ንስድራ ዝሃንፁ ውህብቶታት
ብዘይ ትርጉም ዝዝረብ ቋንቋ ነቲ ተዛራባይ ጥራሕ ይሃንፅ፥ ስለዙይ ትንቢት ይሐይሽ፦ ዝኣቱ ጓና ልቡ ተገሊፁ ተደፊኡ ክሰግድ ኣለዎ። ኣብ እቲ ጉባኤ ዘሎ ዅሉ፥ ይሃንፅዶ ኣይሃንፅን ብዝብል ይምዘን፥ ብስርዓት ድማ ይግበር፥ ኣቦና ናይ ሁከት ኣይኮነን እሞ።
14 1ፍቕሪ ስዓቡ፥ መንፈሳዊ ውህብቶታት ድማ ኣበርቲዕኹም ተመነዩ፥ ኣውራ ግና ክትንበዩ። 2እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንኣቦና እዩ ዝዛረብ፤ ሓደ እኳ ኣይርድኦን፤ ብመንፈስ ምስጢራት እዩ ዝዛረብ። 3እቲ ዝንበ ግና፥ ንሰብ ንህንፀቶምን ንምትብባዖምን ንምፅንናዖምን እዩ ዝዛረብ። 4እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ንርእሱ ይሃንፅ፤ እቲ ዝንበ ግና ንቤተ ክርስቲያን ይሃንፅ። 5ኵላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ እደሊ እየ፥ ኣውራ ግና ክትንበዩ። እቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ፥ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ክትህነፅ እንተ ዘይተርጒሙ፥ እቲ ዝንበ ካብኡ ይዓቢ።
6ሕዚ ኣሕዋተይ፥ ብቛንቋታት እናተዛረብኩ ናባኻትኩም እንተ መፂአ፥ ምግላፅ ወይ ፍልጠት ወይ ትንቢት ወይ ትምህርቲ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፥ እንታይ እጠቅመኩም? 7እቶም ድምፂ ዝህቡ ህይወት ዘይብሎም ነገራት እኳ፥ እምብልታ ኾነ በገና፥ ዝተፈላለየ ድምፂ እንተ ዘይሃቡ፥ እቲ እተወቕዐ ኸመይ ኢሉ ይፍለጥ? 8መለኸት ድማ ፍሉጥ ዘይኮነ ድምፂ እንተ ሃበ፥ መን እዩ ንውግእ ዝዳሎ? 9ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፥ ልሳንኩም ፍሉጥ ቃል እንተ ዘይተዛሪቡ፥ እቲ እተዛረብኩምዎ ኸመይ ኢሉ ይፍለጥ? ናብ ኣየር ኢኹም እትዛረቡ ዘለኹም እሞ። 10ብርግፅ ኣብ ዓለም ክንደይ ዝኣክል ዓይነት ቛንቋታት ኣለዉ፤ ትርጉም ዘይብሉ ግና ሓደ እኳ የለን። 11ትርጉም እቲ ድምፂ እንተ ዘይፈለጥኩ፥ ነቲ ዝዛረብ ጓና ክኸውን እየ፤ እቲ ዝዛረብውን ንኣይ ጓና ክኸውን እዩ። 12ከምኡ ድማ ንስኻትኩም፥ መንፈሳዊ ውህብቶታት ብሃረርታ ትደልዩ ስለ ዘለኹም፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፅንናዕ ምእንቲ ክትበልፁ ድለዩ። 13ስለዙይ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ፥ ምእንቲ ክትርጕሞ ይፀሊ። 14ብቛንቋ እንተ ፀለኹ፥ መንፈሰይ ይፀሊ፥ ኣእምሮይ ግና ፍረ ኣይህብን እዩ።
15እንታይ ደኣ እግበር? ብመንፈሰይ ክፅሊ እየ፥ ብኣእምሮይውን ክፅሊ እየ፤ ብመንፈሰይ ክዝምር እየ፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ። 16እንተ ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፥ እቲ ኣብኡ ተቐሚጡ ዘሎ ጓና፥ እትብሎ ዘለኻ ስለ ዘይፈልጥ፥ ነቲ ምስጋናኻ ኸመይ ኢሉ “ኣሜን” ይብል? 17ንስኻ ፅቡቕ ጌርካ ተመስግን ትኸውን፥ እቲ ኻልእ ሰብ ግና ኣይህነፅን። 18ካብ ኵላትኩም ኣብዚሐ ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ፥ ንኣቦና አመስግኖ ኣለኹ። 19ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ካብ ብቛንቋ ዓሰርተ ሽሕ ቃላት፥ ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር፥ ብኣእምሮይ ሓሙሽተ ቃላት ምዝራብ ይሕሸኒ።
