ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

መሰውኢ ነሃስን እቲ ዓብዪ ጋብላን

ናውቲ ቤት ኣቦና ተሰርሐ፦ ናይ ነሃስ መሰውኢ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ዝዓርፍ ዓብዪ ዝተፈሰሰ ጋብላ፥ ንምሕፃብ ዝኸውን ዓሰርተ ገበራታትን ዓሰርተ ቐዋሚ ቐናዲልን፥ ጠረጴዛታትን ቍፅሪ ዘይብሉ ናይ ወርቂ ኣቑሑን። ናብኡ ዝኣተወ ነሃስ ካብ ብዝሑ ዝተልዓለ ሚዛኑ ኣይተፈለጠን፤ ነፍሲ ወከፍ ኣቕሓ ድማ ነቲ መሰውኢ የገልግል።

ምዕራፍ 4።

መሰውኢ ነሃስ ድማ ገበረ፤ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ዕስራ እመት፥ ቁመቱ ድማ ዓሰርተ እመት ነበረ። ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኸዓ ኸቢብ ጋብላ ሰርሐ፤ ሰንጣቒቱ ዓሰርተ እመት፥ ቁመቱ ሓሙሽተ እመት፥ ዙርያኡ ድማ ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ ምስሊ ኣብዑር ከበቦ፤ ኣብ ሓሓንቲ እመት ዓሰርተ ኾይኖም ንጋብላ ኣብ ዙርያኡ ከበብዎ፤ እቲ ኣብዑር ድማ ብክልተ መስርዕ ኮይኑ ምስ ጋብላ ብሓደ ፈሲሱ ዝተሰርሐ ነበረ። እቲ ጋብላ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ቆይሙ ነበረ፤ ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ፤ እቲ ጋብላ ኣብ ልዕሊኦም ተቐሚጡ፥ ድሕሪቶም ኵሉ ናብ ውሽጢ ገይሮም ነበሩ። ምርጓዱ ጋት ኣቢሉ ነበረ፤ ከንፈሩ ኸዓ ኸም ከንፈር ፅዋዕ፥ ከም ዝፈኸኸ ዕምበባ ሱፍ ነበረ፤ ስሳ ሽሕ ሊትሮ ድማ ይሕዝ ነበረ።

ዓሰርተ ገበራታት መሕፀቢ ድማ ገበረ፤ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ፥ ሓሙሽተ ድማ ብወገን ሰሜን ኣንበሮም፤ ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ነገር ኣብኡ ይሓፅቡ ነበሩ፤ እቲ ጋብላ ግና ካህናት ዝሕፀቡሉ ነበረ።

ዓሰርተ ቀዋሚ ቐናዲል ወርቂ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዘ ገበረ፤ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ ቤተ መቕደስ፥ ሓሙሽተ ድማ ብወገን ሰሜን ኣንበሮም። ዓሰርተ ጠረጴዛ ድማ ገይሩ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣንበሮም፤ ሓሙሽተ ብወገን ደቡብ፥ ሓሙሽተ ድማ ብወገን ሰሜን ኣንበሮም፤ ሚእቲ ጭሐሎ ወርቂውን ገበረ።

ኣፀድ ካህናትን እቲ ዓብዪ ኣፀድን መዓፁ እቲ ኣፀድን ድማ ገበረ፤ ነቲ መዓፁ ኸዓ ብነሃስ ለበጦ። ነቲ ጋብላ ድማ ብወገን ደቡብ፥ ኣብ መኣዝን ደቡብ ምብራቕ ኣንበሮ።

ሑራም ድማ እቲ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ገበረ። ከምኡ ድማ ሑራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቤት ኣቦና ዝሰርሐሉ ስራሕ ፈፀሞ፦

ክልተ ኣዕማድ፥ ዅዕሶ ዝመስላ ኽልተ ጕልላት ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ዝቕመጣ፥ ኣብ ልዕሊ እዘን ጕልላት ዝግፅ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ድማ ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ገበረ፤ ነንሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ፥ ነተን ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕማድ ዝቕመጣ ዝሸፍና ነበራ፤ ነቲ መቐመጢ ኣቑሑን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢ ኣቑሑ ዘለዋ ገበራታትን፥ ሓደ ጋብላ፥ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑርን፤ ድስትታትን መፅሓሪታትን መውግእ ስጋን ኵሉ ኣቑሕኦምን፥ ሑራም ኣቢ ነዝ ዅሉ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት ኣቦና ብፅሩይ ነሃስ ገይሩ ሰርሖ። እቲ ንጉስ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሱኰትን ፃረዳን ዝርከብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ ድዃ መሬት ኣፍሰሶም። ሰሎሞን ነዝ ዅሉ ኣቑሑ የመና ብዙሕ ገይሩ ሰርሖ፤ ስለዙይ ሚዛን ናይቲ ነሃስ ኣይተፈልጠን።

ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቤት ኣቦና ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ገበረ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውእን፥ ሕብስቲ ቝርባን ዝቕመጠሉ ጠረጴዛታትን፤ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቀዋሚ ቐናዲል ምስ መብራህቶም፥ ከምቲ ዝተሓገገ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ክውልዑ፤ እቲ ዕምበባታትን መብራህትን መሳወርን ብወርቂ፥ እዙይ ድማ ፍፁም ፅሩይ ወርቂ ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ መሳቐይታትን ጭሐሎታትን ፃሕልታትን ፅንሃሃትን ነበሩ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁ ድማ፥ ማለት ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ውሽጣዊ መዓፁን ናይ መቕደስ መዓፁን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ።