ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ንፍርዲ ይፅውዕ

መዝሙር ኣሳፍ።

ኣቦና ፍርዲ ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ይምስክር። መረረኡ ሒደት መስዋእቲ ኣይኮነን — ኵሉ ህያው እንስሳ ናቱ እዩ እሞ — ግና ኪዳኑ እናደገሙ ምስ ሰረቕቲ ዝጐዩ ሰባት ዘቕርብዎ ኣምልኾ እዩ። ምስጋናን ዝተቐየረ መንገድን ይደሊ።

ምዕራፍ 50።

እቲ ሓያል ኣቦና ተዛረበ፤ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራብ ንምድሪ ፀወዓ። ካብ ፅዮን፥ ብፅባቐ ፍፅምቲ፥ ኣቦና የብርህ። ኣቦና ይመፅእ፥ ስቕ ድማ ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፥ ኣብ ዙርያኡ ኸዓ ብርቱዕ ህቦብላ ኣሎ። ንህዝቡ ምእንቲ ኽፈርድ፥ ነቲ ላዕሊ ዘሎ ሰማያትን ንምድርን ይፅውዕ።

“እቶም ብመስዋእቲ ምሳይ ኪዳን ዝኣተዉ ቅዱሳነይ፥ ናባይ ኣክቡለይ።”

ሰማያት ከዓ ፅድቁ ይነግሩ፥ ባዕሉ ኣቦና ፈራዲ እዩ እሞ። a a v6 ሴላ ናይ ኣምልኾ ወይ ናይ ሙዚቃ ምልክት እዩ፤ ምናልባት ዕረፍቲ ወይ መቛረፂ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል፤ ልክዕ ትርጉሙ ግና ርጉፅ ኣይኮነን።

“ህዝበይ ስምዑ፥ ኣነ ኸዓ ክዛረብ እየ፤ ኦ እስራኤል፥ ኣባኻ ክምስክር እየ፦ ኣነ ኣቦኻ እየ። ብዛዕባ መስዋእትኻ ኣይገስፀካን እየ፤ ዝቃፀል መስዋእትኻ ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ ኣሎ። ካብ ቤትካ ብዕራይ፥ ካብ ደምበታትካ ድማ ኣጣል ኣይወስድን እየ። ኵሉ ኣራዊት ዱር ናተይ እዩ እሞ፥ እቲ ኣብ ሽሕ ኰረብታታት ዘሎ ኸፍቲ ናተይ እዩ። ኵሉ ዑፍ እምባታት እፈልጥ እየ፥ እቲ ኣብ መሮር ዝንቀሳቐስ ኵሉ ድማ ናተይ እዩ። ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ኵሉን ናተይ እዩ እሞ፥ እንተ ዝጠምይ ኣይምነገርኩኻን። ስጋ ኣብዑር እበልዕዶ እየ? ወይ ደም ኣጣል እሰቲዶ እየ?’

“መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡለይ፥ መብፅዓኻ ኸዓ ነቲ ልዑል ፈፅም። b b v14 “መስዋእቲ ምስጋና” ብፍቓደኝነት ዝቐርብ፥ ናይ ምስጋና ኣምልኾ ንምግላፅ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝውፈ መስዋእቲ ነበረ። ኣብ መከራ ኸለኻ ድማ ፀውዓኒ፤ ኣነ ኸዓ ከናግፈካ እየ፥ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።’

“ንሓጥኣን ግና ኣቦና ከምዙይ ይብሎም፦ ‘ሕግጋተይ ክትነግር፥ ኪዳነይ ድማ ብኸናፍርካ ክትዛረብ እንታይ መሰል ኣለካ? ንስኻ ተግሳፅ ትፀልእ፥ ንቓላተይ ድማ ትድርቢ። ሰራቒ ምስ ረአኻ ትሰማምዖ፥ ምስ ዘመውቲ ድማ ትጐዪ። ኣፍካ ንክፍኣት ትህብ፥ ልሳንካ ድማ ተንኰል ትኣልም። ተቐሚጥካ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ትዛረብ፥ ንወዲ እኖኻ ድማ ተፀልም። እዝ ነገራት እዙይ ገበርካ፥ ኣነ ኸዓ ስቕ በልኩ፤ ኣነ ልክዕ ከማኻ ዝኾንኩ መሰለካ። ሕዚ ግና ክገስፀካ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ድማ ክኸሰካ እየ።’

“ኣታ ንኣይ እትርስዕ፥ ሕዚ ነዙይ ኣስተውዕል፤ እንተ ዘይኮነ ዘናግፈካ ከይሃለወ ክቐዳድደካ እየ። እቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘቕርብ የኽብረኒ፤ ነቲ ብቕኑዕ መንገዲ ዝኸይድ ድማ ምድሓነይ ከርእዮ እየ።”