ዒላ ንብዓት
ኤርሚያስ ኣቋሪፁ ኽበኪ፥ ወይ ፈፂሙ ኽኸይድ ይምነ፥ ጐረባብትን ኣሕዋትን ምሕሳው ልሚዶምዎ እዮም እሞ። ኣቦና እታ ሃገር ክትባድምን ክትብተንን ከም ዝኾነት ይዛረብ። እቲ ዝምካሕ ዘብል ሓደ ነገር፥ ንእኡ ምፍላጥ እዩ—እሙን ፍቕሪ፥ ፍትሒ፥ ፅድቂ፥ እቲ ብሓቂ ባህ ዝብሎ።
9 1ርእሰይ ዓይኒ ማይ፥ ኣዒንተይ ከዓ ዒላ ንብዓት እንተ ዝኾና ነይረ! ምእንቲ ቅቱላት ጓል ህዝበይ ለይትን መዓልትን ምበኸኹ ነይረ። 2ኣብ በረኻ ናይ ኣጋይሽ መሕደሪ እንተ ዝህልወኒ ነይሩ፥ ንህዝበይ ሓዲገ ካባታቶም ምኸድኩ ነይረ! ኵሎም ኣመንዝራታት፥ ጉጅለ ኸዳዓት እዮም እሞ።
3ልሳኖም ከም ቀስቲ ይገትሩ፤ ኣብታ ምድሪ ዝበርትዐ ሓሰት እምበር እሙንነት ኣይኮነን። ካብ ክፉእ ናብ ክፉእ ይኸዱ፥ ንኣይ ከዓ ኣይፈልጡን እዮም፥ ይብል ኣቦና።
4ነፍሲ ወከፍ ካብ ብፃዩ ይጠንቀቕ፥ ኣብ ዝኾነ ሓው ከዓ ኣይተኣማመን፤ ነፍሲ ወከፍ ሓው ኣታላሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብፃይ ከዓ እናሓመየ ይኸይድ እዩ እሞ።
5ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ የታልል፥ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ የለን፤ ልሳኖም ሓሶት ክዛረብ ኣላመዱ፥ ክፉእ እናገበሩ ድማ ደኸሙ። 6ኣብ ማእኸል ተንኰል ትነብር ኣለኻ፤ ብተንኰሎም ንኣይ ክፈልጡ ኣበዩ፥ ይብል ኣቦና።
7ስለዙይ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ከፅርዮምን ክፍትኖምን እየ፤ ብዘይካዙይ ደኣ ምእንቲ ጓል ህዝበይ እንታይ ክገብር እኽእል? 8ልሳኖም ቀታሊ ፍላፃ እዩ፤ ተንኰል ይዛረብ። ነፍሲ ወከፍ ብኣፉ ንብፃዩ ሰላም ይዛረቦ፥ ብልቡ ግና ይድብዮ። 9ስለ ነገራት እዚኣትዶ ኣይቐፅዖምን? ይብል ኣቦና። ኣብ ከምዙይ ዝበለ ህዝቢዶ ኣይበቀልን? 10“ምእንቲ እቶም ኣኽራን ክበኪ ዋይ ዋይታ ኸዓ ክብል እየ፥ ምእንቲ ሰውሒ በረኻ ድማ መልቀስ ከልዕል እየ፤ ባዲሞም እዮም እሞ ሓላፊ የለን፥ ድምፂ ከፍቲ ኸዓ ኣይስማዕን። ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ክሳዕ ኣራዊት፥ ኵሎም ሃዲሞም ከዱ። 11ንኢየሩሳሌም ኵምሪ ዑና፥ መዕቘቢ ወኻሩ ክገብራ እየ፤ ንከተማታት ይሁዳ ኸዓ ሰብ ዘይነብረለን ዝባደማ ክገብር እየ።”
12እዙይ ከስተውዕል ዝኽእል ጥበበኛ መን እዩ? እታ ምድሪ ስለምንታይ ከም ዝጠፍአት፥ ከም በረኻ ተቓፂላ ሓላፊ ዘይብላ ኸም ዝኾነት ክገልፅ፥ ኣፍ ኣቦና ንመን ተዛሪብዎ?
