ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክሓዝን ዘይደሊ ስድራ ቤት

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ ኣቦኡ ሒዙ ኣሎ፥ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ በቲ ትዕግስታ ትዕበ ኣላ። ጳውሎስ፥ ክሓዝኑ ኸም ዝግብኦም ነይሩ ይዛረብ፤ መንፈሱ ምእንቲ ኽድሕን ከዓ ናብ ሰይጣን ኣሕሊፎም ክህብዎ ይነግር። እቲ ኣረጊት ማይ ብሒቝ ክእለ ኣለዎ፤ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ምፍራድ ናቶም ዕዮ እዩ፥ ነቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ግና ኣቦና ይፈርዶም።

ምዕራፍ 5።

ኣብ ማእኸልኩም ዝሙት ከም ዘሎ ብሓቂ ተሰሚዑ ኣሎ፤ እዙይ ከዓ ኣብቶም ንኣቦ ዘይፈልጡ እኳ ዘይርከብ ዓይነት ዝሙት እዩ፦ ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ ኣቦኡ ሒዙ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና ዕቡያት ኢኹም! እዙይ ዝገበረ ኻብ ማእኸልኩም ምእንቲ ኽእለ፥ ኣብ ክንድኡ ክትሓዝኑዶ ኣይግብኣኩምን ነይሩ? ኣነ ብስጋ ርሑቕ እኳ እንተኾንኩ፥ ብመንፈስ ግና ኣብኡ ስለ ዘለኹ፥ ነቲ ኸምዙይ ዝገበረ፥ ከም ዘለኹ ኾይነ ድሮ ፈሪደዮ ኣለኹ። ብስም ጐይታና ኢየሱስ ምስ ትእከቡ፥ መንፈሰይ ምሳኻትኩም ከሎ፥ ብሓይሊ ጐይታና ኢየሱስ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ስጋኡ ምእንቲ ኽጠፍእ ናብ ሰይጣን ኣሕሊፍኩም ሃብዎ፤ መንፈሱ ኸዓ በታ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ምእንቲ ኽድሕን።

ትምክሕትኹም ፅቡቕ ኣይኮነን። ሒደት ማይ ብሒቝ ንኹሉ እቲ ብሑቕ ከም ዘብኵዖ ኣይትፈልጡንዶ? ሓድሽ ብሑቕ ምእንቲ ክትኮኑ፥ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሒቝ ኣፅርይዎ፤ ከምቲ ብሓቂ ዘይበዅዐ ዘለኹም። ክርስቶስ፥ እቲ በጊዕ ፋሲካና፥ ተሰዊኡ እዩ እሞ። ስለዙይ ነቲ በዓል ብኣረጊት ማይ ብሒቝ፥ ማለት ብማይ ብሒቝ እከይን ክፍኣትን ዘይኮነስ፥ ብዘይበዅዐ ቕጫ ቅንዕናን ሓቅን ደኣ ነብዕሎ።

ኣብታ መልእኽተይ ምስ ዘመውቲ ኸይትሕወሱ ፅሒፈልኩም ነይረ። እዙይ ከዓ ፈፂመ ብዛዕባ ዘመውቲ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ወይ ስሱዓትን ገፋዕትን፥ ወይ መምለኽቲ ጣዖት ማለተይ ኣይኮነን፤ እንተዘይኮነ ካብ ዓለም ክትወፁ ምተገበኩም። ሕዚ ግና፥ ሓው ወይ ሓፍቲ እየ እናበለ፥ ዘማዊ፥ ወይ ስሱዕ፥ ወይ መምለኺ ጣዖት፥ ወይ ሓማዪ፥ ወይ ሰካር፥ ወይ ገፋዒ ምስ ዝኾነ ሰብ ከይትሕወሱ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ምስ ከምዙይ ዝበለ ሰብ ምብላዕ እኳ ኣይትብልዑ። ነቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኽፈርዶም ንኣይ እንታይ ይምልከተኒ? ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉዶ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትፈርዱ? ነቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ኣቦና ይፈርዶም። “ነቲ ክፉእ ሰብ ካብ ማእኸልኩም ኣውፅእዎ።”