ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ መጋባእያ
ኣብ ፍርዱ ተፀፊዑ፥ ጳውሎስ ንትንሳኤ ሙታን ብምጥቃስ ነቲ መጋባእያ መቓቐሎ፥ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ድማ ንሓድሕዶም ተኻትዑ። በታ ለይቲ እቲኣ፥ ኢየሱስ ኣብ ሮሜ ከም ዝምስክር ነገሮ። ኣርብዓ ሰባት ክቐትልዎ መሓሉ፤ መንእሰይ ወዲ ሓብቱ ሰምዖ፥ ወታደራት ድማ ብፀልማት ኣውፅእዎ።
23 1ጳውሎስ ነቲ መጋባእያ ኣትኲሩ ጠሚቱ ከምዙይ በለ፦ “ኣቱም ኣሕዋት፥ ክሳዕ ሎሚ ብኹሉ ፅቡቕ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣቦና ነቢረ እየ።”
2ሊቀ ካህናት ሃናንያ ከዓ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ንጳውሎስ ኣብ ኣፉ ኽሃርምዎ ኣዘዞም።
3ጳውሎስ ድማ “ኣታ ዝተለበጠ መንደቕ! ኣቦና ክሃርመካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ እናለኻ፥ ሕጊ ጥሒስካ ኽሃርሙኒ ትእዝዝ ዲኻ?” በሎ።
4እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ድማ “ንሊቀ ካህናት ኣቦና ክትፀርፍ ትደፍር ዲኻ?” በልዎ።
5ጳውሎስ ከዓ “ኣቱም ኣሕዋት፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ነይረ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኽፉእ ኣይትዛረብ’ ኢሉ ተፅሒፉ ኣሎ እዩ እሞ” በለ።
6ጳውሎስ ከዓ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦም ድማ ፈሪሳውያን ምዃኖም ፈሊጡ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋት፥ ኣነ ፈሪሳዊ፥ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ሙታንን እየ ዝፍረድ ዘለኹ!” ኢሉ ጨደረ።
7እዙይ ምስ በለ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክርክር ተልዓለ፤ እቲ ጉባኤ ኸዓ ተመቓቐለ። 8ሰዱቃውያን ትንሳኤ የለን፥ መልኣኽ ኮነ መንፈስ የለን ይብሉ እዮም እሞ፤ ፈሪሳውያን ግና ነዙይ ኵሉ ይኣምኑ እዮም። 9ዓብዪ ወኻዕታ ድማ ተልዓለ። ገሊኦም መምህራን ሕጊ ኻብ ወገን ፈሪሳውያን ተሲኦም ኣበርቲዖም “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይንረክብን። መንፈስ ወይ መልኣኽ እንተ ተዛሪብዎኸ?” ኢሎም ተኻትዑ። 10እቲ ክርክር እናበርትዐ ምስ ከደ፥ እቲ ሓለቓ ጳውሎስ ብኣኣቶም ከይቕዳደድ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት ወሪዶም ካብ ማእኸሎም መንዚዖም ናብ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ኣዘዞም።
11ንፅባሒቱ ለይቲ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ “ኣጆኻ! ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካ፥ ከምኡ ኣብ ሮሜ ኸዓ ክትምስክር ይግብኣካ እዩ” በሎ።
ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ዝተኣልመ ውዲት
12ምስ ወግሐ ድማ ኣይሁድ ተመሳጢሮም፥ ንጳውሎስ ክሳዕ ዝቐትልዎ እንተይበልዑን እንተይሰተዩን ኢሎም መሓሉ። 13ነዝ ውዲት እዙይ ዝኣተዉ ኻብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ነበሩ። 14ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ከይዶም “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ገለ እኳ ኸይንጥዕም ብብርቱዕ መሓላ ተማሒልና ኣለና። 15ሕዚ ኸዓ ንስኻትኩምን እቲ መጋባእያን ነገሩ ኣፅቢቕኩም ክትምርምርዎ ከም እትደልዩ ኣምሲልኩም፥ ናባኻትኩም ከውርዶ ነቲ ሓለቓ ለምንዎ። ንሕና ኸዓ ከይቐረበ ከሎ ኽንቐትሎ ተዳሊና ኣለና።”