13ኣቦና ኸዓ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቲ ዝሃብክዎም ሕገይ ስለ ዝሓደግዎ፥ ድምፀይ ስለ ዘይሰምዑ፥ ብእኡውን ስለ ዘይተመላለሱ፥ 14ድሕሪ ልቦም ብትሪ ተኸቲሎም ደኣ ከምቲ ኣቦታቶም ዝመሃርዎም ደድሕሪ በዓሊም ከዱ እምበር። 15ስለዙይ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ፥ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ህዝቢ እዙይ መሪር መግቢ ከብልዖም፥ ማይ መርዚ ኸዓ ከስትዮም እየ። 16ኣብ ማእኸል እቶም ንሳቶምን ኣቦታቶምን ዘይፈለጥዎም ህዝብታት ፋሕ ከብሎም እየ፤ ክሳዕ ዘጥፍኦም ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ክሰድድ እየ።
17ኣቦ ሰራዊት ሰማይ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣስተውዕሉ! ነተን ኣብ ብኽያት ዝለመዳ ኣንስቲ ፀውዑ፤ ነተን ኣብ መልቀስ ዝተለማመዳ ኸዓ ለኣኹለን። 18ይቀላጠፋ እሞ ዋይ ዋይታ የልዕላልና፥ ኣዒንትና ንብዓት ምእንቲ ኽውሕዛ፥ ሽፋሽፍትና ድማ ማይ ምእንቲ ኸንጠብጥብ።
19ካብ ፅዮን ድምፂ ዋይ ዋይታ ይስማዕ ኣሎ እሞ፦ ከመይ ጠፋእና! ነታ ምድሪ ሓዲግና ኢና እሞ የመና ሓፊርና፤ ንማሕደርና ኣፍሪሶም እዮም እሞ። 20ኣትን ኣንስቲ፥ ሕዚ ቃል ኣቦና ስምዓ፤ ኣእዛንክን ከዓ ቃል ኣፉ ይቀበላ። ነኣዋልድክን ዋይ ዋይታ መሃራ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ ንብፃያ መልቀስ መሃር። 21ሞት ብመሳዅትና ደዪቡ፥ ናብ ኣዳራሻትና ኣትዩ፥ ንቘልዑ ካብ መንገዲ፥ ንመንእሰያት ከዓ ካብ ኣደባባያት ይቘርፅ ኣሎ።
22ተዛረብ፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሬሳታት ሰባት ከም ድዂዒ ኣብ ገፅ መሮር ክወድቕ እዩ፤ ከም ድሕሪ ዓፃዳይ ዝተረፈ ዕትሪ እኽሊ፥ ዝእክቦም ከዓ ዘይብሉ።
23ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እቲ ጠቢብ ብጥበቡ ኣይመካሕ፤ እቲ ሓያል ብሓይሉ ኣይመካሕ፤ እቲ ሃብታም ብሃብቱ ኣይመካሕ፤ 24እቲ ዝምካሕ ግና በዙይ ይመካሕ፦ ንኣይ ከም ዝርዳእን ዝፈልጠንን፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ምድሪ ብምሕረትን ብፍርድን ብፅድቅን ዝገብር ኣቦኻ ምዃነይ፤ በዞም ነገራት እዚኣቶም ባህ ይብለኒ እዩ እሞ፥ ይብል ኣቦና።
25እንሆ፥ መዓልቲታት ይመፅእ ኣሎ፥ ይብል ኣቦና፤ ነቶም በስጋ ጥራሕ ዝተገረዙ ዅሎም ክቐፅዖም እየ። 26ግብፂ፥ ይሁዳ፥ ኤዶም፥ ደቂ ኣሞን፥ ሞኣብ፥ ኵሎም እቶም ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ኣብ በረኻ ዝነብሩን፤ እዞም ኵሎም ህዝብታት ዘይግሩዛት እዮም እሞ፤ ኵላ ቤት እስራኤል ድማ ልባ ዝተረረ እዩ።