ታቦት ናብ ቤት ኣቦ ኣተወ
እቲ ታቦት ናብታ ዝተወድአት ቤት ኣትዩ፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ተቐመጠ። እቶም መለኸት ዝነፍሑን መዘምራንን ከም ሓደ ድምፂ ‘ኣቦና ሕያዋይ እዩ፥ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ’ ምስ በሉ፥ እቲ ደመና ነታ ቤት መልአ፤ እቶም ካህናት ድማ ኣብኣ ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።
5 1ሰሎሞን ነቲ ንቤት ኣቦና ዝስራሕ ኵሉ ስራሕ ወድአ። ሽዑ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐደሶ ኣቑሑ፥ ብሩርን ወርቅን ኵሉ ኣቑሑን፥ ኣእትዩ ኣብ መዛግብ ቤት ኣቦና ኣንበሮ።
2ሽዑ ሰሎሞን፥ ነቲ ታቦት ኪዳን ኣቦና ካብ ከተማ ዳዊት፥ ማለት ካብ ፅዮን፥ ናብ ላዕሊ ምእንቲ ከደይብዎ፥ ንሽማግለታት እስራኤልን ንኵሎም ኣሕሉቕ ነገድን ንመራሕቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከበ። 3እምበኣር ኵሎም ሰብ እስራኤል በቲ በዓል ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተኣከቡ። a a v3 እቲ በዓል ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ በዓል ዳስ እዩ፤ እዙይ ከዓ እቲ ዓብዪ ናይ ቀውዒ በዓል ዓፂድ እስራኤል እዩ። 4ኵሎም ሽማግለታት እስራኤል ምስ መፁ፥ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። 5እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ነቲ ታቦትን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ኵሉ ቅዱሳት ኣቑሑን ናብ ላዕሊ ኣደየብዎ። 6ንጉስ ሰሎሞንን ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝተኣከበ ማሕበር እስራኤልን ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ጠጠው ኢሎም፥ ካብ ብዝሖም ዝተልዓለ ኽቝፀሩን ኽፅብፀቡን ዘይከኣሉ ኣባጊዕን ኣብዑርን ሰውኡ። 7ካህናት ከዓ ነቲ ታቦት ኪዳን ኣቦና ናብ ስፍሩ፥ ናብቲ ውሽጣዊ መቕደስ ናይታ ቤት፥ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። 8እቶም ኪሩቤል ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዝነበሮ ቦታ ኣኽናፎም ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፥ ነቲ ታቦትን ነቲ መፃውሩን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ። 9እቲ መፃውር ድማ፥ ጫፉ ኣብ ቅድሚ እቲ ውሽጣዊ መቕደስ ካብቲ ታቦት ይርኢ ክሳዕ ዝኸውን ነዊሕ ነበረ፥ ኣብ ወፃኢ ግና ኣይተርኣየን። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣውን ኣብኡ ኣለዉ። 10ኣብቲ ታቦት፥ ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ኮሬብ ዘንበረን ክልተ ፅላት፥ ካልእ ኣይነበረን። ኣብኡ ኸዓ ኣቦና ምስ ደቂ እስራኤል፥ ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ኪዳን ዝኣተወ ነበረ።
11ሽዑ እቶም ካህናት ካብቲ መቕደስ ወፁ። (እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኵሎም ካህናት፥ ብዘይ ኣፈላላይ ምድቦም፥ ንርእሶም ቀዲሶም ነበሩ፥ b b v11 እቶም ካህናት፥ ምድብ ተባሂለን ኣብ ዝፅውዓ፥ ተመሊሰን ዘገልግላ ጉጅለታት ግብሪ ኾይኖም የገልግሉ ነበሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ናይ ቤተ መቕደስ ቈፀራ ዘመን ፍሉይ ሰሙን ተመዲቡሉ ነበረ። 12እቶም መዘምራን ሌዋውያን ኵላቶም፥ ኣሳፍን ሄማንን ይዱቱንን ደቆምን ኣዝማዶምን፥ ቀጭን ሃሪ ተኸዲኖም፥ ፀናፅልን በገናን መሰንቆን እናፃወቱ፥ ምስ ሚእትን ዕስራን መለኸት ዝነፍሑ ካህናት፥ ብወገን ምብራቕ እቲ መሰውኢ ደው በሉ።)። 13እቶም መለኸት ዝነፍሑን እቶም መዘምራንን፥ ከም ሓደ ዀይኖም፥ ብሓደ ድምፂ ንኣቦና ወደሱን ኣመስገኑን። ድምፆም ምስ መለኸትን ፀናፅልን መሳርሒ ሙዚቃን ልዕል ኣቢሎም ድማ፥ “ንሱ ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱ ድማ ንዘለኣለም እዩ” ኢሎም ወደስዎ። ሽዑ ነቲ ቤት ኣቦና ደመና መልኦ፥ 14በቲ ደመና ምኽንያት ድማ፥ እቶም ካህናት ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን፤ ክብሪ ኣቦና ነቲ ቤት ኣቦና መሊእዎ ነበረ እሞ።