ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ትሕጃን መብፅዓን

ኣርባዕተ ዘይተኣሳሰሩ መጠንቀቕታታት። ካብ ህፁፅ ትሕጃ ንብፃይ ብኡንብኡ ውፃእ። ካብ ዓራትካ ክትትስእ እንተ ዘይከኣልካ ንጻፃ ተመልከት። ካብ ክፉእ ሰብ ብዓይኑ ዝጥምዝዝን ብኣፃብዑ ዘመልክትን ተጠንቀቕ። ኣቦና ዝፀልኦ ሸውዓተ ነገር። ሽዑ ድማ ዝሙት ከም ኣብ ውሽጢ ክዳንካ ዝተሓዘ ሓዊ።

ምዕራፍ 6።

ወደይ፥ ንብፃይካ ትሕጃ እንተ ኣእቲኻ፥ ንጓና ኢድካ ብምሃብ መብፅዓ እንተ ኣትዊካ፥ ብቓል ኣፍካ ተፀሚድካ፥ ብቓል ኣፍካ ተታሒዝካ ኣለኻ። እምበኣር ወደይ፥ ሕዚ ኣብ ኢድ ብፃይካ ስለ ዝኣቶኻ፥ ነፍስኻ ምእንቲ ኸተናግፍ ከምዙይ ግበር፦ ኪድ፥ ትሕት በል፥ ንብፃይካ ድማ ለምን። ንኣዒንትኻ ድቃስ፥ ነሽፋሕ ዓይንኻ ኸዓ ቅልማሽ ኣይትሃቦ። ከም ሰስሓ ኻብ ኢድ፥ ከም ዒፍ ካብ ኢድ ሃዳናይ፥ ነፍስኻ ኣናግፍ።

ኣታ ህኩይ፥ ናብ ጻፃ ኪድ፤ መንገዳ ተመልከት፥ ለባም ድማ ኩን። ንሳ ዝኾነ ሓለቓ፥ ሹም፥ ወይ ገዛኢ ዘይብላ ኽነሳ፥ እንጀራ ብሓጋይ ተዳሉ፥ ብዒ ኸዓ ምግቢ ትእክብ።

ኣታ ህኩይ፥ ክሳዕ መዓዝ ኢኻ ኣብኡ እትድቅስ? ካብ ድቃስካ መዓዝ ኢኻ እትትስእ? ቑሩብ ድቃስ፥ ቑሩብ ቅልማሽ፥ ቑሩብ ኣእዳው ኣጣሚርካ ምዕራፍ፥ ድኽነት ከም ጕሒላ፥ ስእነትውን ከም ዕጡቕ ሰብኣይ ኣባኻ ኽመፅእ እዩ።

ዋጋ ዘይብሉ ሰብ፥ ክፉእ ሰብኣይ፥ ብጠዋይ ዘረባ ይመላለስ፥ ብኣዒንቱ ይጥምዝዝ፥ ብኣእጋሩ ይጠቕስ፥ ብኣፃብዑ ኸዓ የመልክት፥ ብጠዋይ ልቡ ኽፍኣት ይሓስብ፥ ንቑይቝ ድማ ዅልሻዕ ይዘርእ፤ ስለዙይ ጥፍኣት ብድንገት ኣብኡ ኽመፅእ እዩ፤ ብቕፅበት ዓይኒ ኸዓ ዘይፍወስ ኮይኑ ኽስበር እዩ።

ኣቦና ዝፀልኦ ሽዱሽተ ነገር ኣሎ፥ ንእኡ ኸዓ ፅዩፍ ዝኾነ ሸውዓተ፦ ዕቡያት ኣዒንቲ፥ ሓሳዊ ልሳን፥ ንፁህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፥ ክፉእ ሓሳብ ዝሓስብ ልቢ፥ ናብ ክፍኣት ክጐዪ ዝቕልጥፉ ኣእጋር፥ ሓሶት ዝነፍሕ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ቑይቝ ዝዘርእ ድማ እዩ።

ቃል ኣቦኻ፥ ዋልታኻ

ወደይ፥ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓሉ፥ ትምህርቲ ኖኻ ኸዓ ኣይትሕደጎ። ኣብ ልብኻ ዅልሻዕ እሰሮም፤ ኣብ ክሳድካ ኸዓ ኣንጠልጥሎም። እንትትከይድ ይመርሑኻ፤ እንትትድቅስ ይሕልዉኻ፤ እንትትትስእ ከዓ ይዛረቡኻ። እቲ ትእዛዝ ቀንዴል፥ እቲ ትምህርቲ ኸዓ ብርሃን እዩ እሞ፥ ተግሳፅ መቕፃዕቲ ኸዓ መንገዲ ህይወት እዩ፥ ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፥ ካብ ልሙፅ ልሳን እታ ዘማዊት ምእንቲ ኽትዕቀብ።

ኣብ ልብኻ ፅባቔኣ ኣይትመነ፥ ብቑሉሕ ዓይና ድማ ኣይትተማረኽ፤ ዋጋ ኣመንዝራ ሓንቲ ቕጫ እንጀራ ጥራሕ እዩ እሞ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ ግና ክብርቲ ነፍሲ ትሃድን። ሰብ ሓዊ ኣብ ሕቑፉ ሒዙ ኽዳኑ ኸይነድድ ይኽእል ድዩ? ወይ ሰብ ኣብ ርሱን ጓህሪ ኸይዱ ኣእጋሩ ኸይ ይጥበስ ይኽእል ድዩ? እቲ ምስ ሰበይቲ ብፃዩ ዝድቅስ ድማ ከምኡ እዩ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ብዘይ ቅፅዓት ኣይተርፍን እዩ።

ሓደ ሰራቒ ጥሚኡ ነፍሱ ምእንቲ ኸፅግብ እንተ ሰረቐ፥ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ፥ እንተ ተታሒዙ ግና፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ኽኽሕስ እዩ፤ ኵሉ ጥሪት ገዛኡ ኸዓ ክህብ እዩ። እቲ ዝዘመወ ሰብ ኣእምሮ የብሉን፤ እቲ ነዙይ ዝገብር ድማ ንነፍሱ የጥፍእ። ቍስልን ነውርን ድማ ይረክብ፤ ሕፍረቱ ኸዓ ኣይድመስስን እዩ።

ቅንኢ ንሰብኣይ የመና የቘጥዖ እዩሞ፥ ብመዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ምሕረት ኣይገብርን እዩ። ዝኾነ ካሕሳ ኣይቕበልን፤ ጉቦ ክንደይ እኳ እንተ ዓበየ ኣይቕበሎን እዩ።