ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ኵሉ እስራኤል ንኣቦ ኣመስገነ

ሰሎሞን ንህዝቢ ባረኾ፥ ኣብ ናይ ነሓስ መድረኽ ተንበርኪኹ ድማ ፀለየ። ሰማይ እኳ ንኣቦኡ ኽሕዞ ኸም ዘይኽእል ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ሓንቲ ነገር ደጋጊሙ ለመነ፦ ኣዒንቱን ኣእዛኑን ናብዚ ቦታ ኽፉት ክኾኑ — ኣብ ስዕረት፥ ድርቂ፥ ጥሜትን ምርኮን።

ምዕራፍ 6።

ሽዑ ሰሎሞን ከምዙይ በለ፦ “ኣቦና ኣብ ፀሊም ደመና ኸም ዝነብር ተዛሪቡ እዩ። ኣነ ግና ልዕል ዝበለ ቤት ሃኒፀልካ ኣለኹ፥ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ።”

ሽዑ እቲ ንጉስ ተመሊሱ ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤል ባረኾ፤ ኵሎም ከዓ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን፤ ንሱ ነቲ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ዝተዛረቦ፥ ብኢዱ ፈፀሞ፤ ከምዙይ ኢሉ፦

‘ካብታ ንህዝበይ ካብ ግብፂ ዘውፃእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፥ ስመይ ኣብኣ ምእንቲ ኽኸውን ቤት ዝሰርሓላ ኸተማ ኻብ ኵሎም ነገድታት እስራኤል ኣይሓረኹን፤ ንህዝበይ እስራኤል ዝመልኽ ሰብውን ኣይሓረኹን። ግና ስመይ ኣብኣ ምእንቲ ኽኸውን ንኢየሩሳሌም ሓረኹ፤ ንህዝበይ እስራኤል ክመርሕ ከዓ ንዳዊት ሓረኹ።’

ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሕ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።

ግና ኣቦና ነቦይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ‘ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ብልብኻ ስለ ዝሓሰብካ፥ ከምዙይ ብምሕሳብካ ፅቡቕ ገበርካ። ግና ንስኻ ነታ ቤት ኣይክትሰርሓን ኢኻ፤ እቲ ኻብ ከብድኻ ዝወፅእ ወድኻ፥ ንሱ ንስመይ ነታ ቤት ክሰርሕ እዩ።’

ሕዚ ኸዓ ኣቦና ነቲ ዝተዛረቦ ቃል ፈፀሞ፤ ከምቲ ዝተዛረቦ፥ ኣነ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ ኣብ ዙፋን እስራኤል ተቐሚጠ፥ ንስም ኣቦና ኣምላኽ እስራኤል ድማ ነታ ቤት ሃኒፀ ኣለኹ። ኣብኣ ኸዓ ነታ ኣቦና ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን ዝሓዘት ታቦት ኣንበርኩ።”

ሰሎሞን ንቤት ኣቦ ብፀሎት ወፈየ

ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ጉባኤ እስራኤል፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቦና ደው ኢሉ ኣእዳዉ ዘርግሐ። ሰሎሞን ነዊሕኡ ሸውዓተን ፈረቓን ጫማ፥ ገፊሕኡ ሸውዓተን ፈረቓን ጫማ፥ ላዕሉ ኸዓ ኣርባዕተን ፈረቓን ጫማ ዝኸውን ናይ ነሓስ መድረኽ ሰሪሑ፥ ኣብ ማእኸል እቲ ኣፀድ ኣንበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ጉባኤ እስራኤል ተንበርኪኹ፥ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። ከምዙይ ድማ በለ፦ ኦ ኣቦይ፥ ኣምላኽ እስራኤል! ነቶም ብምሉእ ልቦም ኣብ ቅድሜኻ ዝኸዱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ንኣኻ ዝመስል ኣቦ የለን። ነቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ዝኣተኻሉ ቃል ሓለኻዮ፤ ነቲ ብኣፍካ ዝተዛረብካዮ ኸዓ፥ ሎሚ ብኢድካ ፈፀምካዮ።

