ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ገና ኣብ ኣቦ ዝዓብዩ ዘለዉ

እቶም ሰብ ቆሮንቶስ ናብ ጉጅለታት ይምቀሉ ኣለዉ — ኣነ ንጳውሎስ እስዕብ፥ ኣነ ንኣጶሎስ እስዕብ — ጳውሎስ ከዓ ህፃንነት ኢሉ ፀውዖ። እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን ገለ ኣይኮኑን፤ ኣቦና ደኣ የዕቢ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ መሰረት ዝነድቖ ስራሕ፥ ብሓዊ ክግለፅ እዩ።

ምዕራፍ 3።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ከም ሰብ መንፈስ ክዛረበኩም ኣይከኣልኩን፥ ከም ሰብ ስጋ ደኣ፥ ኣብ ክርስቶስ ከም ዝጠብዉ ህፃናት እምበር። ፀባ ደኣ ሃብኩኹም እምበር፥ ደረቕ ምግቢ ኣይሃብኩኹምን፤ ገና ኣይከኣልኩምን ኔርኩም እሞ። ክሳዕ ሕዚውን ገና ኣይከኣልኩምን ዘለኹም። ገና ስጋውያን ኢኹም። ቅንእን ባእስን ኣብ መንጎኹም ኣሎ እሞ፥ ስጋውያንዶ ኣይኮንኩምን? ከም ሰብከ ዶ ኣይትነብሩን? ሓደ “ኣነ ንጳውሎስ እስዕብ”፥ ካልእ ድማ “ኣነ ንኣጶሎስ እስዕብ” እንተ በለ፥ ከም ተራ ሰብዶ ኣይኮንኩምን?

እምበኣር ኣጶሎስ እንታይ እዩ? ጳውሎስከ እንታይ እዩ? ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ጐይታ ዝሃቦ፥ ንስኻትኩም ብኣኣቶም ዝኣመንኩም ኣገልገልቲ እዮም። ኣነ ተኸልኩ፥ ኣጶሎስ ኣስተዮ፥ ኣቦና ግና ኣዕበዮ። እምበኣር እቲ ዘዕቢ ኣቦና እዩ እምበር፥ እቲ ዝተክል ኮነ እቲ ዘስቲ ገለ ኣይኮነን። እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን ሓደ እዮም፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከከም ፃዕሩ ዓስቡ ክወስድ እዩ። ንሕና መዓይይቲ ኣቦና ኢና፤ ንስኻትኩም ግራቱ ህንፃኡን ኢኹም።

ከምቲ ኣቦና ዝሃበኒ ፀጋ፥ ከም ለባም ክኢላ ነዳቖ መሰረት ሰረትኩ፥ ካልእ ድማ ኣብኡ ይነድቕ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ግና ኣብኡ ብኸመይ ከም ዝነድቕ ይጠንቀቕ። ብጀካ እቲ ድሮ ዝተሰረተ መሰረት፥ ንሱ ኸዓ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፥ ካልእ መሰረት ክሰርት ዝኽእል ሓደ እኳ የለን። ሕዚ ሓደ ሰብ ኣብቲ መሰረት ብወርቂ፥ ብሩር፥ ክቡር ኣእማን፥ ዕንፀይቲ፥ ሳዕሪ ወይ ሓሰር እንተ ነደቐ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ክግለፅ እዩ፥ እታ መዓልቲ ኽትገልፆ እያ እሞ፤ ብሓዊ ስለ ዝግለፅ ድማ፥ እቲ ሓዊ ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስራሕ ከመይ ዝበለ ምዃኑ ክፍትኖ እዩ። ሓደ ሰብ ዝነደቖ ስራሕ እንተ ፀንሐ፥ ዓስቡ ክወስድ እዩ። ናይ ሓደ ሰብ ስራሕ እንተ ተቓፀለ፥ ክሳራ ክወርድ እዩ፤ ንሱ ባዕሉ ግና ከም ብሓዊ ዝሓለፈ ኾይኑ ክድሕን እዩ።

ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኣቦና ምዃንኩምን መንፈስ ኣቦና ኣባኻትኩም ከም ዝሓድርንዶ ኣይትፈልጡን? ሓደ ሰብ ንቤተ መቕደስ ኣቦና እንተ ኣጥፍአ፥ ኣቦና ንእኡ ከጥፍኦ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣቦና ቅዱስ እዩ እሞ፤ እታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ድማ ንስኻትኩም ኢኹም።

ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይታለል። ካብ መንጎኹም ሓደ ሰብ ኣብዚ ዘመን እዚ ለባም ምዃኑ ዝሓስብ እንተ ኾይኑ፥ ለባም ምእንቲ ክኸውን፥ ዓሻ ይኹን። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ዕሽነት እዩ እሞ። “ንለባማት ብተንኰሎም ይሕዞም” ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ ከምኡውን “ኣቦና ሓሳባት ለባማት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ” ይብል ኣሎ። ስለዙይ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። ኵሉ ነገር ናትኩም እዩ እሞ፥ ጳውሎስ ኮነ ኣጶሎስ ወይ ኬፋ፥ ዓለም ኮነ ህይወት ወይ ሞት፥ ዘሎ ኮነ ዝመፅእ፥ ኵሉ ናትኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ናይ ክርስቶስ ኢኹም፥ ክርስቶስ ከዓ ናይ ኣቦና እዩ።