ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናብ ቤቱ ንኺድ

መዝሙር መዓርግ። ናይ ዳዊት።

ናብ ቤት ኣቦና ብምብፃሑ ሓጐስ ሓደ ተጓዓዚ፥ ኣእጋሩ ብርግፅ ኣብ ውሽጢ ደጌታት ደው ኢለን። እታ ኸተማ እቶም ነገዳት ዝእከቡላ፥ ፍርዲ ዝወሃበላ እያ፥ ስለዙይ ንሰላማ ይፀሊ፥ ምእንቲ ኣሕዋቱ እምበር ምእንቲ ርእሱ ኸም ዘይገብሮ ይብል።

ምዕራፍ 122።

ምስቶም “ናብ ቤት ኣቦና ንኺድ” ዝበሉኒ ተሓጐስኩ። ኣእጋርና ኣብ ውሽጢ ደጌታትኪ ደው ኢለን ኣለዋ፥ ኦ ኢየሩሳሌም። ኢየሩሳሌም፥ ከም እታ ብሓደ ፅኑዕ እተታሓሓዘት ከተማ ተሰሪሓ፥ እቶም ነገዳት ናብኣ ይድይቡ፥ ነገዳት ኣቦና፥ ከም ስርዓት ንእስራኤል፥ ንስም ኣቦና ኸመስግኑ። ዙፋናት ፍርዲ፥ ዙፋናት ቤት ዳዊት ኣብኡ ተነቢሮም ነበሩ።

ንሰላም ኢየሩሳሌም ፀልዩ፦ “እቶም ዘፍቅሩኺ ይዕረፉ። ኣብ ውሽጢ ቅፅርኺ ሰላም ይኹን፥ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሻትኪ ድማ ፀጥታ።” ምእንቲ ኣሕዋተይን ኣዕርኽተይን ኢለ፥ “ሰላም ኣባኺ ይኹን” ክብል እየ። ምእንቲ ቤት ኣቦና ኢለ፥ ሰናይኪ ክደሊ እየ።