ፍቕሪ ልዕሊ ፍልጠት
ኣመንቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ስጋ ክበልዑ ይፍቀደሎምዶ? ጣዖት ከንቱ እዩ፥ ኵሉ ነገር ካብኡ ዝመፅእ ሓደ ኣቦ ድማ ኣሎ። ፍልጠት ግና የዕቢ፥ ፍቕሪ ኸዓ ተሃንፅ፦ ምብላዑ ነቲ ክርስቶስ ስለኡ ዝሞተ ሓው እንተ ኣጥፍኦ፥ ጳውሎስ ደጊም ፈፂሙ ስጋ ኣይበልዕን።
8 1ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምግቢ፥ ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት የዕቢ፥ ፍቕሪ ግና ተሃንፅ። 2ሓደ ሰብ ገለ ነገር ዝፈልጥ ኮይኑ እንተ መሰሎ፥ ገና ከምቲ ክፈልጥ ዝግብኦ ኣይፈለጠን። 3ሓደ ሰብ ንኣቦና ዘፍቅር እንተ ኾይኑ ግና፥ ንሱ ብእኡ ይፍለጥ እዩ።
4ብዛዕባ እቲ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምግቢ ምብላዕ፥ ጣዖት ኣብ ዓለም ከንቱ ከም ዝኾነ፥ ብዘይ ሓደ ድማ ካልእ ኣቦ ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና። 5ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዝበሃሉ እንተ ሃለዉ እኳ፥ ብሓቂ ብዙሓት “ኣማልኽቲ”ን ብዙሓት “ጐይቶት”ን ኣለዉ። 6ንዓና ግና፥ ሓደ እግዚኣብሄር ኣሎ፥ ንሱ ኸዓ ኣቦና እዩ፤ ኵሉ ነገር ካብኡ እዩ፥ ንሕናውን ንእኡ ኢና እንነብር፤ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣሎ፥ ኵሉ ነገር ብእኡ እዩ፥ ንሕናውን ብእኡ ኢና እንነብር። a a v6 ኣብዙይ ጳውሎስ ንኣቦን ንወልድን ጎድኒ ንጎድኒ የቐምጦም፦ እቲ ሓደ እግዚኣብሄር ኣቦና እዩ፥ ምንጪ ኵሉ ነገር፤ እቲ ሓደ ጐይታ ኸዓ ኢየሱስ እዩ፥ ኵሉ ነገር ብእኡ ዝኾነ።
7እዝ ፍልጠት እዙይ ግና ኵሉ ሰብ የብሉን። ገሊኦም ክሳዕ ሕዚ ብጣዖታት ለሚዶም ስለ ዘለዉ፥ ነዝ ምግቢ እዙይ ብሓቂ ንጣዖት ከም ዝተሰውአ ገይሮም ይበልዑ፤ ድኹም ሕሊናኦምውን ይረክስ። 8ምግቢ ናብ ኣቦና ኣየቕርበናን እዩ። እንተ ዘይበላዕና ዝገደደ ኣይኮንናን፥ እንተ በላዕናውን ዝበለፀ ኣይኮንናን። 9እዝ መሰልኩም እዙይ ግና፥ ብዝኾነ መገዲ ነቶም ድኹማት መዐንቀፊ ኸይኸውን ተጠንቀቑ። 10ሓደ ሰብ ንኣኻ፥ እቲ ፍልጠት ዘለካ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ክትበልዕ እንተ ረአየካ፥ እቲ ድኹም ሕሊናኡ ንጣዖታት ዝተሰውአ ምግቢ ንኽበልዕ ኣይድፈርን'ዶ? 11ስለዙይ ብናትካ ፍልጠት እዝ ድኹም ሰብ እዙይ ይጠፍእ፤ እቲ ክርስቶስ ስለኡ ዝሞተ ሓው። 12ከምዙይ ገይርኩም ኣብ ኣሕዋትኩም ሓጢኣት ክትገብሩ እንተለኹም፥ ድኹም ሕሊናኦምውን ክተቑስሉ እንተለኹም፥ ኣብ ክርስቶስ ኢኹም ሓጢኣት እትገብሩ። 13ስለዙይ ምግቢ ንሓወይ ዘዐንቅፎ እንተ ኾይኑ፥ ንሓወይ ከይ ኣዐንቅፎ፥ ከቶ ደጊም ስጋ ኣይበልዕን እየ።