መዓልቲታተይ ትንፋስ ጥራሕ እየን
ኢዮብ ህይወቱ ምስ ናይ ባርያ ዕዮን ናይ ዕሱብ ዓስቡ ምፅባይን የመዓራርያ፦ ለይቲታት ምግልባጥ፥ ዝቕደድ ቘርበት። ስቕ ኣይብልን። ነቲ መዝሙር መሪር ገይሩ፥ እግዚኣብሄር ንሰብ ስለ ምንታይ ከምዙይ ኣፅኒዑ ኸም ዝዕዘቦ እናሓተተ፥ ዓይኑ ኸልዕል ይልምን።
7 1ሰብ ኣብ ምድሪ ኸቢድ ዕዮዶ የብሉን? መዓልቲታት ህይወቱ ከኣ ከም መዓልቲታት ዕሱብዶ ኣይኮናን? 2ከምቲ ፅላል ዝናፍቕ ባርያ፥ ከምቲ ዓስቡ ዝፅበ ዕሱብ ከኣ፥ 3ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱ ብዕፃ በፅሐኒ፥ ለይቲታት መከራ ከኣ ተመደበለይ። 4ክድቅስ ከለኹ፥ “መዓስ ክትስእ እየ?” እብል፤ እታ ለይቲ ግና ትነውሕ፥ ክሳዕ ወጋሕታ ኸኣ እናተገላበጥኩ ኣሕልፍ። 5ስጋይ ብሓሰኻን ብጭቃ ሓመድን ተኸዲኑ፤ ቘርበተይ ደሪቑ መሊሱ ይቕደድ። 6መዓልቲታተይ ካብ መወርወሪ ኣላማይ ይቕልጥፋ፥ ብዘይ ተስፋ ድማ ይውዳኣ። 7ህይወተይ ትንፋስ ጥራሕ ምዃና ዘክር፤ ደጊም ዝኾነ ፅቡቕ ኣይርእን እየ። 8እታ ሕዚ እትሪኣኒ ዓይኒ፥ ደጊም ኣይክትሪኣንን እያ፤ ኣዒንትኻ ኣባይ ክኾና እየን፥ ኣነ ግና የለኹን። 9ከምቲ ደመና ሃሲሱ ዝጠፍእ፥ ከምኡ እቲ ናብ መቓብር ዝወርድ ኣይድይብን። 10ናብ ቤቱ ደጊም ኣይምለስን፥ ቦትኡ ድማ ደጊም ኣይፈልጦን።
11ስለዙይ ኣፈይ ኣይዓፁን፤ ብጭንቀት መንፈሰይ ክዛረብ እየ፥ ብመሪር ነፍሰይ ከማርር እየ። 12ዘብዐኛ ኣብ ልዕለይ ክትገብረለይ፥ ኣነ ባሕሪ ወይ ገበል ባሕሪ ዲየ? 13“መደቀስየይ ከፅናንዐኒ፥ ዓራተይ መረረይ ከፋኹሰለይ እዩ” እንተ በልኩ፥ 14ሽዑ ብሕልምታት ተፍርሐኒ፥ ብራእይ ከኣ ተሸብረኒ፥ 15ነፍሰይ ካብዝ ኣካላተይ ንላዕሊ፥ ምሕናቕን ሞትን ትመርፅ። 16ይማስን ኣለኹ፤ ንዘለኣለም ኣይነብርን። መዓልቲታተይ ትንፋስ እየን እሞ፥ በይነይ ሕደገኒ።
17ሰብ እንታይ ኮይኑ እዩ ክሳዕ ክንድዙይ እተዕብዮ፥ ልብኻ ድማ ኣብ ልዕሊኡ እተንብር? 18ኵሉ ንግሆ እትበፅሖ፥ ኵሉ ቕፅበት ድማ እትፍትኖ? 19ክሳዕ መዓስ ዓይንኻ ካባይ ዘይተልዕል፥ ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥ ከ ዘይትሓድገኒ? 20ሓጢኣት እንተ ገበርኩ፥ ኣታ ተዓዛቢ ሰብ፥ እንታይ ገበርኩልካ? ስለ ምንታይ ዒላማኻ ጌርካኒ፥ ንባዕለይ ሸኽሚ ክሳዕ ዝኾነ? 21ስለ ምንታይ ሓጢኣተይ ይቕረ ዘይትብለለይ፥ በደለይ ድማ ዘይተልዕለለይ? ሕዚ ኣብ ሓመድ ክድቅስ እየ እሞ፥ ክትደልየኒ ኢኻ፥ ኣነ ግና የለኹን።