ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ ይትንስእ
ኤፍሬም፥ ብምትራፉ ተቘጢዑ፥ ንቤት ዮፍታሔ ብሓዊ ኽንድድዋ ኣመተ፥ ኣብ ክንድኡ ኸዓ ኣብ መሳገሪ ዮርዳኖስ ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ሰብኡ ኣጥፍአ፥ ሓንቲ ቃል ብኸመይ ከም ዝዛረብዎ ተቓሊዑ። ድሕሪኡ ኣቦና ንኢብፃንን ኤሎንን ዓብዶንን ኣተስኦም፥ ብብዝሒ ደቆምን ኣእዱጎምን ይዝከሩ።
12 1ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ናብ ፃፎን ተሳገሩ። ንዮፍታሔ ድማ “ምሳኻ ክንከይድ እንተይፀዋዕካና፥ ንደቂ ኣሞን ክትዋጋእ ስለምንታይ ተሳጊርካ? ነዛ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ከነንድዳ ኢና!” በልዎ።
2ዮፍታሔ ድማ “ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ኣሞን ብርቱዕ ባእሲ ነበረ፤ ንኣኻትኩም ድማ ፀዊዔ፥ ካብኣቶም ግና ኣየድሓንኩምንን። 3ከምዘይተድሕኑኒ ምስ ረአኹ፥ ነፍሰይ ኣብ ኢደይ ሒዘ ናብ ደቂ ኣሞን ተሳገርኩ፤ ኣቦና ድማ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሃበኒ። ሎሚ ምሳይ ክትዋግኡ ስለምንታይ ናባይ ደየብኩም?” በሎም።
4ዮፍታሔ ድማ ንኵሎም ሰብ ገለዓድ ኣኪቡ ምስ ኤፍሬም ተዋግአ። ሰብ ኤፍሬም “ኣቱም ገለዓዳውያን፥ ኣብ ማእኸል ኤፍሬምን ኣብ ማእኸል ምናሴን ዘለኹም ኰብለልቲ ኤፍሬም ኢኹም” ኢሎም ስለ ዝበሉ፥ ሰብ ገለዓድ ንኤፍሬም ወቕዕዎም። 5ሰብ ገለዓድ ነቲ ናብ ኤፍሬም ዘሳግር መሳገሪ ዮርዳኖስ ሓዝዎ። ዝሃደመ ሓደ ሰብ ኤፍሬም “ክሳገር ፍቐደለይ” ምስ በለ፥ እቶም ሰብ ገለዓድ “ኤፍሬማዊ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ “ኣይፋሉን” እንተ በለ፥ 6ንሳቶም ድማ “‘ሺቦሌት’ በል” በልዎ። ንሱ ኸዓ ብግቡእ ክዛረቦ ስለ ዘይከኣለ “ሲቦሌት” በለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪ ዮርዳኖስ ቀተልዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ከዓ ካብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ። a a v6 ሺቦሌት ማለት “ወሓዚ ማይ” ወይ “ሰብሊ እኽሊ” ማለት እዩ ነይሩ፤ ትርጉሙ ግና ኣገዳሲ ኣይነበረን። ቋንቋ ሰብ ኤፍሬም ነቲ “ሸ” ዝብል ድምፂ ከውፅኦ ስለ ዘይከኣለ፥ እታ ቃል ባዕላ መን ምዃኖም ገለፀት።
7ዮፍታሔ ንደቂ እስራኤል ሽዱሽተ ዓመት መርሖም። ድሕሪኡ ድማ ዮፍታሔ እቲ ገለዓዳዊ ሞተ፤ ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ገለዓድ ከዓ ተቐበረ።
ኣቦ ካልኦት ፈራዶ የተስእ
8ድሕሪኡ፥ በዓል ቤተ ልሔም ኢብፃን ንእስራኤል ፈረዶም። 9ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣዋልድን ነበርዎ። ነተን ሰላሳ ኣዋልዱ ኽምርዓዋ ናብ ወፃኢ ዓሌቱ ሰደደን፤ ንደቁ ኸዓ ካብ ወፃኢ ሰላሳ ኣዋልድ ኣእተወ። ንእስራኤል ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም። 10ኢብፃን ድማ ሞተ፤ ኣብ ቤተ ልሔም ከዓ ተቐበረ።
11ድሕሪኡ፥ ዛብሎናዊ ኤሎን ንእስራኤል ፈረዶም፤ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረዶም። 12ዛብሎናዊ ኤሎን ድማ ሞተ፤ ኣብ ኤሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ከዓ ተቐበረ።
13ድሕሪኡ፥ ካብ ጲርዓቶን ዝኾነ ዓብዶን ወዲ ሂልኤል ንእስራኤል ፈረዶም። 14ኣርብዓ ኣወዳትን ሰላሳ ደቂ ደቁን ነበርዎ፤ ንሳቶም ኣብ ሰብዓ ኣእዱግ ይጋልቡ ነበሩ። ንእስራኤል ሸሞንተ ዓመት ፈረዶም። 15ዓብዶን ወዲ ሂልኤል እቲ ጲርዓቶናዊ ሞተ፤ ኣብ ምድሪ ኤፍሬም ኣብ ጲርዓቶን ኣብ ደጕዓ ኣማሌቃውያን ከዓ ተቐበረ።