ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንኣሕዋት ናብ ዘይኣምኑ ምውሳድ

ኣመንቲ ንሕድሕዶም ናብ ቅድሚ ዘይኣምኑ ፈረድቲ ይጎተቱ ኣለዉ — እዙይ ድሮ ስዕረት እዩ፤ ምብዳል ይሐይሽ። ሽዑ እቲ ብዛዕባ ነፃነት ዝብልዎ ቃል፥ ኣንፃር ዝሙት ይፍተን፦ ኣካላቶም ኣካላት ክርስቶስን ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስን እዮም፥ ብዋጋ ተዓዲጎም እዮም እሞ፥ ብስጋኹም ንኣቦና ኣኽብሩ።

ምዕራፍ 6።

ካባኻትኩም ሓደ ምስ ካልእ ባእሲ ዘለዎ፥ ናብ ህዝቢ እግዚኣብሄር ዘይኮነስ፥ ናብ ዓመፅተኛታት ንፍርዲ ክወስዶ ይደፍርዶ? ቅዱሳን ንዓለም ከም ዝፈርዱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ንስኻትኩም ንዓለም እንተ ትፈርድዋ፥ ነቲ ኣናእሽቱ ነገር ክትፈርዱ ዘይትበቕዑዶ ኢኹም? ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነገር እዝ ህይወት እዙይ ግዳ ኽንደይ ኣይበዝሕን! እምበኣር ከምዙይ ዝበለ ባእሲ ምስ ዝህልወኩም፥ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዋጋ ዘይብሎም ፈረድቲ ጌርኩም ትሽይሙዶ? ከሕፍረኩም ኢለ እየ እዝ ዝብል ዘለኹ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ክፈርድ ዝኽእል ጥበበኛ ሓደ እኳ ኣባኻትኩምዶ የለን? ኣብ ክንዳኡስ፥ ሓው ንሓው ናብ ፍርዲ ይወስዶ፥ እዙይ ድማ ኣብ ቅድሚ ዘይኣምን! ንሕድሕድኩም ክስ ምህላውኩም ድሮ ፍፁም ስዕረት እዩ። ስለ ምንታይ ደኣ ኣይትብደሉን? ስለ ምንታይከ ደኣ ኣይትታለሉን? ኣብ ክንዳኡስ፥ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም ትብድሉን ተታልሉን፥ እዙይ ድማ ነሕዋትኩም ትገብሩ።

ወይ ዓመፅተኛታት መንግስቲ ኣቦና ኸም ዘይወርሱዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ኣይትታለሉ፦ ዝሙተኛታት ኾነ መምለኽቲ ጣዖት፥ ዘመውቲ፥ ተባዕታይ ኣመንዝራ፥ ወይ ምስ ሰብኣይ ዝድቅስ ሰብኣይ፥ ሰረቕቲ ኾነ ስሱዓት፥ ሰካራት፥ ፀረፍቲ፥ ወይ ኣታለልቲ፥ መንግስቲ ኣቦና ኣይወርሱን። ገሊኣትኩም ከምዙይ ኔርኩም። ግናኸ ተሓፂብኩም፥ ተቐዲስኩም፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣቦናን ፃድቃን ተገይርኩም።

“ዅሉ ክገብር ነፃ እየ” ግና ኵሉ ኣይጠቅምን። “ዅሉ ክገብር ነፃ እየ” ግና ሓንቲ እኳ ኣይትገዝኣንን። “መግቢ ንከብዲ፥ ከብዲ ኸዓ ንመግቢ እዩ” ኣቦና ድማ ንኽልቲኡ ኼጥፍኦ እዩ። ስጋ ግና ንዝሙት ዘይኮነስ፥ ንጐይታ እዩ፤ ጐይታ ኸዓ ንስጋ እዩ። ኣቦና ኸዓ ንጐይታ ኸም ዘተስኦ፥ ንዓናውን ብሓይሉ ኼተስኣና እዩ። ኣካላትኩም ኣካላት ክርስቶስ ምዃኖምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? እምበኣር ኣካላት ክርስቶስ ወሲደ ኣካላት ኣመንዝራ ክገብሮምዶ? ከቶ ኣይኹን! ወይ ምስ ኣመንዝራ ዝዋሃድ ሰብ ምስኣ ሓደ ስጋ ኸም ዝኸውንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? “እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪኾኑ እዮም” ይብል እዩ እሞ። ምስ ጐይታ ዝዋሃድ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ።

ካብ ዝሙት ህደሙ። ሰብ ዝገብሮ ዅሉ ኻልእ ሓጢኣት ካብ ስጋ ወፃኢ እዩ፤ እቲ ዝሙተኛ ግና ኣብ ልዕሊ ገዛእ ስጋኡ ሓጢኣት ይገብር። ወይ ስጋኹም፥ ናይቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ ካብ ኣቦና ዝተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ቤተ መቕደስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ናይ ርእስኹም ኣይኮንኩምን፤ ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ። እምበኣር ንኣቦና ብስጋኹም ኣኽብርዎ።