ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናይ ኣቦ ዕላማ ንሓዳር

ነቲ ብዛዕባ መርዓ ዝፀሓፍዎ ሕቶታት እናመለሰ፦ ሰብኣይን ሰበይትን ነንሕድሕዶም ዝግባእ ስጋኦም ይሃቡ፥ ኣመንቲ ንዝተረፈ ዝደሊ ዘይኣምን ሰብ ኣይፍትሕዎ፥ በቲ ህልዊ ፀበባ ኸዓ ከም ዘለኻ ምፅናሕ ፅቡቕ እዩ። ኣብ ዝኾነ ኩነታት፥ ምስ ኣቦና ኣብኡ ይፅናሕ።

ምዕራፍ 7።

ሕዚ ኸዓ ብዛዕባ እቲ ዝፀሓፍኩምለይ፦ “ሰብኣይ ንሰበይቲ ከይትንክፍ ፅቡቕ እዩ።” ግና ብሰንኪ ዝሙት፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ። እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ዝግብኣ ይሃባ፥ ከምኡ ኸዓ እታ ሰበይቲ ነቲ ሰብኣያ ትሃቦ። እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ስጋኣ ስልጣን የብላን፥ እቲ ሰብኣይ ደኣ ኣለዎ፤ ከምኡ ኸዓ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ስጋኡ ስልጣን የብሉን፥ እታ ሰበይቲ ደኣ ኣለዋ። ነንሕድሕድኩም ኣይትተሓራረሙ፤ ንቑሩብ ጊዜ ርእስኹም ንፀሎት ምእንቲ ኽትህቡ ተሰማሚዕኩም እንተ ዘይኮይኑ፤ ሽዑ ድማ ሰይጣን ብሰንኪ ዘይምግታእ ነፍስኹም ከይፍትነኩም፥ ዳግም ሓቢርኩም ተራኸቡ። እዙይ ብፍቓድ ደኣ እብለኩም ኣለኹ እምበር፥ ብትእዛዝ ኣይኮነን። ኵሉ ሰብ ከማይ እንተ ዝኸውን ምደለኹ። ግና ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣቦና ናይ ገዛእ ርእሱ ውህብቶ ኣለዎ፤ ሓደ ኸምዙይ፥ ሓደ ድማ ከምቲ። ነቶም ዘይተመርዓዉን ነተን መበለታትን ከዓ ከምዙይ እብሎም ኣለኹ፦ ከማይ እንተ ፀንሑ ንኣኣቶም ፅቡቕ እዩ። ግና ነፍሶም ክገትኡ እንተ ዘይከኣሉ፥ ይመርዓዉ፤ ብፍትወት ካብ ምንዳድ ምምርዓው ይሓይሽ እዩ እሞ። ነቶም ዝተመርዓዉ ድማ፥ ኣነ ዘይኮንኩስ ጐይታ፥ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኸይትፍለ እእዝዝ ኣለኹ። እንተ ተፈለየት ግና፥ እንተይተመርዓወት ትፅናሕ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፤ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ ኣይፍታሕ።

ነቶም ዝተረፉ ኸዓ ኣነ እብል ኣለኹ፥ ጐይታ ኣይኮነን፦ ሓደ ሓው ዘይትኣምን ሰበይቲ እንተ ኣላቶ እሞ፥ ንሳ ድማ ምስኡ ክትነብር እንተ ፈተወት፥ ኣይፍትሓያ። ሰበይቲ ድማ ዘይኣምን ሰብኣይ እንተ ኣለዋ እሞ፥ ንሱ ምስኣ ክነብር እንተ ፈተወ፥ ኣይትፍትሓዮ። እቲ ዘይኣምን ሰብኣይ ብሰበይቱ ይቅደስ እዩ እሞ፥ እታ ዘይትኣምን ሰበይቲ ድማ በቲ ሓው ትቕደስ እያ። እንተ ዘይኮነ ደቅኹም ርኹሳት ምኾኑ ነይሮም፥ ሕዚ ግና ቅዱሳት እዮም። እቲ ዘይኣምን ወገን እንተ ተፈለየ ግና፥ ይፈለ፤ እቲ ሓው ወይ እታ ሓፍቲ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ነገር ኣይተኣስረን። ኣቦና ናብ ሰላም ፀዊዑኩም እዩ እሞ። ኦ ሰበይቲ፥ ንሰብኣይኺ ኸተድሕንዮ ምዃንኪ ኻበይ ትፈልጢ? ወይ ኦ ሰብኣይ፥ ንሰበይትኻ ኸተድሕና ምዃንካ ኻበይ ትፈልጥ?

