ኢድ ኣቦ ኣብ መርዓ ሶምሶን
ሶምሶን ኣንፃር ተቓውሞ ወለዱ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ደለየ፥ ኣቦና ኣብ ልዕሊ ገዛእቲ እስራኤል ምኽንያት ይሰርሕ ከም ዘሎ ኸይፈለጠ። ነቲ ኣንበሳ ባዶ ኢዱ ቐተሎ፥ ካብ ገምቡ መዓር በልዐ፥ ሕንቅልሕንቅሊት ከዓ ገበረሉ። ንብዓት ሰበይቱ ነቲ መልሲ ኣውፀኦ፥ ሰላሳ ሰባት ከዓ ብእኡ ሞቱ።
14 1ሶምሶን ናብ ቲምና ወረደ፤ ኣብኡ ድማ ሓንቲ ጓል፥ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ረአየ። 2ደዪቡ ኸዓ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ከምዙይ ኢሉ ነገሮም፦ “ኣብ ቲምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ ረአኹ፤ ሕዚ ድማ ሰበይተይ ክትከውን ኣምፅአለይ” በሎም።
3ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ “ካብ ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽትወስድሲ፥ ካብ ኣዝማድካ ወይ ካብ ኵሉ ህዝበይ ሰበይቲ ዲያ ዝሰኣንካ?” በልዎ። ሶምሶን ግና ንኣቦኡ “ንሳ ኣብ ዓይነይ ፅብቕቲ ኮይና ትርኣየኒ ኣላ እሞ፥ ንኣኣ ኣምፅአለይ” በሎ።
4ኣቦኡን ኣዲኡን ግና እዙይ ካብ ኣቦና ምዃኑ ኣይፈለጡን። ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ዝትንስኣሉ ምኽንያት ይደሊ ነበረ፤ በቲ ጊዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ኣብ እስራኤል ይገዝኡ ነበሩ እሞ።
5ሶምሶን ምስ ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምና ወረደ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ቲምና ኸዓ ሓደ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ኣብ ልዕሊኡ መፀ። 6መንፈስ ኣቦና ኸዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ነቲ ኣንበሳ ባዶ ኢዱ ኸም ማሕስእ ጤል ቀዳደዶ፤ ነቦኡ ዀነ ንእኖኡ ግና እቲ ዝገበሮ ኣይነገሮምን። 7ወሪዱ ድማ ምስታ ሰበይቲ ተዛረበ፤ ንሳ ኸዓ ኣብ ዓይኒ ሶምሶን ፅብቕቲ ኮይና ተራእየት።
8ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመሊሱ እንተሎ፥ ነቲ ገምቢ እቲ ኣንበሳ ኽርኢ ኣግለሰ። እንሆ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ገምቢ እቲ ኣንበሳ ጉባኤ ንህብን መዓርን ነበረ። 9ነቲ መዓር ናብ ኢዱ ወሲዱ እናኸደ በልዐ። ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን ምስ በፅሐ ድማ ሃቦም እሞ በልዑ። ካብ ገምቢ እቲ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። 10ኣቦኡ ኸዓ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፤ ሶምሶን ድማ ከምቲ መንእሰያት ዝገብርዎ ኣብኡ ድግስ ገበረ። 11ህዝቢ ምስ ረአይዎ ኸዓ፥ ምስኡ ክኾኑ ሰላሳ ብፆት ኣምፅኡ።
12ሶምሶን ድማ ከምዙይ በሎም፦ “ሓንቲ ሕንቅልሕንቅሊት ክሓተኩም፤ በቲ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ እንተ ፈቲሕኩምዋ፥ ሰላሳ ክዳን በፍታን ሰላሳ ዓፅፊ ክዳንን ክህበኩም እየ። 13እንተ ዘይከኣልኩም ግና፥ ሰላሳ ክዳን በፍታን ሰላሳ ዓፅፊ ክዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ሕንቅልሕንቅሊትካ ንገረና፤ ንስማዓዮ” በልዎ።
14ንሱ ድማ “ካብ በላዒ ዝብላዕ ወፀ፤ ካብ ብርቱዕ ከዓ ጥዑም ወፀ” በሎም። ንሰለስተ መዓልቲ ኸዓ ነታ ሕንቅልሕንቅሊት ክፈትሕዋ ኣይከኣሉን።
15ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንሰበይቲ ሶምሶን “ሰብኣይኪ ነታ ሕንቅልሕንቅሊት ክትገልፀልና ኣባብልዮ፤ እንተ ዘይኮነ ንኣኺን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ከነንድደክን ኢና። ክትዘርፉና ዲኹም ኣብዙይ ዝዓደምኩምና?” በልዋ።
16ሰበይቲ ሶምሶን ድማ ኣብኡ እናበኸየት “ንስኻ ትፀልኣኒ ጥራሕ ኢኻ እምበር፥ ኣይተፍቅረንን ኢኻ። ንህዝበይ ሕንቅልሕንቅሊት ሂብካዮም እንተለኻ፥ ንኣይ ግና ፍቺኣ ኣይነገርካንን” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ንኣቦይ ዀነ ንእኖይ ኣይነገርኩን እየ፤ ንኣኺ ደኣ ከመይ ኢለ ኽነግረኪ?” በላ።
17በቲ ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ድማ ኣብኡ ትበኪ ነበረት፤ ኣፅኒዓ ስለ ዝለመነቶ ኸዓ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነገራ። ንሳ ድማ ነታ ሕንቅልሕንቅሊት ንህዝባ ነገረቶም። 18ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ ሰባት እታ ኸተማ “ካብ መዓር ዝጥዕም እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይል እንታይ ኣሎ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ “ብዓርሐይ እንተ ዘይሓረስኩም፥ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈታሕኩምዋን ነይርኩም” ኢሉ መለሰሎም።
19ሽዑ መንፈስ ኣቦና ኣብ ልዕሊኡ ወረደ። ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ኸዓ ካብኣቶም ሰላሳ ሰብኡት ቀተለ፤ ንብረቶም ወሲዱ ድማ ነቶም ሕንቅልሕንቅሊት ዝፈትሕዋ ክዳውንቶም ሃቦም። ቍጥዓኡ ነዲዱ ድማ ናብ ቤት ኣቦኡ ደየበ። 20ሰበይቲ ሶምሶን ድማ ነቲ ሚዜኡ ዝነበረ ብፃዩ ተውሃበት።