20ኣሕዋተይ፥ ከም ቈልዑ ኣይትሕሰቡ። ብኽፍኣት ህፃናት ኩኑ፥ ብኣእምሮኹም ግና ዓበይቲ ኩኑ።
21ኣብ ሕጊ ኸምዙይ ተፅሒፉ ኣሎ፦ “ነዝ ህዝቢ እዙይ ብናይ ጓና ቛንቋታትን ብኸናፍር ጓኖትን ክዛረቦ እየ፥ ሽዑ እኳ ኣይክሰምዑንን እዮም፥” ይብል ኣቦና።
22እምበኣር ቛንቋታት፥ ነቶም ዝኣምኑ ዘይኮነስ ነቶም ዘይኣመኑ ምልክት እዩ፤ ትንቢት ግና ነቶም ዘይኣመኑ ዘይኮነስ ነቶም ዝኣምኑ ምልክት እዩ። 23እምበኣር ብዘላ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪባ፥ ኵሎም ብቛንቋታት እንተ ተዛሪቦም፥ ጓኖት ወይ ዘይኣመኑ ድማ እንተ ኣተዉ፥ ዓቢድኩም ኢኹም ኣይብሉኹምንዶ? 24ኵሎም እንተ ተነበዩ ግና፥ ሓደ ዘይኣምን ወይ ጓና እንተ ኣተወ፥ ብዅሎም ይግሰፅ፥ ብዅሎም ይምርመር፥ 25ምስጢራት ልቡ ይግለፅ፤ ሽዑ ብገፁ ተደፊኡ ንኣቦና ይሰግድ፥ ኣቦና ብሓቂ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዘሎ ኸዓ ይእውጅ።
ኣምልኾ ብግቡእ ስርዓት
26እምበኣር ኣሕዋተይ፥ እንታይ ደኣ? ምስ ተኣከብኩም፥ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር፥ ትምህርቲ፥ ምግላፅ፥ ቛንቋ፥ ወይ ትርጉም ኣለዎ። ኵሉ ንህንፀት ይኹን። 27ሓደ ሰብ ብቛንቋ እንተ ተዛሪቡ፥ ክልተ ወይ ብዝበዝሐ ሰለስተ፥ በብተራኦም ይኹን፥ ሓደ ድማ ይተርጕም። 28ተርጓሚ እንተ ዘየሎ ግና፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስቕ ይበል፥ ንርእሱን ንኣቦናን ጥራሕ ይዛረብ። 29ክልተ ወይ ሰለስተ ነቢያት ይዛረቡ፥ እቶም ካልኦት ድማ ነቲ እተዛረብዎ ኣፅኒዖም ይመዝንዎ። 30ናብ እቲ ኣብኡ ተቐሚጡ ዘሎ ኻልእ ሰብ ድማ ምግላፅ እንተ መፅአ፥ እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ስቕ ይበል። 31ኵሉ ኽምሃርን ኵሉ ኽፅናናዕን፥ ኵላትኩም በብሓደ ኽትንበዩ ትኽእሉ ኢኹም እሞ፥ 32መናፍስቲ ነቢያት ድማ ንነቢያት ይግዝኡ። 33ኣቦና ኣምላኽ ሰላም እምበር፥ ኣምላኽ ሁከት ኣይኮነን እሞ፤ ከምቲ ኣብ ኵሉ ኣብያተ ክርስቲያን ቅዱሳን ዘሎ። 34ኣንስቲ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ስቕ ይበላ፤ ምዝራብ ኣይተፈቕደለንን እዩ፥ ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ደኣ ይግዝኣ እምበር። a a v34 ገለ ቅዳሓት፥ ንፍቕዲ 34-35 ድሕሪ ፍቕዲ 40 የቐምጥወን። 35ገለ ኽመሃራ እንተ ደለያ፥ ኣብ ቤተን ንሰብኡተን ይሕተታ፤ ሰበይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክትዛረብ ነውሪ እዩ እሞ። 36ወይ ቃል ኣቦና ካባኻትኩምዶ ጀመረ? ወይ ናባኻትኩም ጥራሕ በፅሐዶ? 37ነብዪ ወይ መንፈሳዊ ዝኾነ ይመስል ዘሎ ሰብ፥ እዝ ኣነ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ትእዛዝ ጐይታ ምዃኑ ይፈልጥ። 38እዙይ ዝሸለለ ግና፥ ባዕሉ ይሸለል።
39እምበኣርከስ ኣሕዋተይ፥ ክትንበዩ ኣበርቲዕኹም ድለዩ፥ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኽልኡ። 40ኵሉ ነገር ግና ብግቡእን ብስርዓትን ይኹን።