ግና ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ጐይታ ዝዓደሎ፥ ከምቲ ኣቦና ዝፀውዖ ይንበር። ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስትያናት ዝእዝዞ ከምዙይ እዩ። ተገሪዙ እንተሎ ዝተፀውዐ ኣሎዶ? ዘይግሩዝ ኣይምሰል። ዘይተገረዘ እንተሎ ዝተፀውዐ ኣሎዶ? ኣይገረዝ። ግርዘት ገለ ኣይኮነን፥ ዘይምግራዝ ድማ ገለ ኣይኮነን፥ ትእዛዛት ኣቦና ምሕላው ግና ነገር እዩ። ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዓሉ ኵነታት ይፅናሕ። ባርያ ኾይንካ ዲኻ ተፀዊዕካ? ኣይተሸግርካ። ነፃነት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ ግና፥ ተቐበሎ። እቲ ብጐይታ ዝተፀውዐ ባርያ፥ ናይ ጐይታ ሓራ ዝወፀ እዩ እሞ፤ ከምኡ ኸዓ እቲ ዝተፀውዐ ሓራ ሰብ፥ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፤ ባሮት ሰባት ኣይትኹኑ። ኣቱም ኣሕዋት፥ ነፍሲ ወከፍ በቲ ዝተፀውዓሉ ኵነታት፥ ኣብኡ ምስ ኣቦና ይፅናሕ።

ብዛዕባ እቶም ዘይተመርዓዉ ኸዓ፥ ካብ ጐይታ ትእዛዝ የብለይን፥ ግና ከም ሓደ ብምሕረት ጐይታ እሙን ዝኾነ ፍርደይ እህብ ኣለኹ። በዝ ሕዚ ዘሎ መከራ ምኽንያት፥ ሰብ ከም ዘለዎ እንተ ፀንሐ ፅቡቕ ይመስለኒ። ምስ ሰበይቲ ተኣሲርካ ዲኻ? ምፍታሕ ኣይትድለ። ካብ ሰበይቲ ነፃ ዲኻ? ሰበይቲ ኣይትድለ። ግና እንተ ተመርዓኻ፥ ኣይሓጣእካን፤ ድንግል እንተ ተመርዓወት ድማ፥ ኣይሓጥአትን። ግና ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣብ ስጋ መከራ ክረኽቡ እዮም፤ ኣነ ኸዓ ካብኡ ኽርሕቐኩም እደሊ ኣለኹ። ኣቱም ኣሕዋት፥ እዙይ እብል ኣለኹ፦ እቲ ምዱብ ጊዜ ሓፂሩ እዩ። ካብ ሕዚ ጀሚሩ፥ እቶም ኣንስቲ ዘለዉዎም ከም ዘይብሎም ይንበሩ፤ እቶም ዝበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፥ እቶም ዝሕጐሱ ኸም ዘይሕጐሱ፥ እቶም ዝዕድጉ ድማ ገለ ኸም ዘይውንኑ፥ እቶም በዛ ዓለም ዝጥቀሙ ድማ፥ ከም ዘይተፀመዱላ ይኹኑ፤ ቅርፂ እዛ ዓለም እዚኣ ይሓልፍ ኣሎ እሞ።

ካብ ጭንቀት ነፃ ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ። እቲ ዘይተመርዓወ ሰብኣይ፥ ንጐይታ ኸመይ ከሐጕስ ከም ዝኽእል፥ ብዛዕባ ናይ ጐይታ ነገር ይግደስ። እቲ ዝተመርዓወ ግና፥ ንሰበይቱ ኸመይ ከሐጕስ ከም ዝኽእል፥ ብዛዕባ ናይ ዓለም ነገር ይግደስ፤ ልቡ ኸዓ ይፈላለ። እታ ዘይተመርዓወት ሰበይቲ ወይ ድንግል፥ ብስጋን ብመንፈስን ቅድስቲ ክትከውን፥ ብዛዕባ ናይ ጐይታ ነገር ትግደስ፤ እታ ዝተመርዓወት ግና፥ ንሰብኣያ ኸመይ ከተሐጕስ ከም እትኽእል፥ ብዛዕባ ናይ ዓለም ነገር ትግደስ። እዙይ ዝብለኩም ንጥቕምኹም እምበር፥ ክቕይደኩም ኣይኮንኩን፤ ፅቡቕ ኣነባብራ ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ንጐይታ ድማ ከይተፈላለኹም ምእንቲ ኽትግዝኡ እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ እታ ዝሓፀያ ብግቡእ ዘይኮነ ኸም ዝገብር እንተ መሰሎ፥ ፍትወቱ ድማ እንተ በርትዐ እሞ ክኸውን እንተ ዀነ፥ ከም ዝደለዮ ይግበር፤ ይመርዓዉ፤ ሓጢኣት ኣይኮነን። ዘይተገደደ፥ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ድልየቱ ድማ ስልጣን ዘለዎ፥ ኣብ ልቡ ፀኒዑ ነታ ዝሓፀያ ኽሕልዋ ኣብ ልቡ ዝወሰነ ግና፥ ፅቡቕ ይገብር ኣሎ። ስለዙይ እቲ ነታ ዝሓፀያ ዝምርዖ ፅቡቕ ይገብር ኣሎ፤ እቲ ዘይምርዓዋ ግና ዝበለፀ ይገብር ኣሎ።

ሰበይቲ፥ ሰብኣያ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ምስኡ ተኣሲራ እያ፤ እንተ ሞተ ግና፥ ንዝደለየቶ ሰብ ክትምርዖ ነፃ እያ፤ ግና ብጐይታ ጥራሕ ይኹን። ግና ከም ዘላ እንተ ፀንሐት፥ ከም ኣረኣእያይ ዝያዳ ሕጕስቲ እያ። ኣነ ኸዓ መንፈስ ኣቦና ኸም ዘለኒ ይመስለኒ።