ሰሎሞን ንመንግስቱ ይሃንፅን የሰርዕን
ዕስራ ዓመት ህንፃ ድሕሪ ምፍፃሙ፥ ሰሎሞን ንኸተማታት ኣፅንዐ፥ ነቶም ዝተረፉ ከነዓናውያን ህዝብታት ባሮት ገበሮም፥ ንደቂ እስራኤል ድማ ተዋጋእትን ኣዘዝትን ገይሩ ሓዞም፥ ንካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ኣብ ምድብ ዳዊት ሰርዖም። ካብ ዔፅዮን ጋብር ዝመፃ መራኽብ ወርቂ ኣምፅኣ፤ ስራሕ ቤት ኣቦና ድማ ተወድአ።
8 1ድሕሪ እተን ሰሎሞን ቤት ኣቦናን ቤተ መንግስቱን ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፥ 2ሰሎሞን ነተን ሑራም ዝሃቦ ኸተማታት መሊሱ ሰርሐን፤ ንህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብኣተን ኣስፈሮም።
3ሽዑ ሰሎሞን ናብ ሓማት ሱባ ገስጊሱ ሰዓራ። 4ነታ ኣብ ምድረ በዳ ዘላ ተድሞር ሰርሓ፤ ምስተን ኣብ ሓማት ዝሰርሐን ኵለን ከተማታት መዛግብ ድማ ሰርሐ። 5ነታ ላዕለዋይ ቤትሖሮንን ነታ ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ከዓ፥ ብመካበብያን መዓፁን መሸጐርን ዝተዓረዳ ከተማታት ጌሩ መሊሱ ሰርሐን፤ 6ባዕላትን ኵለን ከተማታት መዛግብ ሰሎሞንን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን፥ ከምኡውን ኵሉ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ።
7ካብ ኬጢያውያንን ኣሞራውያንን ፌርዛውያንን ሃዋውያንን ኢያቡሳውያንን ዝተረፉ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኮኑ ህዝቢ ገና ነበሩ። 8ነቶም ደቆም፥ እቶም ኣብታ ሃገር ድሕሪኦም ተሪፎም ዝነበሩ፥ ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም፥ ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ተገዲዶም ዝሰርሑ ባሮት ገበሮም። 9ሰሎሞን ካብ ደቂ እስራኤል ንስርሑ ባርያ ኣይገበረን፤ ንሳቶም ተዋጋእቲ ሰባትን ኣዘዝቲ ኣሕሉቑን ኣዘዝቲ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ። 10እዚኣቶም ነቶም ህዝቢ ዝእዝዙ ኣሕሉቕ ንጉስ ሰሎሞን፥ ክልተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
11ሰሎሞን ንጓል ፈርዖን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሰርሓ ቤት ኣምፅኣ፥ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ታቦት ኣቦና ዝኣተዎ ኵሉ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ሰበይተይ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ኣይትንበርን።”
12ሽዑ ሰሎሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ገበላ ዝሰርሖ መሰውኢ ንኣቦና ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ፤ 13ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ፥ መዓልታዊ ኸምቲ ዝተኣዘዘ፥ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቀ ወርሕን ኣብተን ሰለስተ በብዓመት ዝግበራ በዓላት ድማ፥ ማለት በዓል ቅጫን በዓል ሰሙናትን በዓል ዳስን፥
14ከም ስርዓት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ንካህናት ናብ ኣገልግሎቶም ከከም ክፍሎም መደቦም፤ ንሌዋውያን ከዓ ኸምቲ መዓልቲ መዓልቲ ዝድለ ኣብ ቅድሚ ካህናት ከመስግኑ ድማ ከገልግሉ መደቦም፤ ነቶም ሓለውቲ ኣፍ ደገ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ መደቦም፤ ዳዊት እቲ ሰብ ኣቦና ከምኡ ኣዚዙ ነበረ እሞ። 15ካህናትን ሌዋውያንን ከዓ ኣብ ኵሉ ነገርን ብዛዕባ መዛግብቲ እውን እንተ ኾነ፥ ካብ ትእዛዝ ንጉስ ኣይወፁን።
16ኵሉ ስራሕ ሰሎሞን፥ ካብታ ቤት ኣቦና ዝተመስረተትላ መዓልቲ ክሳዕ ዝተፈፀመትላ፥ ተወድአ፤ ቤት ኣቦና ድማ ተፈፀመት።
17ሽዑ ሰሎሞን ናብ ዔፅዮንጋብር፥ ናብታ ኣብ ምድሪ ኤዶምያስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ኤሎት ከደ። 18ሑራም ድማ ብኢድ ኣገልገልቱ መራኽብ፥ ምስ ናይ ባሕሪ ነገር ዝፈልጡ መርከበኛታት፥ ሰደደሉ፤ ንሳቶም ከዓ ምስ ኣገልገልቲ ሰሎሞን ናብ ኦፊር ከይዶም ካብኣ ኣስታት ዓሰርተ ሸውዓተ ቶን ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ።