ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ይፅሕፍ
ጳውሎስ ኣብ ሓንቲ እትቃለስ ሓዳሽ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምፍልላይ፥ ስርዓት ኣልቦነትን ስነ ምግባራዊ ዕግርግርን ይምልከት—ነታ ቤተ ክርስቲያን ድማ እቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዝዓበየ ምዕራፋ ይህባ።
1 1ብፍቓድ ኣቦና ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተፀውዐ ጳውሎስን፥ ሶስቴንስ ሓውናን፥ 2ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣቦና፥ ነቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተቐደሱ፥ ቅዱሳን ክኾኑ ዝተፀውዑ፥ ምስቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ጐይታኦምን ናትናን። 3ካብ ኣቦናን፥ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ብፀጋ ኣቦና ምስጋና
4በቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኣቦና ዝሃበኩም ፀጋ ምኽንያት፥ ብዛዕባኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንኣቦይ አመስግኖ ኣለኹ። 5ብዅሉ ነገር፥ ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን፥ ብእኡ ሃብታማት ኴንኩም ኢኹም እሞ፥ 6ከምቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝኾነ ምስክርነት ኣባኻትኩም ዝፀንዐ፥ 7ስለዙይ ምግላፅ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሃንቀውታ እናተፀበኹም፥ ሓንቲ ውህብቶ እኳ ኣይጐድለኩምን እዩ፤ 8ንሱ ኸዓ ኣብ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነውሪ ዘይብልኩም ኮይንኩም፥ ክሳዕ መወዳእታ ፅኑዓት ገይሩ ኽሕልወኩም እዩ። 9ኣቦና እሙን እዩ፤ ንሱ ድማ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ናብ ዕሙቕ ሕብረት ዝፀወዓኩም እዩ።
እታ ስድራ ሓደ ክትከውን ኣለዋ
10ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እልምነኩም ኣለኹ፤ ኵላትኩም ተሰማምዑ፤ ፍልልይ ኣይፈላልይኹም፥ ደኣ ብሓደ ሓሳብን ብሓደ ዕላማን ተሓበሩ። 11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣባኻትኩም ባእሲ ኸም ዘሎ፥ ሰብ ክሎኤ ነጊሮምኒ እዮም እሞ። 12ነዙይ ከዓ እብል ኣለኹ፦ ነፍሲ ወከፍኩም “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ”፥ “ኣነ ናይ ኣጶሎስ እየ”፥ “ኣነ ናይ ኬፋ እየ”፥ “ኣነ ናይ ክርስቶስ እየ” ይብል ኣሎ። 13ክርስቶስዶ ተመቒሉ? ጳውሎስዶ ምእንታኻትኩም ተሰቒሉ? ወይ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም? 14ብዘይ ቅርስጶስን ጋይዮስን፥ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ስለ ዘየጠመቕኩ፥ ንኣቦና አመስግኖ ኣለኹ። 15ሓደ እኳ ብስመይ ከም ዝተጠመቕኩም ምእንቲ ኸይብል። 16ንስድራ ስጢፋኖስውን ኣጠሚቐ እየ፤ ብዘይ እዙይ ግና ካልእ ሰብ እንተ ኣጠመቕኩ ኣይፈልጥን እየ። 17ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፥ ከጥምቕ ኣይለኣኸንን፤ መስቀል ክርስቶስ ሓይሉ ምእንቲ ኸይጠፍእ ከዓ፥ ብቓል ጥበብ ሰብ ኣይኮነን።
ሓይሊ መስቀል
18እቲ ቓል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፤ ንዓና ነቶም እንድሕን ዘለና ግና ሓይሊ ኣቦና እዩ።
19ከምዙይ ኢሉ ተፂሑ ኣሎ እሞ፦ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ልቦና ለባማትውን ከወግድ እየ።”
20እቲ ጠቢብ ኣበይ ኣሎ? እቲ ምሁር ኣበይ ኣሎ? ተማጓታይ እዝ ዘመን እዙይ ኣበይ ኣሎ? ኣቦናዶ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዓሻ ኣይገበራን? 21በቲ ጥበብ ኣቦና ዓለም ብናይ ባዕላ ጥበብ ንእኡ ስለ ዘይፈለጠ፥ ነቶም ዝኣምኑ በቲ ዕሽነት ስብከትና ኼድሕን ፈተወ። 22ኣይሁድ ትእምርቲ ይደልዩ፥ ግሪካውያን ከዓ ጥበብ ይደልዩ እዮም እሞ፥ 23ንሕና ግና ነቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና፤ እዙይ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት እዩ፤ 24ነቶም ዝተፀውዑ ግና፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን፥ ክርስቶስ ሓይሊ ኣቦናን ጥበብ ኣቦናን እዩ። 25እቲ ዕሽነት ኣቦና ኻብ ጥበብ ሰብ ዝበልፅ እዩ፤ እቲ ድኻም ኣቦናውን ካብ ሓይሊ ሰብ ዝሕይል እዩ እሞ።
26ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ነቲ ፀዋዕታኹም ርአዩ፤ ከም መዐቀኒ ሰብ ብዙሓት ጠቢባን፥ ብዙሓት ሓያላት፥ ብዙሓት ካብ ክቡር ዓሌት ዝተወለዱ ኣይተፀዋዕኩምን። 27ኣቦና ግና ንጠቢባን ኼሕፍሮም ኢሉ ነቲ ዓሻ ዓለም ሓረየ፤ ኣቦናውን ንሓያላት ኼሕፍሮም ኢሉ ነቲ ድኹም ዓለም ሓረየ፤ 28ኣቦና ድማ ነቲ ዘሎ ኸትርፎ ኢሉ፥ ነቲ ሕሱርን ንዑቕን ዓለም፥ ነቲ ዘየሎ ሓረየ፤ 29ሓደ እኳ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ምእንቲ ኸይምካሕ። 30ካብኡ ተበጊስኩም ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ኢኹም፤ ንሱ ኸዓ ካብ ኣቦና ጥበብና፥ ፅድቅናን ቅድስናን ቤዛናን ኮይኑ ኣሎ፤ a a v30 ኣብ ክርስቶስ ኮይኑ፥ ኣቦ ዘድልየና ዅሉ ይህበና - ክርስቶስ ባዕሉ ጥበብና፥ ፅድቅና፥ ቅድስናን ናፅነትናን ይኸውን። እታ ውህብቶ ሰብ እያ። 31ስለዙይ ከምቲ ተፂሑ ዘሎ፥ “እቲ ዝምካሕ፥ ብጐይታ ይመካሕ።”