ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ምዉታት ጣዖታት፥ ህያው ኣቦ

ጣዖታት ኣብ ጥቓ እቲ ህያው ኣቦ ይቕመጡ፦ ኦም ተቖሪፁ ኸይወድቕ ደው ኢሉ ይተኽል፥ ክኸይድ ስለ ዘይኽእል ድማ ይፅዐን። ንሱ ንምድሪ ገበራ፥ ኣብ ልዕሊኣ ኸዓ ይነጕድ። ሽዑ እታ ኸተማ ንምርኮ ኣቕሓኣ ተኣኻኽብ፥ ኤርሚያስ ድማ ብቍጥዓ ዘይኮነ ብፍርዲ ክግሰፅ ይልምን።

ምዕራፍ 10።

ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ነቲ ኣቦና ዝዛረበኩም ቃል ስምዑ።

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ መንገዲ ኣህዛብ ኣይትመሃሩ፤ ኣህዛብ ንትእምርቲ ሰማይ እኳ እንተ ፈርሑ፥ ንስኻትኩም ነዙይ ኣይትፍርሑ።

ልማድ ህዝብታት ከንቱ እዩ እሞ፦ ሓደ ሰብ ካብ ዱር ኦም ይቘርፅ፤ እቲ በዓል ሞያ ኸዓ ብመሳርሒኡ ይቐርፆ። ብብሩርን ወርቅን የጌጽዎ፤ ከይነቓነቕ ድማ ብመዶሻን ሽኻላትን የፅንዕዎ። ጣዖታቶም ከም ኣብ ግራት ዱባ ዘሎ ኣፈራርሒ ኾይኖም፥ ክዛረቡ ኣይኽእሉን፤ ክኸዱ ስለ ዘይኽእሉ ክፅዐኑ ኣለዎም። ክፉእ ክገብሩ ኣይኽእሉን እዮም እሞ ኣይትፍርሕዎም፤ ፅቡቕ ክገብሩ ዓቕሚ ኸዓ የብሎምን።

ኦ ኣቦና፥ ከማኻ ዝኾነ የለን፤ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፥ ስምካ ኸዓ ብሓይሊ ዓብዪ እዩ። ኦ ንጉስ ኣህዛብ፥ መን እዩ ዘይፈርሓካ? እዝ ንኣኻ ዝግባእ እዩ፤ ኣብ ኵሎም ጥበበኛታት ኣህዛብን ኣብ ኵለን መንግስታቶምን ከማኻ ዝኾነ የለን እሞ። ኵላቶም ዘየስተውዕሉን ዓያሹን እዮም፤ ትምህርቶም ካብ ከንቱ ጣዖታት እዩ፥ ኦም ጥራሕ ደኣ እዩ። ዝተቐጥቀጠ ብሩር ካብ ተርሴስ፥ ወርቂ ኸዓ ካብ ኡፋዝ ይመፅእ፤ ብኢድ በዓል ሞያን ኣንጠረኛን ዝተሰርሐ እዩ፤ ክዳኖም ሰማያውን ሓምራውን እዩ፤ ኵሉ ድማ ስራሕ ክኢላታት እዩ። ኣቦና ግና እቲ ናይ ሓቂ እዩ፤ ንሱ ህያው ኣቦን ናይ ዘለኣለም ንጉስን እዩ። ብቝጥዓኡ ምድሪ ትንቀጥቀጥ፥ ኣህዛብ ከዓ ነቲ ነድሩ ክፃወሩ ኣይኽእሉን።

ከምዙይ ኢልኩም ንገርዎም፦ “እቶም ሰማይን ምድርን ዘይገበሩ ኣማልኽቲ፥ ካብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ክጠፍኡ እዮም።” ንሱ እዩ ንምድሪ ብሓይሉ ዝገበራ፥ ንዓለም ብጥበቡ ዘጣጠሓ፥ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓሉ ዝዘርግሖም። ንሱ ምስ ነጐደ፥ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ማያት ይሃምም፤ ንተነ ካብ ወሰን ምድሪ የደይቦ። ንዝናም መባርቕ ይገብር፥ ንፋስ ከዓ ካብ መዛግብቱ የውፅእ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘየስተውዕልን ፍልጠት ዘይብሉን እዩ፤ ነፍሲ ወከፍ ኣንጠረኛ ብጣዖታቱ ይሓፍር፤ ዝፈሰሶም ምስልታቱ ሓሶት እዮም እሞ፥ እስትንፋስ ድማ የብሎምን። ንሳቶም ከንቱ፥ ባጫን እዮም፤ ኣብ ጊዜ መቕፃዕቶም ክጠፍኡ እዮም። እቲ ግደ ያእቆብ ከምዚኣቶም ኣይኮነን፤ ንሱ ንኵሉ ዝፈጠረ እዩ እሞ፥ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፤ ስሙ ኣቦ ሰራዊት ሰማይ እዩ። a a v16 “እቲ ግደ ያእቆብ” ንእግዚኣብሄር ዝገልፅ ስም ኮይኑ፥ ነቲ ናይ ህዝቡ ዝኾነ ናይ ሓቂ መዝገብን ርስትን ከም ዝኾነ ዘመልክት እዩ።

እቲ ዝመፅእ ምርኮ

ኣቲ ኣብ ክበባ እትቕመጢ፥ ፆርኪ ካብ ምድሪ ኣክቢ።

ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ እንሆ፥ በዛ ጊዜ እዚኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ክድርብዮም እየ፤ ምእንቲ ኽስምዖም ድማ መከራ ከምፅኣሎም እየ።

ብሰንኪ ቍስለይ ወይለይ! መቑሰልተይ ከቢድ እዩ። ኣነ ግና “እዝ ብሓቂ ሕማመይ እዩ፥ ክፆሮውን ኣለኒ” በልኩ። ድንኳነይ ዓንዩ፥ ኵሉ ገመደይ ድማ ተበቲኹ። ደቀይ ሓዲጎምኒ ከይዶም የለዉን፤ ድንኳነይ ዳግማይ ዝተኽልን መጋረጃታተይ ዝሰቅልን ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ጓሶት ዓሺዮም እዮም እሞ ንኣቦና ኣይደለዩን፤ ስለዙይ ኣይሰለጦምን፤ ኵሉ መጓሰኦም ድማ ተበቲኑ። ስምዑ! ወረ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ምድሪ ሰሜን ዓብዪ ዕግርግር መፂኡ፥ ንከተማታት ይሁዳ ዑናን መንበሪ ወኻሩን ክገብረን እዩ። ኦ ኣቦ፥ መንገዲ ሰብ ናይ ርእሱ ከም ዘይኮነ እፈልጥ እየ፤ ዝኸይድ ሰብ ድማ ንስጕምቱ ባዕሉ ኸቕንዕ ኣይኽእልን እዩ።

ኤርምያስ ምሕረት ዝለመነሉ ፀሎት

ኦ ኣቦ፥ ብቍጥዓኻ ኣይኹን ደኣ ብፍትሒ ግና ገስፀኒ፤ እንተ ዘይኮይኑ ናብ ባዶ ኽትመልሰኒ ኢኻ። ቍጥዓኻ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብስምካ ዘይፅውዑ ህዝብታትውን ኣፍስስ፤ ንያእቆብ በሊዖምዎ እዮም እሞ፥ በሊዖምዎን ወዲኦምዎን መጓሰዪኡ ድማ ኣባዲሞም እዮም።