ኣቦና ነቲ ዝተጋገየ ንጉሱ ይግስፆ
ኢዩ ነቲ ዝምለስ ዝነበረ ንጉስ ብሕቶ ተቐበሎ፦ ንሓጥኣን ክትሕግዝዶ ይግበኣካ? ኢዮሳፍጥ ከዓ ነቶም ህዝቢ ተዘዋዊሩ፥ ፈረድቲ ብምሻም መለሰ፤ ንሰብ ዘይኮነስ ንኣቦና ከም ዝፈርዱ፥ ኣብ ኣቦና ድማ ዓመፅ ኮነ ኣድልዎ ኮነ ጉቦ ኸም ዘይብሉ ነገሮም።
19 1ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ናብ ቤቱ ናብ ኢየሩሳሌም ብሰላም ተመለሰ። 2ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ተራኸቦ፤ ከምዙይ ኢሉ ኸዓ ጠየቖ፦ “ንሓጥኣን ክትሕግዝ፥ ነቶም ንኣቦና ዝፀልኡ ድማ ከተፍቅሮም ይግበኣካዶ? ስለዙይ ቍጥዓ ካብ ኣቦና ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። 3ኾይኑ ግና ፅቡቕ ነገር ኣባኻ ተረኺቡ ኣሎ፤ ነቶም ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ካብ ምድሪ ኣወጊድካ፥ ልብኻ ድማ ንኣቦና ንምድላይ ኣንቢርካ።”
4ኢዮሳፍጥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ሽዑ ድማ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ደጕዓ ኤፍሬም ናብ ህዝቢ መሊሱ ወፀ፤ ናብ ኣቦና፥ ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ከዓ ክምለሱ ገበሮም። 5ኣብ ምድሪ፥ ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ከተማታት ይሁዳ፥ በብከተማ ፈረድቲ ሸመ። 6ነቶም ፈረድቲ ከዓ ከምዙይ በሎም፦ “እትገብርዎ ተመልከቱ፤ ንሰብ ዘይኮነ ንኣቦና ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ንሱ ኸዓ በቲ እትፈርድዎ ዅሉ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። 7ሕዚ ኸዓ ፍርሓት ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም ይኹን። ኣብ ኣቦና ዓመፅ የለን፥ ኣድልዎ የለን፥ ጉቦ ምቕባልውን የለን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ግበሩ።”
8ኢዮሳፍጥ ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ፍርዲ ኣቦና ንምፍፃም፥ ክርክር ንምፍራድ፥ ገሊኣቶም ሌዋውያንን ካህናትን ኣሕሉቕ ዓሌት ኣቦታት እስራኤልን ሸመ፤ ናብ ኢየሩሳሌም ድማ ተመለሱ። 9ከምዙይ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፦ “ብፍርሓት ኣቦና፥ ብእምነትን ብምሉእ ልብኹምን ከምዙይ ግበሩ። 10እቶም ኣብ ከተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ዝኾነ ክርክር፥ ብዛዕባ ደም ይኹን ብዛዕባ ሕግን ትእዛዝን ስርዓትን ፍርድን እንተ ኣምፅኡልኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ሓጢኣት ከይስከሙ፥ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩም ከዓ ቍጥዓ ከየምፅኡ ኣጠንቅቕዎም። ከምዙይ ግበሩ፥ ሓጢኣትውን ኣይክትስከሙን ኢኹም። 11እንሆ፥ ኣማርያስ እቲ ሊቀ ካህናት ብዅሉ ነገር ኣቦና ኣብ ልዕሌኹም ሓላፊ እዩ፤ ዘባድያስ ወዲ እስማኤል፥ ሹም ነገድ ይሁዳ ድማ ብዅሉ ነገር ንጉስ ኣብ ልዕሌኹም እዩ። ሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሜኹም ከም ኣሕሉቕ የገልግሉ። ፅንዑ ግበሩውን፤ ኣቦና ምስቶም ፅቡቕ ዝገብሩ ይኹን።”