዛረብ ነበረ።
27ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ፥ ጶርክዮስ ፌስጦስ ኣብ ቦታ ፊሊክስ ተተኽአ። ፊሊክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሐጕስ ስለ ዝደለየ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገደፎ።