ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ካብ መቓብር ዝወፅእ ዓፅሚ

ሰባት ይወድቑ መሊሶም ድማ ይትስኡ፤ እዝ ህዝቢ ግና ይወድቕ ተደፊኡ ኸዓ ይተርፍ። ዝፈልሳ ኣዕዋፍ ግዚአን ይፈልጣ፥ ይሁዳ ግና መንገዲ ኣቦኣ ኣይትፈልጥን። ኤርሚያስ ብሓዘን ሓሚሙ፥ ኣብ ገለዓድ በለሳን እንተሎ ይሓትት—እቲ ምዕራፍ ከዓ ኣይምልሰሉን።

ምዕራፍ 8።

“በቲ ጊዜ እቱይ፥ ናይ ይሁዳ ነገስታትን መኳንንትን ካህናትን ነቢያትን ነበርቲ ኢየሩሳሌምን ዓፅሚ ኻብ መቓብሮም ከውፅእዎ እዮም፥” ይብል ኣሎ ኣቦና። ኣብ ቅድሚ እቲ ዘፍቀርዎን ዘገልገልዎን ዝሰዓብዎን ዝተማኸርዎን ዘምለኽዎን ፀሓይን ወርሕን ኵሎም ሰራዊት ሰማይን ክዝርግሕዎም እዮም፤ ኣይእከቡን ኣይቕበሩን፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ድማ ከም ድዂዒ ክኾኑ እዮም። ኵሉ ተረፍ እዚ እኩይ ዓሌት እዙይ፥ ናብቲ ዝሰጐጕኽዎም ኵሉ ቦታ፥ ካብ ህይወት ንላዕሊ ሞት ክመርፁ እዮም፥ ይብል ኣሎ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ።

ክምለስ ዘይደሊ ህዝቢ

ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ሰባት እንተ ወደቑ፥ ዳግም ኣይትስኡንዶ? ሓደ ሰብ እንተ ዞረ ኸዓ፥ ኣይምለስን? ነዝ ህዝቢ ኢየሩሳሌም እዙይ፥ ናይ ዘለኣለም ምዝንባል ስለ ምንታይ ደኣ ዞረ? ንሓሰት ይለግቡ፤ ክምለሱ ኸዓ ኣበዩ።’ ኣጥቢቐ ሰማዕኹ፥ ንሳቶም ግና ቅኑዕ ኣይዛረቡን። ‘እንታይ ገበርኩ?’ እናበለ፥ ካብ እከዩ ዝምለስ የለን። ነፍሲ ወከፍ ናብ መገዱ ይጐዪ፥ ከምቲ ናብ ውግእ ዝጓየ ፈረስ። እታ ኣብ ሰማይ ዘላ ራዛ እኳ ነቲ እተመደበላ ዘመን ትፈልጥ፥ ባሪቶን ሰሰናን ሽቅርቅርን ከዓ ጊዜ ምምፃኣን ይሕልዋ። ህዝበይ ግና ነቲ ፍትሓዊ መገዲ ኣቦኦም ኣይፈልጡን። “ንሕና ጥበበኛታት ኢና፥ ሕጊ ኣቦናውን ምሳና ኣሎ፥” ከመይ ኢልኩም ትዛረቡ? ብሓቂ ግና እታ ሓሳዊት ብርዒ መምህራን ሕጊ ናብ ሓሰት ለዊጣቶ እያ። እቶም ጥበበኛታት ክሓፍሩ እዮም፤ ክሽበሩን ክጥመዱን እዮም። እንሆ፥ ንቓለይ ነፂጎምዎ እዮም፤ እንታይ ጥበብ ደኣ ተሪፍዎም? ስለዙይ ኣንስቶም ንኻልኦት፥ ግራውቶም ድማ ንሓደሽቲ በዓል ዋናታት ክህቦም እየ። ካብ ንኡሽቶ ክሳዕ ዓብዪ፥ ነፍሲ ወከፍ ብስስዐ ናይ ዓመፃ ረብሓ ይደሊ፤ ካብ ነቢይ ክሳዕ ካህን፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሰት ይገብር። ንቍስሊ ጓል ህዝበይ ከም ፈኲስ ገይሮም ይፍውስዎ፥ ‘ሰላም፥ ሰላም’ ይብሉ፤ ሰላም ግና የለን። ነቲ ዝገበርዎ ርኹስ ነገር ሓፊሮሙዶ? ኣይፋሉን፥ ፈፂሞም ኣይሓፈሩን፤ ክሓፍሩ እኳ ኣይፈለጡን። ስለዙይ ኣብ ማእኸል እቶም ዝወደቑ ክወድቑ እዮም፤ ኣብ ዝቐፅዖም ጊዜ፥ ክድፍኡ እዮም፥ ይብል ኣሎ ኣቦና። “ብርግፅ ክእክቦም እየ፥” ይብል ኣሎ ኣቦና። “ኣብ ኦም ወይኒ ወይኒ የለን፥ ኣብ ኦም በለስ ድማ በለስ የለን፥ ቆፅሊ ኸዓ ክነቕፅ እዩ፤ እቲ ዝሃብክዎም ድማ ካብኣቶም ክሓልፍ እዩ።”

