ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ኣብ ቃና ዝተገብረ መርዓ

ኣብ መርዓ ቃና ወይኒ ምስ ወድአ፥ ኢየሱስ ብህድኣት ነተን ሽዱሽተ ዕትሮታት ናይ ምሕፃቢ ማይ ናብ እቲ ናይታ ለይቲ ዝበለፀ ወይኒ ለወጦ። ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም ነቶም ሸየጥቲ ብመግረፊ ኣውፅኦም፥ ንቤተ መቕደስ ድማ ‘ዕዳጋ ዘይኮነ ቤት ኣቦይ’ ኢሉ ፀውዖ።

ምዕራፍ 2።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ፥ ኣብ ቃና ገሊላ መርዓ ኮነ፤ ኣደ ኢየሱስ ድማ ኣብኡ ነበረት። ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ድማ ናብቲ መርዓ ተዓዲሞም ነበሩ። ወይኒ ምስ ወድአ፥ ኣደ ኢየሱስ ድማ “ወይኒ የብሎምን” በለቶ።

ኢየሱስ ድማ “ኣቲ ሰበይቲ፥ ናብዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ተእትውኒ ኣለኺ? ሰዓተይ ገና ኣይበፅሐትን” ኢሉ መለሰላ።

ኣዲኡ ድማ ነቶም ኣገልገልቲ “እቲ ዝብለኩም ኵሉ ግበሩ” በለቶም።

ሽዱሽተ ናይ እምኒ ዕትሮታት ማይ ኣብኡ ነበራ፤ እዚኣተን ከዓ ናይ ኣይሁድ ስርዓት ምንፃህ ዝኾና ነበራ፤ ነፍሲ ወከፈን ድማ ካብ ዕስራ ክሳዕ ሰላሳ ጋሎን ይሕዝ ነበረ። a a v6 ነፍሲ ወከፍ ዕትሮ ኣስታት ካብ 20 ክሳዕ 30 ጋሎን (ካብ 75 ክሳዕ 115 ሊትሮ) ትሕዝ ነበረት፤ እዚኣተን ዓበይቲ ኣቑሑ ነበራ።

ኢየሱስ ድማ “ነተን ዕትሮታት ማይ ምልእወን” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ክሳዕ ኣፍ መልእወን። ድማ “ሕዚ ገሊኡ ቀዲሕኩም ናብ ሓለቓ ማእዲ ውሰዱ” በሎም። ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ።

እቲ ሓለቓ ማእዲ ድማ ነቲ ወይኒ ዝኾነ ማይ ጠዓሞ፤ ካበይ ከም ዝመፀ ኸዓ ኣይፈለጠን፤ እቶም ነቲ ማይ ዝቐድሑ ኣገልገልቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። ስለዙይ ንመርዓዊ ፈልዩ ፀዊዑ፥ “ኵሉ ሰብ ቅድም ነቲ ፅቡቕ ወይኒ የቕርብ፤ ዕዱማት ምስ ሰኸሩ ድማ ነቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ፅቡቕ ወይኒ ክሳዕ ሕዚ ዓቂብካዮ ኣለኻ” በሎ። ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት ኣብ ቃና ገሊላ ገበረ፤ ክብሩ ድማ ገለፆ፤ ደቀ መዛሙርቱ ከዓ ብእኡ ኣመኑ።

ድሕሪዙይ ድማ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ፤ ኣብኡ ኸዓ ቑሩብ መዓልቲታት ፀንሑ።

ናይ ኣይሁድ ፋሲካ ምስ ቀረበ፥ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።

ምፅራይ ቤተ መቕደስ

ኣብ ቤተ መቕደስ ድማ ሸየጥቲ ኣብዑርን ኣባጊዕን ርግብን ረኸበ፤ ካልኦት ድማ ኣብ ጣውላታት ተቐሚጦም ገንዘብ ይልውጡ ነበሩ። መግረፊ ናይ ገመድ ገይሩ፥ ንኵሎም ምስ ኣባጊዕን ኣብዑርን ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ገንዘብ እቶም ለወጥቲ ገንዘብ ኣፍሰሰ፤ ንጣውላታቶም ድማ ገልበጠ።

ነቶም ሸየጥቲ ርግቢ ድማ “ነዚኣቶም ካብዙይ ኣውፅእዎም! ንቤት ኣቦይ ዕዳጋ ኣይትግበርዎ” በሎም።

ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቲ “ቅንኣት ቤትካ ክበልዐኒ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ዘከርዎ።

ስለዙይ ኣይሁድ “ነዝ ነገር እዙይ ስለ እትገብር እንታይ ምልክት ተርእየና?” ኢሉ ጠየቕዎ።

ኢየሱስ ድማ “ነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሰለስተ መዓልቲ ከተስኦ እየ” ኢሉ መለሰሎም።

ንሳቶም ድማ “እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ንምስራሕ ኣርብዓን ሽዱሽተን ዓመት ወሲዱ፥ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ተንስኦ?” ኢሎም መለሱሉ። እቲ ንሱ ዝተዛረበሉ ቤተ መቕደስ ግና ስጋኡ እዩ ነይሩ። ካብ ሙታን ምስ ተንስአ፥ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ከም ዝበሎም ዘከርዎ፤ ነቲ ፅሑፍ፥ ከምኡውን ነቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቃል ድማ ኣመኑ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ በዓል ፋሲካ እንተሎ፥ ብዙሓት ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ብስሙ ኣመኑ።

ኢየሱስ ግና ንዅሉ ሰብ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ ንርእሱ ኣይ ኣመኖምን። ብዛዕባ ሰብ ናይ ሓደ እኳ ምስክር ኣየድልን ነበረ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ነበረ እሞ።