ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ውሉድ ኣብ ልዕሊ ኣቦኦም ዓለዉ

እስራኤል ናብ ግብፂ ክምለስ በኸየ፤ ኣቦኦም ከዓ ድሕሪ እቲ ዅሉ ዘርኣዮም፥ ንዕቐት ኢሉ ፀውዖ። ሙሴ ብባህርዩ ተኣማሚኑ — ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ — ለመነ፤ ይቕረ ኸዓ ረኸበ፥ እቲ ወለዶ እቲ ግና ኣብ በረኻ ክመውት እዩ።

ምዕራፍ 14።

ኵሉ እቲ ማሕበር ድማ ድምፆም ኣልዒሎም ዓው በሉ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ በታ ለይቲ እቲኣ በኸዩ። ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፤ ኵሉ እቲ ማሕበር ከዓ “ኣብ ምድሪ ግብፂ እንተ ንመውት ኔርና! ወይ ከዓ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ እንተ ንመውት ኔርና! በልዎም። ኣቦና ብሰይፊ ምእንቲ ኽንወድቕ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ስለምንታይ የእትወና ኣሎ? ኣንስትናን ደቅናን ምርኮ ክኾኑ እዮም። ናብ ግብፂ እንተ ተመለስና ይሕሸናዶ ኣይኮነን?” ነንሕድሕዶም ድማ “መራሒ ሺምና ናብ ግብፂ ንመለስ” ተበሃሃሉ።

ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ኵሉ ማሕበር ህዝቢ እስራኤል ብገፆም ተደፊኦም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ።

ካብቶም ነታ ምድሪ ዝሰለሉ ዝነበሩ፥ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ክዳውንቶም ቀደዱ። ንዅሉ ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ ከምዙይ በልዎም፦ “እታ ሓሊፍና ዝሰለናያ ምድሪ፥ የመና ፅብቕቲ እያ። ኣቦና ብኣና እንተ ተሓጒሱ፥ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኼእትወና፥ ነዛ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸዓ ክህበና እዩ። ኣብ ልዕሊ ኣቦና ጥራሕ ኣይትዓልዉ፤ ነቶም ህዝቢ እታ ምድሪ ኸዓ ኣይትፍርሕዎም፤ ንሳቶም ምግብና እዮም እሞ። ፅላሎም ሐዲግዎም እዩ፤ ኣቦና ኸዓ ምሳና እዩ። ኣይትፍርሕዎም።”

ኵሉ እቲ ማሕበር ድማ ንኢያሱን ንካሌብን ብእምኒ ክቕጥቅጥዎም ተዛረቡ። ሽዑ ክብሪ ኣቦና ኣብ ድንኳን ምርኻብ ንኵሎም ደቂ እስራኤል ተገልፀ።

ኣቦና ድማ ንሙሴ ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ህዝቢ እዙይ ክሳዕ መዓዝ ክንዕቀኒ እዩ? በቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ዅሉ ምልክታት ከይተረፈ፥ ክሳዕ መዓዝ ብኣይ ዘይኣምን? ብፌራ ኽወቕዖም፥ ርስቶም ድማ ከሕድጎም እየ፤ ንኣኻ ኸዓ ካብኣቶም ዝዓበየን ዝሓየለን ህዝቢ ኽገብረካ እየ።”

ሙሴ ናብ ኣቦ ይምህለል

ሙሴ ግና ንኣቦና ከምዙይ በሎ፦ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ካብ ማእኸሎም ብሓይልኻ ኣውፂእካዮ ኢኻ እሞ፥ ግብፃውያን ክሰምዕዎ እዮም፤ ንሳቶም ከዓ ነቶም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ሰባት ክነግርዎም እዮም። ንስኻ ኣቦና ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ከም ዘለኻ፥ ንስኻ ኣቦና ገፅ ንገፅ ከም እትርአ፥ ደበናኻ ኣብ ልዕሊኦም ደው ከም ዝብል፥ ብመዓልቲ ብዓምዲ ደበና፥ ብለይቲ ኸዓ ብዓምዲ ሓዊ ኣብ ቅድሚኦም ከም እትኸይድ ሰሚዖም እዮም። ነዝ ህዝቢ እዙይ ብሓንሳእ እንተ ቐቲልካዮ፥ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ ከምዙይ ክብሉ እዮም፦ ‘እግዚኣብሄር ነዝ ህዝቢ እዙይ ናብታ መሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ሓረዶም።’ ሕዚ ኸዓ፥ በይዛኻ፥ ከምቲ እተዛረብካዮ፥ ሓይሊ ጐይታይ ኣቦ ዓብዪ ይኹን፤ ከምዙይ ኢልካ ኢኻ፦ ‘ኣቦና ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ዓመፅን በደልን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቆም ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዘምፅእ እዩ።’ በይዛኻ፥ ከም ዕቤት ምሕረትካ፥ ከምቲ ኻብ ግብፂ ኽሳዕ ሕዚ ይቕረ ዝበልካሎም፥ ንበደል እዝ ህዝቢ እዙይ ይቕረ በለሉ።”