16እቲ ወዲ ሓፍቲ ጳውሎስ ግና፥ ብዛዕባ እቲ ድብያ ምስ ሰምዐ፥ ከይዱ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17ጳውሎስ ከዓ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ፀዊዑ “ነዝ መንእሰይ እዙይ ናብ ሓለቓ ወስዶ፤ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እዩ” በሎ።
18ንሱ ድማ ናብ ሓለቓ ወሲዱ “እቲ እሱር ጳውሎስ ፀዊዑኒ ነዝ መንእሰይ እዙይ ናባኻ ኸምፅኦ ለሚኑኒ፤ ዝነግረካ ነገር ኣለዎ” በሎ።
19እቲ ሓለቓ ኸዓ ኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ገለል ኣቢሉ “እንታይ ዝትነግረኒ ኣለካ?” ኢሉ ጠየቖ።
20ንሱ ድማ “ኣይሁድ ብዛዕባ ጳውሎስ ኣፅቢቖም ክጥይቑ ኸም ዝደልዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብቲ መጋባእያ ኸተውርዶ ኽልምኑኻ ተሰማሚዖም ኣለዉ። 21ንስኻ ግና ኣይትእመኖም፤ ኻብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባቶም ክድብይዎ ይፅበዩ ኣለዉ እዮም እሞ። ክሳዕ ዝቐትልዎ ኣይንበልዕን ኣይንሰትን ኢሎም ተማሒሎም ኣለዉ፤ ሕዚ ድማ ተዳልዮም መልሲ ካባኻ ይፅበዩ ኣለዉ።”
22እቲ ሓለቓ ኸዓ ነቲ መንእሰይ “ነዙይ ከም ዝነገርካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር” ኢሉ ኣዚዙ ሰደዶ።
ኣቦና ንምስክሩ ይሕልዎ
23ሽዑ ኽልተ ሓለቑ ሚእቲ ፀዊዑ “ናብ ቂሳርያ ክኸዱ ክልተ ሚእቲ ወታደራትን ሰብዓ ፈረሰኛታትን ክልተ ሚእቲ ኵናተኛታትን፥ ሎሚ ለይቲ ኣብ ሰዓት ትሽዓተ ኣዳልዉ” በሎም። 24ንጳውሎስ ዝወጥምዎ እንስሳ ኸዳልዉ፥ ናብ ሹም ፊሊክስ ብደሓን ከብፅሕዎ ኸዓ ነገሮም። 25ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ድማ ፀሓፈ፦
26“ቀላውዴዎስ ሉስያስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊሊክስ፤ ሰላም።
27ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም ክቐትልዎ ተቐራሪቦም እንተለዉ፥ ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ፈሊጠ ምስ ሰራዊተይ መፂአ ኣድሓንክዎ። 28እቲ ዝኸስዎ ዝነበሩ ነገር ክፈልጥ ስለ ዝደለኹ ኸዓ፥ ናብቲ መጋባእያኦም ኣውረድክዎ። 29ብዛዕባ ጥያቐታት ሕጎም ከም ዝተኸሰሰ ረኸብክዎ፤ ሞት ወይ ማእሰርቲ ዘግብሮ ኽሲ ግና ኣይረኸብኩሉን። 30ኣብ ልዕሊ እዝ ሰብኣይ ውዲት ከም ዝተመሳጠረ ምስ ተነገረኒ፥ ብኡ ንብኡ ናባኻ ሰደድክዎ፤ ከሰስቱ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ ዘለዎም ነገር ክዛረቡ ኣዘዝክዎም።”
31እቶም ወታደራት ከዓ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ። 32ንፅባሒቱ ኸዓ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ኽኸዱ ሓዲጎም፥ ንሳቶም ናብ ሰፈር ወታደራት ተመለሱ። 33እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ በፂሖም፥ ነቲ መልእኽቲ ነቲ ሹም ኣረከብዎ፤ ንጳውሎስ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣቐረብዎ። 34እቲ ሹም ከዓ ነቲ መልእኽቲ ኣንቢቡ፥ ካብ ኣየናይ ሃገር ምዃኑ ጠየቖ፤ ካብ ኪልቅያ ምዃኑ ድማ ምስ ፈለጠ፥ 35“ከሰስትኻ ምስ መፁ ኽሰምዓካ እየ” በሎ። ኣብ ቤተ መንግስቲ ሄሮድስ ተሓልዩ ኽፅናሕ ድማ ኣዘዘ።