ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣቦ ወዲ ኣተስፈወ

እስራኤል ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣርብዓ ዓመት ተዋህበ። መልኣኽ ኣቦና ንሓንቲ መኻን ሰበይቲ፥ ካብ ከርሲ ጀሚሩ ዝተፈለየ ወዲ ተመባፅዓላ፥ ማኑሄ ምስ ለመነ ኸዓ ተመልሰ። ስም እቲ በፃሒ ኻብ ምርዳእ ንላዕሊ እዩ፤ በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ሶምሶን ተወለደ ተባረኸ ከዓ።

ምዕራፍ 13።

ደቂ እስራኤል ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ኣቦና ክፉእ ገበሩ፤ ስለዙይ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣርብዓ ዓመት ኣሕሊፉ ሃቦም።

ማኑሄ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ካብ ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ደቂ ዳን ነበረ፤ ሰበይቱ ድማ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይወለደትን።

መልኣኽ ኣቦና ድማ ነታ ሰበይቲ ተገለፀላ እሞ ከምዙይ በላ፦ “ንስኺ መኻን ኢኺ፥ ውሉድ የብልክን፤ ግና ክትጠንሲ፥ ወዲ ኸዓ ክትወልዲ ኢኺ። ሕዚ ድማ ወይኒ ወይ ዜስክር መስተ ከይትሰትዪ፥ ርኹስ ዝኾነ ከኣ ከይትበልዒ ተጠንቀቒ፤ ንስኺ ክትጠንሲ፥ ወዲ ኸዓ ክትወልዲ ኢኺ። ኣብ ርእሱ መላፀዪ ኣይበፅሕን እዩ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናዝራዊ ኣቦና ክኸውን እዩ እሞ፥ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።”

እታ ሰበይቲ ድማ ከይዳ ንሰብኣያ ከምዙይ ኢላ ነገረቶ፦ “ሓደ ሰብ እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣቦና የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ምዃኑ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱ ኸዓ ስሙ ኣይነገረንን።” ንሱ ግና “ክትጠንሲ፥ ወዲ ኸዓ ክትወልዲ ኢኺ። ሕዚ ድማ ወይኒ ወይ ዜስክር መስተ ኣይትስተዪ፥ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ፤ እቲ ቘልዓ ካብ ከርሲ ጀሚሩ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣቦና ክኸውን እዩ እሞ” በለኒ።

ሽዑ ማኑሄ ናብ ኣቦና ለሚኑ ከምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታ ኣቦይ፥ በይዛኻ፥ እቲ ዝሰደድካዮ ሰብ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ናባና ይምፃእ፤ ነቲ ዝውለድ ቘልዓ እንታይ ክንገብረሉ ኸም ዘሎና ድማ ይምሃረና።”

ኣቦና ድማ ድምፂ ማኑሄ ሰምዐ፤ መልኣኽ ኣቦና ኸዓ ናብታ ኣብ ግራት ተቐሚጣ ዝነበረት ሰበይቲ ከም ብሓድሽ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን። እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ጎይያ ንሰብኣያ ከምዙይ ኢላ ነገረቶ፦ “እንሆ፥ እቲ ቅድሚ ሕዚ ናባይ ዝመፀ ሰብኣይ ተገሊፁለይ!”

ማኑሄ ድማ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዒቡ ናብቲ ሰብኣይ መፀ፤ “ነታ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻዶ ኢኻ?” ኢሉ ድማ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ እየ” በለ።

ማኑሄ ድማ “ቃልካ ምስ ተፈፀመ፥ ህይወትን ተግባርን እቲ ቘልዓ ከመይ ክኸውን እዩ?” በለ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ” በሎ። “ካብ ኦም ወይኒ ዝኾነ ኣይትብላዕ፤ ወይኒ ወይ ዜስክር መስተ ኣይትስተ፤ ርኹስ ነገር ከዓ ኣይትብላዕ። ዝኣዘዝክዋ ዅሉ ድማ ትሓሉ።”

ማኑሄ ድማ ንመልኣኽ ኣቦና “በጃኻ፥ ክንዓግተካ ፍቐደልና፤ ማሕስእ ጤል ከዓ ከነዳልወልካ ኢና” በሎ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ ንማኑሄ “እንተ ዓጌትካኒ እኳ ኻብ ምግብኻ ኣይበልዕን፤ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸተዳሉ እንተ ዄንካ ግና፥ ንኣቦና ሰውኣዮ” በሎ። ማኑሄ ንሱ መልኣኽ ኣቦና ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ።

ማኑሄ ድማ ንመልኣኽ ኣቦና “ቃልካ ምስ ተፈፀመ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” ኢሉ ጠየቖ።

መልኣኽ ኣቦና ድማ “ስመይ ስለምንታይ ትጥይቕ? ንሱ ኻብ ምስትውዓል ንላዕሊ እዩ” በሎ።

ሽዑ ማኑሄ ማሕስእ ጤልን መስዋእቲ እኽልን ወሲዱ፥ ነቲ ተኣምራት ዝገብር ኣቦና ኣብ ልዕሊ እቲ ኰዅሒ ሰውአ፤ ማኑሄን ሰበይቱን ከዓ ይጥምቱ ነበሩ። እቲ ሃልሃልታ ካብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ መልኣኽ ኣቦና በቲ ሃልሃልታ እቲ መሰውኢ ናብ ላዕሊ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን ከዓ ርእዮም ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። መልኣኽ ኣቦና ድሕሪ ደጊም ንማኑሄን ንሰበይቱን ኣይተገለፀሎምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ ኣቦና ምዃኑ ፈለጠ። ማኑሄ ኸዓ ንሰበይቱ “ብርግፅ ክንመውት ኢና፥ ንኣቦና ርኢና ኢና እሞ!” በላ።

ሰበይቱ ግና “ኣቦና ኽቐትለና እንተ ዝደሊ፥ ካብ ኢድና ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉ ኣይምርኣየናን፤ ሕዚ ኸዓ ከምዙይ ኣይምሰምዐናን” በለቶ። እታ ሰበይቲ ድማ ወዲ ወለደት፤ ስሙ ኸዓ ሶምሶን ኣውፅአትሉ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ ኣቦና ኸዓ ባረኾ። መንፈስ ኣቦና ድማ ኣብ ሰፈር ዳን፥ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን፥ ከበራብሮ ጀመረ።