ኣቦና ድማ “ከም ቃልካ ይቕረ ኢለ ኣለኹ” በለ።

“ግና ብሓቂ፥ ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ብክብረይውን ኵላ ምድሪ ኸም እትመልእ፥ እቶም ክብረይን እቲ ኣብ ግብፅን ኣብ ምድረ በዳን ዝገበርክዎ ምልክታትን ዝረአዩ፥ እናሞ ዓሰርተ ጊዜ ዝፈተኑንን ቃለይ ዘይሰምዑን ኵሎም ሰባት፥ ነታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይክርእይዋን እዮም። ካብቶም ንኣይ ዝነዓቑ ሓደ እኳ ኣይክርእያን እዩ። ባርያይ ካሌብ ግና ካልእ መንፈስ ስለ ዘለዎን ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰዓበንን፥ ናብታ ዝኣተዋ ምድሪ ኸእትዎ እየ፤ ዘርኡ ኸዓ ክወርሳ እዩ። ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ኣብ ለሰታት ይነብሩ ኣለዉ። ፅባሕ ተመሊስኩም ናብ ምድረ በዳ፥ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣምርሑ።”

ኣቦና ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦

“እዝ ክፉእ ማሕበር እዙይ ክሳዕ መዓዝ ኣብ ልዕለይ ከጕረምርም እዩ? ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕለይ ዘጕረምርምዎ ሰሚዐ ኣለኹ። ንገሮም፦ ‘ኣነ ህያው ከም ዝኾንኩ፥ ይብል ኣቦና፥ ከምቲ ክትብሉ ዝሰማዕኩኹም ጌረ ክገብረኩም እየ፦

‘ሬሳታትኩም ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክወድቕ እዩ፤ ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዝተቘፀርኩም፥ ኣብ ልዕለይ ዘጕረምረምኩም ኵሉ ቑፅርኹም። ብዘይ ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ኢያሱ ወዲ ነዌን፥ ናብታ ኣብኣ ኸቕምጠኩም ዝመሓልኩላ ምድሪ ኻባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኣቱን እዩ። ነቶም ምርኮ ኽኾኑ እዮም ዝበልኩሞም ናእሽቱ ደቅኹም ግና ኸእትዎም እየ፤ ንሳቶም ድማ ነታ ንስኻትኩም ዝነዓቕኩማ ምድሪ ክፈልጥዋ እዮም። ንስኻትኩም ግና ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክትወድቑ ኢኹም። ደቅኹም ድማ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ሬሳኹም ኣብ ምድረ በዳ ዝወድቕ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ኮይኖም፥ ክሕደትኩም ክፆሩ እዮም። ከምቲ ነታ ምድሪ ዝሰለኹማ መዓልቲታት፥ ማለት ኣርብዓ መዓልቲ፥ ንሓንቲ መዓልቲ ሓደ ዓመት፥ ኣርብዓ ዓመት በደልኩም ክትፆሩ ኢኹም፤ ተቓውሞይ ከዓ ክትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ኣቦኹም ተዛሪበ ኣለኹ፦ ነዝ ኣብ ልዕለይ ዝተኣከበ ዅሉ ክፉእ ማሕበር እዙይ ብሓቂ ኸምዙይ ክገብሮ እየ፤ ኣብዝ ምድረ በዳ እዙይ ክውድኡ፥ ኣብኡ ኸዓ ክሞቱ እዮም።’”

እቶም ሙሴ ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ዝሰደዶም ሰባት፥ ብዛዕባኣ ክፉእ ነገር ብምንጋር ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ሙሴ ዘጕረምርም ገይሮም ተመለሱ። እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ነገር ዘምፅኡ ሰባት፥ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ብፌራ ሞቱ። ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፎኒን ግና፥ ካብቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ዝኸዱ ሰባት፥ ብህይወት ተረፉ።

ሙሴ ኸዓ ነዝ ቃላት እዙይ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ምስ ነገሮም፥ እቶም ህዝቢ የመና ሓዘኑ።

ኣንጊሆም ድማ ተሲኦም ናብ ርእሲ እቲ እምባ ደየቡ፤ “እንሆ ኣለና። ሓጢኣት ጌርና ኢና እሞ፥ ናብቲ ኣቦና ዝመባፅዐልና ቦታ ክንድይብ ኢና” ድማ በሉ።

ሙሴ ግና “ስለምንታይ ሕዚ ትእዛዝ ኣቦና ትሓልፉ ኣለኹም? ኣይቅንዐኩምን እዩ። ኣቦና ኣብ ማእኸልኩም የለን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ከይትውቅዑ፥ ኣይትደይቡ። ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ኣብኡ ኣብ ቅድሜኹም ኣለዉ እሞ፥ ብሰይፊ ክትወድቁ ኢኹም። ካብ ምስዓብ ኣቦና ስለ ዝተመለስኩም፥ ምሳኹም ኣይኸውንን እዩ።”

ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኰረብታ ኽድይቡ ደፈሩ፤ ታቦት ኪዳን ኣቦናን ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይተንቀሉን። ሽዑ እቶም ኣብቲ ኰረብታ ዝነብሩ ኣማሌቃውያንን ከነዓናውያንን ወሪዶም ወቒዖም፥ ክሳዕ ሔርማ ቀጥቀጥዎም።