ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ንጥበብ ኣፅኒዕካ ሓዛ

ሓደ ኣቦ ካብ መስኮቱ እናጠመተ ዝረኣዮ ይነግር። ኣእምሮ ዝጎደሎ ጐበዝ ኣብ ኣጋ ምሸት ናብ ሓንቲ ፍልይቲ ገዛ ይኸይድ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ትቕበሎ፥ ንሳ መደባ ገይራ ሰብኣያ ኸም ዝረሓቐ ትፈልጥ። ከም ናብ ሕረዳ ዝኸይድ ብዕራይ ይስዕባ።

ምዕራፍ 7።

ወደይ፥ ንቃላተይ ሓልዎ፤ ንትእዛዛተይ ድማ ኣብ ውሽጥኻ ኣክብ።

ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ንበር፤ ንትምህርተይ ድማ ከም ብሌን ዓይንኻ ሓልዎ። ኣብ ኣፃብዕትኻ እሰሮ፤ ኣብ ፅላት ልብኻ ድማ ፅሓፎም።

ንጥበብ “ንስኺ ሓፍተይ ኢኺ” በላ፤ ንምስትውዓል ድማ ናይ ቀረባ ፈታዊትካ ኢልካ ፀውዓ፤ ካብታ እተኽልክል ሰበይቲ፥ ካብታ ብልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽትሕልወካ።

ኣብ መስኮት ገዛይ ኮይነ፥ በቲ ዓይኒ ርግቢ ናብ ታሕቲ ጠመትኩ፤ ኣብ ማእኸል ገርህታት ረአኹ፤ ኣብ ማእኸል ኣጓብዝ ድማ ኣስተብሃልኩ፤ ኣእምሮ ዝጐደሎ ጐበዝ ድማ ረአኹ። በቲ ኣብ ጥቓ መኣዝን ገዛኣ ዘሎ ኣደባባይ እናሓለፈ፥ ናብ ገዛኣ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ፥ ኣብ ፅልግልግ፥ መዓልቲ እናዓረበት፥ ብፀልማት ለይትን ጣቓን።

እንሆ ድማ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ክትቅበሎ መፀት፤ ከም ኣመንዝራ ተኸዲና፥ ኣብ ልባ ድማ ተንኰል ሒዛ ነበረት። ዓያዪትን ተረርትን እያ፤ ኣእጋራ ኣብ ገዛ ኣይፀንሓን እየን። ሓንሳእ ኣብ ኣደባባይ፥ ሓንሳእ ኣብ ጎደናታት፥ ኣብ ኵሉ መኣዝን ትሕባእ። ሓዘቶ ድማ ሰዓመቶ፤ ገፃ ኣትሪራ ኸዓ ከምዙይ በለቶ፦

“ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና ነበረኒ፤ ሎሚ ድማ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ። a a v14 መስዋእቲ ምስጋና ኸም ድግስ ተማቒሉ ይብላዕ ነበረ፤ ንሳ ድማ ኣብ ገዛ ድሉው ብልዒን ዝኽበረሉ ምኽንያትን ከም ዘለዋ ማለታ እዩ። ስለዙይ ክቕበለካ ወፂአ፥ ኣበርቲዐ ኽደልየካ፥ ረኺበካ ድማ ኣለኹ። ንዓራተይ ብምንፃፍ ኣንፂፈዮ፥ ብሕብራዊ ፍታል ግብፂ ድማ። ንዓራተይ ብኸርበ ኣጨነኽዎ፥ ብዕረታትን ብቓርፋን። ንዓ፥ ክሳዕ ንግሆ ብፍቕሪ ንፅገብ፤ ብፍቕሪ ድማ ንተሓጓጎስ። ሰብኣየይ ኣብ ገዛ የለን፤ ናብ ርሑቕ መንገዲ ኸይዱ እዩ እሞ። ኸረጢት ገንዘብ ምስኡ ወሲዱ፥ ክሳዕ ምልእቲ ወርሒ ድማ ናብ ገዛ ኣይምለስን እዩ።”

ብብዝሒ ዘረባኣ ኣዘንበለቶ፤ ብልዙብ ከናፍራ ድማ ሰሓበቶ። ብኡብኡ ኸዓ ሰዓባ፤ ከም ናብ ሕረዳ ዝኸይድ ብዕራይ፥ ከም ናብ መፈንጠር ዝረግፅ እራብ፥ ክሳዕ ፍላፃ ነቲ ጸላም ከብዱ ዝስቈሮ፤ ከምቲ ናብ መፃወድያ ዝነጥር ዑፍ፥ ንህይወቱ ኸም ዘጥፍኣ ኣይፈልጥን እዩ።

እምበኣር ኦ ደቀይ፥ ስምዑኒ፥ ነቲ ዝብሎ ድማ ኣቕልቡ። ልብኻ ናብ መንገዳ ኣይዘንብል፤ ኣብ ጐደናኣ ድማ ኣይትዀለል። ንብዙሓት ተጐዳእቲ ኣውዲቓቶም እያ እሞ፤ ቅቱላታ ብዙሕ ጭፍራ እዮም። ገዛኣ ናብ መቓብር ዘብፅሕ መንገዲ እዩ፤ ናብ ክፍልታት ሞት ድማ ይወርድ።