ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብዘይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ካልእ የለን

ጳውሎስ ኮነ ኢሉ፥ ብዘይ መሳጢ ቃላት፥ ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ጥራሕ ሒዙ መፀ፤ እዙይ ከዓ እምነቶም ኣብ ጥበብ ተዛራባይ ዘይኮነ፥ ኣብ ሓይሊ ኣቦና ምእንቲ ኽትምርኰስ እዩ። እታ ዝምህራ ጥበብ ተሰዊራ ዝነበረት፥ ቕድሚ ዘመናት ምጅማሩ ዝተመደበት እያ፤ መንፈስ ኣቦና ምስ ገለፃ ጥራሕ ከዓ ትፍለጥ።

ምዕራፍ 2።

ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ነቲ ምስክርነት ኣቦና ብዝተማዕረገ ቃላት ወይ ብጥበብ ኣይሰበኽኩኹምን። ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ብዘይ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንሱ ኸዓ እቲ ዝተሰቕለ፥ ካልእ ሓደኳ ኸይፈልጥ ወሲነ ነይረ እየሞ። ኣነ ኸዓ ናባኻትኩም ብድኻምን ብፍርሓትን ብብዙሕ ራዕድን መፃእኹ። ቃለይን ስብከተይን ብመሳጢ ቃላት ጥበብ ዘይኮነ፥ ብምስክር መንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ደኣ ነበረ፤ እዙይ ድማ እምነትኩም ኣብ ጥበብ ሰብ ዘይኮነ፥ ኣብ ሓይሊ ኣቦና ምእንቲ ኽትምርኰስ እዩ።

ንሕና ግና ኣብ ማእኸል እቶም ፍፁማት ጥበብ ንዛረብ ኢና፤ እዚኣ ግና ናይዝ ዘመን እዙይ ጥበብ፥ ወይ ናይ ኣሕሉቕ እዝ ዘመን እዙይ፥ ናይ እቶም ዝሰዓሩ ዘለዉ ኣይኮነትን። ጥበብ ኣቦና ደኣ ኢና እንዛረብ፤ ንሳ ኸዓ እታ ኣቦና ቕድሚ ዘመናት ምጅማሩ ንኽብርና ዝመደባ፥ እታ ተሰዊራ ዝነበረት ምስጢር እያ። ካብ ኣሕሉቕ እዝ ዘመን እዙይ ሓደኳ ኣይፈለጦን፤ እንተ ዝፈልጥዎ ነይሮም፥ ንጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። ከምቲ ዝተፅሓፈ፦ “እቲ ዓይኒ ዘይረአዮ፥ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ኣብ ልቢ ሰብ ዘይተሓሰበ፥ ኣቦና ነቶም ዘፍቅርዎ ዘዳለዎ ነገር እዙይ እዩ።”

ኣቦና ግና ብመንፈሱ ገሊፁልና እዩ፤ እቲ መንፈስ ንዅሉ ይምርምር እዩ እሞ፥ ዕምቈት ኣቦና እኳ ይምርምር። ብዘይ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መንፈሱ፥ ሓሳባት ሰብ መን ይፈልጦ? ከምኡ ድማ ብዘይ መንፈስ ኣቦና፥ ሓሳባት ኣቦና ዝፈልጥ ሓደኳ የለን። ንሕና ነቲ መንፈስ ዓለም ዘይኮነ፥ ነቲ ኻብ ኣቦና ዝኾነ መንፈስ ደኣ ተቐቢልና፤ እዙይ ድማ እቲ ኣቦና ብልግሲ ዝሃበና ምእንቲ ኽንፈልጥ እዩ። እዙይ ድማ ጥበብ ሰብ ብዝምህሮ ቃላት ዘይኮነ፥ መንፈስ ብዝምህሮ ቃላት ደኣ ኢና እንዛረቦ፤ ንመንፈሳውያን ሰባት መንፈሳዊ ነገር እናገለፅናሎም። እቲ መንፈስ ዘይብሉ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ ኣቦና ዝመፅእ ኣይቅበሎን፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፤ ብመንፈስ ምስትውዓል ስለ ዝፍለጥ ከዓ ክርድኦ ኣይኽእልን እዩ። እቲ መንፈሳዊ ሰብ ግና ንዅሉ የስተውዕል፤ ባዕሉ ግና ብሓደ እኳ ኣይፍረድን። ከመይሲ፦ “ንሓሳብ ኣቦና ፈሊጡ ዝምህሮ መን ኣሎ?” ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣለና።