ኢዮሳፍጥ ምስ ኣክኣብ ተማሓዘወ
ኢዮሳፍጥ ምስ ቤት ኣክኣብ ብመውስቦ ተኣሳሰረ፤ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክዋጋእ ድማ ተሰማምዐ፥ ደሓር ከዓ ነቢይ ኣቦና ሓተተ። ሚክያስ በይኑ ነቲ ብሓቂ ዝሰምዖ ተዛረበ፦ ፋሕ ዝበላ ኣባጊዕ፥ ኣብ ኣፍ እቶም ነቢያት ዝነበረ ሓሳዊ መንፈስ፤ ብግምት ዝተወርወረ ፍላፃ ኸዓ ንሱ ሓቀኛ ምዃኑ ኣረጋገፀ።
18 1ኢዮሳፍጥ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ፤ ምስ ኣክኣብ ከዓ ብመውስቦ ተኣሳሰረ። 2ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ድማ ናብ ኣክኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ፤ ኣክኣብ ከዓ ንእኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝብን ብዙሕ ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓረደሎም፤ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደዪቡ ክዋጋእ ድማ ኣበራትዖ። 3ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ምሳይ ከይድካዶ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ኸማኻ፥ ህዝበይ ከም ህዝብኻ እዩ፤ ኣብቲ ውግእ ምሳኻ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።
4ኢዮሳፍጥ ግና ንጉስ እስራኤል “በጃኻ ቅድም ቃል ኣቦና ድለ” በሎ።
5ሽዑ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነቢያት፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ፥ ኣከበ፤ “ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክንዋጋእ ንኺድ፥ ወይ ክንተርፍ?” ኢሉ ድማ ሓተቶም። ንሳቶም ከዓ “ደይብ፤ እግዚኣብሄር ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ክህቦ እዩ እሞ” በሉ።
6ኢዮሳፍጥ ግና “ኣብዙይ ገና እንጥይቖ ነቢይ ኣቦናዶ የለን?” በለ።
7ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ “ብእኡ ጌርና ንኣቦና እንጥይቖ ሓደ ሰብኣይ ተሪፉ ኣሎ፤ ኣነ ግና እፀልኦ እየ፤ ብዛዕባይ ፅቡቕ ዘይኮነ፥ ክፉእ ጥራሕ ይንበየለይ እዩ እሞ። ንሱ ሚክያስ ወዲ ይምላ እዩ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” ኢሉ መለሰ።
8ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ሹመኛ ፀዊዑ “ንሚክያስ ወዲ ይምላ ቀልጢፍካ ኣምፅኣዮ” በሎ።
9ንጉስ እስራኤልን ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳን ድማ ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኖም፥ ኣብቲ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዝርከብ ኣደባባይ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዝዙፋኑ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ኵሎም እቶም ነቢያት ይንበዩ ነበሩ። 10ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ከዓ ናይ ሓፂን ኣቕርንቲ ሰርሐ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እግዚኣብሄር፦ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝጠፍኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ።”
11ኵሎም እቶም ነቢያት ድማ ከምኡ “ንሬማት ዘገለዓድ ውረራ፤ ክቐንዐካ እዩ፤ ኣቦና ድማ ናብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ክህቦ እዩ” ኢሎም ተነበዩ።
12እቲ ንሚክያስ ክፅውዕ ዝኸደ ልኡኽ ድማ “እንሆ፥ ቃላት እቶም ነቢያት ብሓደ ኣፍ ንጉስ የቕንዑሉ ኣለዉ፤ ቃልካ ድማ ከም ቃል ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ ፅቡቕ ተዛረብ” በሎ።
13ሚክያስ ግና “እቲ ኣቦይ ዝብለኒ ጥራሕ ከም ዝዛረብ ብህያው ኣቦና እምሕል ኣለኹ” በለ።
14ንሱ ናብ እቲ ንጉስ ምስ ቀረበ ድማ፥ እቲ ንጉስ “ሚክያስ፥ ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክንዋጋእ ንኺድ፥ ወይ ክተርፍ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ደይብ፤ ክቐንዐካ ድማ እዩ፤ ናብ ኢድካ ኣሕሊፎም ክወሃቡ እዮም” በሎ።