“ኣብዙይ ኮፍ ኢልና ስለ ምንታይ ኢና? ኣብ ሓደ ተኣከቡ! ናብተን ጽኑዓት ከተማታት ንህደም እሞ ኣብኡ ንጥፋእ፥ ኣቦና ክንጠፍእ ፈሪዱና ማይ መርዚ ድማ ክንሰቲ ሂቡና እዩ እሞ፥ ንእኡ በዲልና ኢና።”

ሰላም ተስፋ ገበርና፥ ፅቡቕ ግና ኣይመፀን፤ ጊዜ ፈውሲ ተፀቤና፥ ኣብክንድኡ ግና ራዕዲ ኮነ። ናይ ኣፍራስ ፀላኢ ፍሽኽታ ካብ ዳን ይስማዕ ኣሎ፤ በቲ ሀራር ኣፍራሶም ድምፂ ኵላ ምድሪ ትርዕድ። ንሳቶም መፂኦም ነታ ምድርን ኵሉ ዘለዋን፥ ነታ ኸተማን ኣብኣ ዝነብሩ ዅሎምን ክበልዕዎም እዮም።

“እንሆ፥ ኣብ ማእኸልኩም መርዛማት ኣትማን እሰድድ ኣለኹ፥ ክጥንቈሉ ዘይኽእሉ ኣትማን፥ ንሳቶም ድማ ክነኽሱኹም እዮም፥” ይብል ኣሎ ኣቦና።

ኤርሚያስ ስለ ህዝቡ በኸየ

ሓጎሰይ ተወድአ፥ ሓዘን ወሪሩኒ፤ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ሓሚሙ። ስማዕ፥ ድምፂ ኣውያት ጓል ህዝበይ ካብ ርሑቕ ምድሪ ይስማዕ ኣሎ፦ “ኣቦና ኣብ ፅዮን የለን? ንጉሳ ደጊም ኣብኣ የለን?” “ስለ ምንታይ ብዝተቐረፁ ምስልታቶም፥ ብኸንቱ ባዕዳውያን ጣኦታቶም ኣቘጥዑኒ? ዓፂድ ሓለፈ፥ ሓጋይ ተወድአ፥ ንሕናውን ኣይደሓንናን።” ስለ ቍስሊ ጓል ህዝበይ ተሰበርኩ፤ ሓዘንኩ፥ ራዕዲ ድማ ሓዘኒ። ኣብ ገለዓድ በለሳን የለን? ኣብኡ ሓኪም የለን? ስለ ምንታይ ደኣ ፈውሲ ጓል ህዝበይ ኣይመፀን?