መጋብእቲ ምስጢራት ኣቦ
እቶም ሰብ ቆሮንቶስ ንሃዋርያቶም ከም ተዓዘብቲ ንተዋሳእቲ እናመዘኑ ይፈርዱዎም ኣለዉ። ጳውሎስ ከዓ፥ እቲ እንኮ ዝቑፀር ፍርዲ፥ ጐይታ ምስ ተመለሰ እቲ ኻብ ኣቦና ዝመፅእ ውዳሰ ምዃኑ ይዛረብ፤ ናብ ገዛእ ጥሜቱን ውቕዓቱን ቤት ኣልቦነቱን ኣመልከተ፤ ብወንጌል ከም ዝወለዶም ከዓ ኣዘኻኸሮም፥ ስለዙይ ከም ኣቦ ኾይኑ ይፅሕፍ።
4 1ሰብ ንዓና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መጋብእቲ ምስጢራት ኣቦናን ጌሩ ይቍፀረና። 2ኣብ ርእሲ እዙይ፥ መጋብእቲ እሙናት ኮይኖም ክርከቡ ይድለ እዩ። 3ንኣይ ግና ንስኻትኩም ትፍርዱኒ፥ ወይ ዝኾነ ናይ ሰብ ፍርዲ ይፍርደኒ፥ ኣዝዩ ሒደት ነገር እዩ። ኣነ ንርእሰይ እኳ ኣይፍርዳን እየ። 4ኣንፃር ርእሰይ ዝፈልጦ ገለ እኳ የብለይን፥ ግና በዙይ ንፁህ ኣይኮንኩን። እቲ ዝፈርደኒ ግና ጐይታና ኢየሱስ እዩ። 5ስለዙይ ጐይታና ኢየሱስ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ቕድሚ ጊዜኡ ኣይትፍረዱ። ንሱ ነቲ ብፀልማት ተሓቢኡ ዘሎ ናብ ብርሃን ከውፅእ፥ ሓሳባት ልቢ ኸዓ ኽገልፆ እዩ። ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣቦና ውዳሰ ክረክብ እዩ።
6ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ካብቲ ዝተፅሓፈ ሓሊፍኩም ከይትኸዱ ካባና ምእንቲ ኽትምሃሩ፥ ንሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ እናኣበለፅኩም ከዓ ከይትዕበዩ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣባይን ኣብ ኣጶሎስን ኣውዒለዮ ኣለኹ። 7ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብረካ መን እዩ? ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣለካ? እንተ ተቐቢልካ ደኣ፥ ከምዘይተቐበልካዮ ጌርካ ስለምንታይ ትምካሕ?
8ድሮ ዝደለኽምዎ ዅሉ ኣለኩም! ድሮ ሃብታማት ኮይንኩም! ብዘይ ኣና ኽትነግሱ ጀሚርኩም፤ ብሓቂ ኽትነግሱ እንተ ዄንኩም ደኣ፥ ንሕናውን ምሳኻትኩም ምነገስና! 9ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት ኮይንና ኣለና እሞ፥ ኣቦና ንዓና ሃዋርያት ከም ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ጌሩ ዳሕረዎት ጌሩ ኣርኣየና ዝብል ይመስለኒ። 10ንሕና ምእንቲ ክርስቶስ ዓያሹ ኢና፤ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ለባማት ኢኹም። ንሕና ድኹማት ኢና፤ ንስኻትኩም ብርቱዓት ኢኹም። ንስኻትኩም ክቡራት ኢኹም፤ ንሕና ግና ንዑቓት ኢና። 11ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ፥ ንጠሚ፥ ንፀምእ፥ ብላይ ክዳን ንኽደን፥ ንውቃዕ፥ ቤት ኣልቦ ኸዓ ኢና። 12ብገዛእ ኢድና ኸዓ ፃዕሪ ንሰርሕ። እናተፀረፍና ንባርኽ፤ እናተሳጎግና ንዕገስ። 13እናተሓመና ብህድኣት ንምልስ። ክሳዕ ሕዚ ጐሓፍ ዓለም፥ ርስሓት ኵሉ ሰብ ኮይንና ኣለና።
14ከሕፍረኩም ኢለ ኣይኮንኩን ነዝ ዝፅሕፍ ዘለኹ፥ ከም ፍቑራት ደቀይ ገይረ ኽመኽረኩም ደኣ እምበር። 15ብክርስቶስ ቍፅሪ ዘይብሎም መምህራን እኳ እንተለኹም፥ ብዙሓት ኣቦታት ግና የብልኩምን፤ ኣነ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ። a a v15 ጳውሎስ ንኣቦና ኣይትክእን፤ ኣቦና ብእኡ ኣቢሉ ንደቁ ናብ ስድራ ዝወልደሎም ናይ ሰብ መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ደኣ እምበር። እቲ ምውላድ ባዕሉ ወንጌል እዩ ዝገብሮ። 16ስለዙይ ንኣይ ክትመስሉ እምሕፀነኩም ኣለኹ። 17ስለዙይ ኢለ ንጢሞቴዎስ ናባኻትኩም ሰደድኩ፤ ንሱ ብጐይታ ፍቑርን እሙንን ወደይ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብ ኵላ ቤተ ክርስቲያን ዝምህሮ፥ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ መንገድታተይ ከዘክረኩም እዩ። 18ገሊኣቶም ከምዘይመፅኣኩም ቆፂሮም ተነፊሖም ኣለዉ። 19ጐይታና ኢየሱስ እንተፈቒዱ ግና፥ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ፤ ናይዞም ዕቡያት ዘረባ ዘይኮነ፥ ሓይሎም ክፈልጥ እየ። 20መንግስቲ ኣቦና ብዘረባ ዘይኮነ፥ ብሓይሊ ደኣ እዩ እሞ። 21እንታይ ትደልዩ? ብበትሪዶ ክመፅኣኩም፥ ወይ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን?