ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክብሪ ኣቦና ነታ ቤት መልኣ

ሓዊ ወረደ፥ ክብሪ ኸዓ ነታ ቤት መልአ፤ እቲ ህዝቢ ድማ ብገፆም ኣብቲ ምድሪ ቤት ተደፊኦም ሰገዱ። ሽዑ ኣቦና ብለይቲ በቲ ውዕል መለሰ፦ ደቀይ ርእሶም እንተ ኣትሓቱ፥ እንተ ፀለዩ፥ ገፀይ እንተ ደለዩ፥ ካብ እኩይ እንተ ተመለሱ፥ ክሰምዕ፥ ይቕረ ክብለሎም፥ ምድሮም ድማ ክሓዊ እየ።

ምዕራፍ 7።

ሰሎሞን ፀሎቱ ምስ ወድአ፥ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቶም መስዋእትን በልዖም፤ ክብሪ ኣቦናውን ነታ ቤት መልኣ። ክብሪ ኣቦና መሊእዎ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ካህናት ናብ ቤት ኣቦና ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ፥ እቲ ሓዊ ክወርድ፥ ክብሪ ኣቦናውን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ምስ ረአዩ፥ ኣብቲ ምድሪ ቤት ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፊኦም ሰገዱ፤ ንኣቦናውን “ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ” ኢሎም ኣመስገንዎ።

ሽዑ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ኣብ ቅድሚ ኣቦና መስዋእቲ ሰውኡ። ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ኣብዑርን ሚእትን ዕስራን ሽሕ ኣባጊዕን ሰውአ፤ እቲ ንጉስን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ ነታ ቤት ኣቦና ቀደስዋ። እቶም ካህናት ኣብ ቦታኦም ደው በሉ፤ እቶም ሌዋውያን ድማ፥ ዳዊት በቲ መሳርሒ ዜማ ከመስግን እንተሎ፥ ነቲ ንጉስ ዳዊት ንኣቦና ንምምስጋን ዝገበሮ መሳርሒ ዜማ ኣቦና ሒዞም “ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ” እናበሉ ደው በሉ። ኣብ መንፅሮም ድማ እቶም ካህናት መለኸት ነፍሑ፤ ኵሎም እስራኤልውን ደው ኢሎም ነበሩ።

ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣቦና ዘሎ ማእኸል እቲ ቕፅሪ ቀደሶ፤ እቲ ዝሰርሖ ናይ ነሃስ መሰውኢ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ መስዋእቲ እኽልን ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ክሕዝዎ ኣይከኣለን እሞ፥ ኣብኡ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረበ።

በቲ ጊዜ እቲ ሰሎሞንን ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም እስራኤልን፥ ካብ መእተዊ ሓማት ክሳዕ ሩባ ግብፂ ዝመፁ የመና ብዙሕ ጉባኤ ኾይኖም፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ። ነቲ መባረኺ መሰውኢ ሸውዓተ መዓልቲ ነቲ በዓል ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዒሎም፥ በታ ሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ገበሩ። በታ ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ በቲ ኣቦና ንዳዊት፥ ንሰሎሞን፥ ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ፅቡቕ ነገር ተሓጕሶም፥ ብሕጉስ ልቢ ናብ ኣባይቶም ኣሰናበቶም።

ኣቦና ንሰሎሞን ይዛረቦ

ሰሎሞን ቤት ኣቦናን ቤተ መንግስትን ፈፀመ። እቲ ሰሎሞን ኣብ ቤት ኣቦናን ኣብ ቤቱን ክገብሮ ብልቡ ዝተመነዮ ዅሉ ድማ ኣሳሊጡ ሰርሖ።

ሽዑ ኣቦና ብለይቲ ንሰሎሞን ተገልፀሉ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ፀሎትካ ሰሚዐ ኣለኹ፤ ነዛ ቦታ እዚኣ ድማ ንኣይ ቤት መስዋእቲ ክትከውን ሓርየ ኣለኹ።

ሰማይ እንተ ዓፀኹ ዝናም ድማ እንተ ዘይዘነመ፥ ወይ ነቲ ኣንበጣ ነታ ምድሪ ክበልዕ እንተ ኣዘዝኩ፥ ወይ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፥ ብስመይ ዝፅውዑ ህዝበይ ርእሶም ኣዋሪዶም፥ ፀልዮም፥ ገፀይ ደልዮም፥ ካብ ክፉእ መንገዶም እንተ ተመለሱ፥ ኣነ ኣብ ሰማይ ኴይነ ክሰምዖ፥ ሓጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም፥ ንምድሮም ከዓ ከሕውያ እየ። ሕዚ ኣዒንተይ ክፉት፥ ኣእዛነይ ድማ ነቲ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝቐርብ ፀሎት ፅን ዝብላ ክኾና እየን። ሕዚ ስመይ ንዘለኣለም ኣብኣ ምእንቲ ክነብር፥ ነዛ ቤት እዚኣ ሓርየ ቀዲሰያ ኣለኹ፤ ኣዒንተይን ልበይን ድማ ኵልሻዕ ኣብኣ ክኾና እየን።

ንስኻ ድማ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝተመላለሰ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፥ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ጌርካ ሕግጋተይን ፍርድታተይን እንተ ሓሊኻ፥ ሽዑ ዙፋን መንግስትኻ ከፅንዖ እየ፤ ከምቲ ምስ ኣቦኻ ዳዊት ‘ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝእ ሰብኣይ ካባኻ ከቶ ኣይጠፍእን እዩ’ ኢለ ዝኣተኽዎ ኪዳን።

ንስኻትኩም ግና እንተ ኣግለስኩም፥ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓዲግኩም፥ ከይድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን፥ ሽዑ ንእስራኤል ካብ ምድረይ ዝሃብክዎም ክነቕሎም፥ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ድማ ካብ ቅድመይ ክድርብያ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ከዓ መመሰሊን መፅረፊን ክገብራ እየ። እዛ ቤት እዚኣ ድማ፥ ቅድም የመና ልዕል ልዕል ኢላ እንተ ነበረት፥ ብኣኣ ዝሓልፍ ዅሉ ክግረም እዩ፤ ‘ስለ ምንታይ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዙይ ገበረን?

ንሳቶም ድማ ‘ነቲ ካብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፥ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ተፀጊዖም ሰገዱሎምን ኣገልገልዎምን እሞ፥ ስለዙይ እዩ እዝ ዅሉ መከራ እዙይ ዘምፅአሎም’ ኢሎም ክምልሱ እዮም።”