ሕዚ ኸዓ ኦ ኣቦይ፥ ኣምላኽ እስራኤል! ነቲ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት ዝኣተኻሉ ቃል ሓልወሉ፤ ንስኻ ከምዙይ ኢልካ ኢኻሞ፦ “ደቅኻ፥ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ዝተኸድካዮ፥ ብሕገይ ክኸዱ መንገዶም እንተ ሓልዮም፥ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዙፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣይክስእንን ኢኻ።” ሕዚ ኸዓ ኦ ኣቦይ፥ ኣምላኽ እስራኤል! እቲ ንባርያኻ ዳዊት ዝተዛረብካዮ ቃል ይፅናዕ።

ግናኸ ኣቦና ብሓቂዶ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር? እንሆ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ክፆሩኻ ኣይኽእሉን እዮም፤ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ኽንደይ ዘይትንእስ? a a v18 ሰሎሞን ኣቦና ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ማሕደሩ ክገብር ምዃኑ ተገረመ፤ እዙይ ናፍቖት ድማ፥ ወልድ ኣብ ማእኸልና ክነብር ምስ መፀ፥ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ኣቦና ምስ ውሉዱ ንዘለኣለም ክነብር እንተሎ፥ ምሉእ ብምሉእ መልሲ ረኺቡ እዩ። ኦ ኣቦይ፥ ናብ ፀሎት ባርያኻን ምህለላኡን ተመልከት፤ ነቲ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዝፅልዮ ኣውያትን ፀሎትን ስማዕ። ኣዒንትኻ ናብዛ ቤት እዚኣ ለይትን መዓልትን ክፉት ይኹን፤ ናብታ “ስመይ ኣብኣ ከንብር” ዝበልካያ ቦታ፤ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዝፅልዮ ፀሎት ክትሰምዕ። ናብዛ ቦታ እዚኣ እንተ ፀለዩ ኸዓ፥ ናብ ምህለላ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ስማዕ፤ ካብ ሰማይ፥ ካብ እትነብረላ ቦታ ስማዕ፤ ምስ ሰማዕኻ ኸዓ ይቕረ በል።

ሓደ ሰብ ኣብ ብፃዩ እንተ ሓጥአ፥ ክምሕል ከዓ እንተ ተገዲዱ፥ መፂኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ መሓለ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ግበርውን፤ ኣብ ባሮትካ ፍረድ፤ ነቲ በዳሊ ኸም ግብሩ ፈድዮ፥ ነቲ ፃድቕ ድማ ኣንፅሆ፥ ከም ፅድቁ ኸዓ ክፈሎ።

ህዝብኻ እስራኤል፥ ኣባኻ ብምሕጣኦም ብፀላእቶም እንተ ተሳዒሮም፥ መሊሶም ናባኻ ተመሊሶም ንስምካ እንተ ኣመስገኑ፥ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኸዓ ፀልዮም እንተ ለመኑኻ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ንሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሎም፥ ናብታ ንኣኣቶምን ንኣቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ መልሶም።

ኣባኻ ብምሕጣኦም ሰማይ ተዓፅዩ ዝናም እንተ ዘይሃለወ፥ ንስኻ ምስ ኣጨነቕካዮም ናብዛ ቦታ እዚኣ ፀልዮም ንስምካ እንተ ኣመስገኑ፥ ካብ ሓጢኣቶም ድማ እንተ ተመለሱ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ስማዕ፥ ንሓጢኣት ባሮትካን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በለሎም፥ ነታ ዝኸድዋ ፅቡቕ መንገዲ እንትትምህሮም፥ ናብታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካያ ምድርኻ ኸዓ ዝናም ለኣኽ።