15እቲ ንጉስ ግና “ብስም ኣቦና ሓቂ ጥራሕ ክትነግረኒ ክንደይ ሳዕ ከምሕለካ?” በሎ።
16ሚክያስ ከዓ “ንብዘሎ እስራኤል፥ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኮይኖም፥ ኣብ ኣኽራን ተበቲኖም ርኤኽዎም። ኣቦና ድማ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ” በለ።
17ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኢዮሳፍጥ “ብዛዕባይ ፅቡቕ ዘይኮነ፥ ክፉእ ጥራሕ ከም ዝንበየለይ ኣይበልኩኻንዶ?” በሎ።
18ሚክያስ ድማ “እምበኣር ቃል ኣቦና ስማዕ፦ ኣቦና ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ የማኑን ኣብ ፀጋሙን ደው ኢሉ ርኤኹ።
19ኣቦና ድማ ‘ንኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ሬማት ዘገለዓድ ክድይብ እሞ ኣብኣ ክወድቕ መን የጋግዮ?’ በለ። ሓደ ኸምዙይ፥ ካልእ ድማ ኸምቱይ በለ።
20ሓደ መንፈስ ድማ ወፂኡ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ደው ኢሉ ‘ኣነ ኸጋግዮ’ በለ። ኣቦና ኸዓ ‘ከመይ ጌርካ?’ በሎ።
21ንሱ ድማ ‘ወፂአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነቢያቱ ሓሳዊ መንፈስ ኮይነ ክዛረብ እየ’ በለ። ኣቦና ኸዓ ‘ክተጋግዮ ድማ ክትስዕር ኢኻ እሞ፥ ኪድ ከምኡ ግበር’ በለ።
22ሕዚ ድማ፥ ኣቦና ኣብ ኣፍ እዞም ነቢያትካ እዚኣቶም ሓሳዊ መንፈስ ኣንቢሩ ኣሎ፤ ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሌኻ ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ” በለ።
23ሽዑ ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ቐሪቡ ንሚክያስ መትልሑ ፀፍዖ፤ “እቲ መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣኻ ክዛረብ ካባይ መኣዝ ሓሊፉ?” በሎ።
24ሚክያስ ከዓ “ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ ምስ ከድካ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽትርኢ ኢኻ” በሎ።
25ንጉስ እስራኤል ድማ “ንሚክያስ ናብ ኣሞን ኣመሓዳሪ እታ ኸተማን ናብ ኢዮኣስ ወዲ ንጉስን መሊስካ ውሰዶ፤ 26ከምዙይ ድማ በልዎም፦ ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣሲርኩም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፤ ኣነ ብደሓን ክሳዕ ዝምለስ ከዓ፥ እንጀራ መከራን ማይ መከራን ጥራሕ ሃብዎ’ ይብል ኣሎ ንጉስ” በለ።
27ሚክያስ ከዓ “ብሓቂ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ ኣቦና ብኣይ ኣይተዛረበን” በለ። ቀፂሉ ድማ “ኣቱም ኵላትኩም ህዝቢ፥ ስምዑ!” በለ።
ኣክኣብ ከምቲ ኣቦና ዝተነበዮ ወደቐ
28ሽዑ ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳ ኢዮሳፍጥን ናብ ሬማት ዘገለዓድ ደየቡ። 29ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ “ኣነ መልክዐይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ፥ ንስኻ ግና ናይ መንግስቲ ክዳንካ ተኸደን” በሎ። ሽዑ ንጉስ እስራኤል መልክዑ ለዊጡ፥ ናብ ውግእ ኣተዉ። 30ንጉስ ኣራም ድማ ነቶም ኣሕሉቕ ሰረገላታቱ “ንሓደ ሰብ እኳ፥ ንእሽተይ ኾነ ዓብዪ፥ ኣይትዋግኡ፤ ንንጉስ እስራኤል ጥራሕ ደኣ እምበር” ኢሉ ኣዘዞም።
31እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ንኢዮሳፍጥ ምስ ረኣይዎ፥ “እዝ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ፤ ክዋግእዎ ኸዓ ናብኡ ገፆም መለሱ። ኢዮሳፍጥ ግና ኣእወየ፥ ኣቦና ድማ ረድኦ፤ ካብኡ ኸዓ ኣግለሶም። 32ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ፈለጡ ድማ፥ እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ካብ ምስዓብ ተመለሱ። 33ሓደ ሰብኣይ ድማ ቀስቱ ናብ ዝወረደት ትውረድ ኢሉ ገቲሩ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። ንሱ ኸዓ ነቲ ሰረገላኡ ዝዝውር ሰብ “ኣነ ቖሲለ ኣለኹ እሞ፥ ተመሊስካ ካብዚ ውግእ ኣውፅኣኒ” በሎ። 34በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፤ ንጉስ እስራኤል ከዓ ኣብ ሰረገላኡ ተደጊፉ ክሳዕ ምሸት ንሶርያውያን ኣማዕድዩ ይሪኦም ነበረ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ድማ ሞተ።