ኣብ ምድሪ ጥሜት ወይ ፌራ ወይ ዋግ ወይ ሃጒ ወይ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ወረደ፥ ፀላእቶም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቡዎም፥ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መፀሞም፥ ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዝኾነ ሰብ ወይ ኵሎም ህዝብኻ፥ ነፍሲ ወከፍ ሕማሙን ስቓዩን ፈሊጡ፥ ዝኾነ ፀሎት ወይ ምህለላ እንተ ኣቕረበ፥ ኣእዳዉ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ዘርግሐ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ፥ ካብ መንበሪኻ ስማዕ፥ ይቕረ ድማ በል፤ ልቡ ትፈልጥ ኢኻሞ ንነፍሲ ወከፍ ከም ኵሉ መንገዱ ፈድዮ፤ ንስኻ በይንኻ ልቢ ኵሉ ወዲ ሰብ ትፈልጥ ኢኻሞ፤ ኣብታ ንኣቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ብዝነብሩሉ ዘመን ኵሉ፥ ንኣኻ ፈሪሖም ብመንገድኻ ምእንቲ ኽኸዱ።

ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኮነ ጓና ድማ፥ ስለ ዓብዪ ስምካን ሓያል ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልፅምካን፥ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መፀ፥ መፂኡ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ፀለየ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ፥ ካብታ እትነብረላ ቦታ ስማዕ፥ ከምቲ እቲ ጓና ዝልምነካ ዅሉ ግበር፤ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ከምቶም ህዝብኻ እስራኤል ድማ ንኣኻ ምእንቲ ኽፈርሑ፥ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ከዓ ብስምካ ኸም እትፅዋዕ ምእንቲ ኽፈልጡ እዩ።

ህዝብኻ ኣብ ልዕሊ ፀላእቶም ናብ ውግእ፥ ናብቲ ዝለኣኽካዮም ኵሉ እንተ ኸዱ፥ ናብዛ ዝሓረኽካያ ኸተማን ነታ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናባኻ እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ ፀሎቶምን ምህለላኦምን ስማዕ፥ ፍትሒ ድማ ግበረሎም።

ኣባኻ እንተ ሓጥኡ፥ ሓጢኣት ዘይገብር ሰብ የለን እሞ፥ ንስኻ ኸዓ እንተ ተቖጣዕካዮም፥ ናብ ፀላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም፥ ንሱ ድማ ናብ ርሑቕ ወይ ቀረባ ሃገር ማሪኹ እንተ ወሰዶም፥

ኣብታ ዝተማረኹላ ምድሪ ግና ናብ ልቦም እንተ ተመሊሶም፥ ኣብኣ ተመሊሶም “ሓጢኣት ገቢርና፥ በዲልና፥ ክፉእ ገቢርና” ኢሎም እንተ ለመኑኻ፥ ኣብታ ተማሪኾም ዝተወስዱላ ምድሪ ምርኮኦም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመሊሶም፥ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሮምን ናብታ ዝሓረኽዋ ከተማን ናብታ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ፀለዩ፥ ሽዑ ካብ ሰማይ፥ ካብታ እትነብረላ ማሕደር ፀሎቶምን ምህለላኦምን ስማዕ፤ ፍትሒ ግበረሎም፤ ነቲ ዝበደለካ ህዝብኻ ድማ ይቕረ በለሎም።

ሕዚ ኦ ኣቦይ፥ ኣዒንትኻ ይተኽፈታ፥ ኣእዛንካ ድማ ናብ ፀሎት እዛ ቦታ እዚኣ ይፅምዓ።

ሕዚ ድማ ኦ ኣቦይ፥ ተስእ እሞ ናብ ዕረፍትኻ ንዓ፤ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን። ካህናትካ ኦ ኣቦይ፥ ብምድሓን ይተኸደኑ፤ እቶም እሙናትካ ድማ ብሰናይካ ይተሓጐሱ። ኦ ኣቦይ፥ ንቅቡእካ ኣይትንፅጎ። ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዝገበርካሉ ምሕረት ዘክር።