ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ክሕልውዎ ዝኣበዩ ኪዳን

ኣቦና ነቲ ኻብ ግብፂ ኺወፅኡ እንተለዉ ዝኣተዎ ኪዳን ይዝክር፥ ከም ዝተፈረሰ ድማ ይሰምዮ፤ ንኤርሚያስ ከዓ ስለ እቲ ህዝቢ ኸይፅሊ ይነግሮ። ሽዑ ኤርሚያስ፥ ገዛእ ሰብ ዓዱ ኣብ ኣናቶት ንሞቱ ኸም ዝሃቀኑ ይፈልጥ። ከም ዝምራሕ ገንሸል ኾይኑ፥ ገለ ኸየስተውዓለ ተመሪሑ ነይሩ፥ ፍትሒ ድማ ይሓትት።

ምዕራፍ 11።

እቲ ካብ ኣቦና ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቃል እዙይ እዩ፦

“ቃላት እዝ ኪዳን እዙይ ስምዑ፥ ንህዝቢ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ከዓ ንገርዎም።” “ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነዝ ኪዳን እዙይ ቃላት ዘይሰምዕ ኵሉ ሰብ ርጉም ይኹን፥ ነዝ ኪዳን እዙይ በታ ኻብ ምድሪ ግብፂ፥ ካብቲ እቶን ሓፂን ዘውፃእኩሎም መዓልቲ ንኣቦታትኩም ከምዙይ ኢለ ኣዘዝኩዎም፦ ቃለይ ስምዑ፥ ኵሉ ትእዛዛተይ ድማ ግበሩ፤ ስለዙይ ውሉደይ ክትኮኑ ኢኹም፥ ኣነ ኸዓ ኣቦኹም ክኸውን እየ። a a v4 እቲ እቶን ሓፂን ነቲ ኣብ ግብፂ ዝነበረ ዘድቅቕ ባርነት ዕዮ የመልክት፤ መውፅኢ ዘይብሉ፥ ዘቃፅልን ዘየዕርፍን ባርነት እዩ ነይሩ። ሽዑ ነቲ ንኣቦታትኩም ዝመሓልክዎ ማሕላ፥ ከምዝ ሎሚ ኾይኑ ዘሎ፥ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኽህቦም ክፍፅሞ እየ።” ኣነ ኸዓ “ኣሜን፥ ኣቦና” ኢለ መለስኩ።

ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ነዝ ኵሉ ቃላት እዙይ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ኣውጅ፦ ቃላት እዝ ኪዳን እዙይ ስምዑ፥ ግበርዎም ድማ።”

“ንኣቦታትኩም ካብ ግብፂ ኣብ ዘደየብኩሉ መዓልቲ፥ ክሳዕ ሎሚ መሊሰ መሊሰ እናተጠንቀቕኩ፥ ቃለይ ስምዑ ኢለ ብብርቱዕ ኣጠንቂቐዮም እየ። ንሳቶም ግና ኣይተኣዘዙን ኣይሰምዑን፤ ነፍሲ ወከፎም ብትሪ ክፉእ ልቡ ተመላለሰ። ስለዙይ ነዝ ክሕልዉ ዝኣዘዝክዎም ኵሉ ቃላት እዝ ኪዳን እዙይ ኣብ ልዕሊኦም ኣምፃእኩ፥ ንሳቶም ግና ኣይገበሩን።”

ኣቦና ድማ ከምዙይ በለኒ፦ “ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ። ናብ ሓጢኣት ኣቦታቶም፥ ናብቶም ቃለይ ክሰምዑ ዝኣበዩ ተመሊሶም እዮም። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ ከገልግልዎም ሰዓብዎም። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ኪዳነይ ኣፍሪሶም እዮም።” ስለዙይ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ከየምልጥዎ ዘይኽእሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ከምፅእ እየ። ናባይ እኳ እንተ ኣእወዩ፥ ኣይሰምዖምን እየ። ሽዑ ኸተማታት ይሁዳን ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ከይዶም፥ ናብቶም ዕጣን ዘዕጥኑሎም ኣማልኽቲ ክእውዩ እዮም፤ እዚኣቶም ግና ብጊዜ መከራኦም ፈፂሞም ከድሕንዎም ኣይኽእሉን። ኦ ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኸም ብዝሒ ኸተማታትካ እዮም፤ ነቲ ኣፀያፊ ነገር ዝሰራሕካዮም መሰውኢታት፥ ማለት ንበዓል ዕጣን እተዕጥነሉ መሰውኢታት፥ ከም ብዝሒ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም እዮም።

“ስለዙይ ንስኻ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትፀሊ፥ ኣውያት ኾነ ፀሎት ኣይተልዕለሎም፤ ብጊዜ መከራኦም ናባይ ምስ ዝፅውዑ ኣይሰምዖምን እየ እሞ። ፍቕርተይ ኣብ ቤተይ እንታይ መሰል ኣለዋ፥ እዙይ ኵሉ ክፉእ ተንኮል ፈፂማ እናሃለወት? እቲ ቅዱስ ስጋ ንጥፍኣት ኬርሕቐልኪ ይኽእልዶ? እቲ መዓት ምስ መፀ፥ ሽዑ ኽትሕጐሲዶ ኢኺ?” b b v15 ቅዱስ ስጋ፦ እቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኾይኑ ናብ መቕደስ ዝመፅእ ክፋል መስዋእቲ እንስሳ እዩ።

ኣቦና ቐደም ንዓኺ መልክዐኛ፥ ፅብቕቲ ፍረ ዘለዋ ልምልምቲ ኦም ኣውሊዕ ኢሉ ፀውዐ። ብድምፂ ብርቱዕ ህቦብላ ግና ኣቦና ነታ ኦም ብሓዊ ኸንድዳ እዩ፥ ጨናፍራ ኸዓ ክስበራ እየን።

እቲ ዝተኸለኪ ኣቦ ሰራዊት፥ ብሰንኪ እቲ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ዝገበርዎ ክፉእ፥ ንበዓል ዕጣን ብምዕጣን ድማ ንኣይ ስለ ዘቘጥዑኒ፥ መዓት ኣብ ልዕሌኺ ወሰነ።

ኣብ ልዕሊ ኤርሚያስ ዝተኣልመ ተንኮል

ኣቦና ኣፍለጠኒ፥ ኣነ ኸዓ ፈለጥኩ፤ ሽዑ ንስኻ ግብርታቶም ኣርኣኻኒ። ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዝውሰድ ህዱእ ዕየት ነበርኩ፤ ንኣይ ከም ዝተማኸሩለይ ኣይፈለጥኩን፤ ከምዙይ ድማ በሉ፦ “ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ነጥፍኣያ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ንቑረፆ፥ ስሙ ድማ ማንም ከይዝክር።” ኦ ኣቦ ሰራዊት፥ ብፅድቂ እትፈርድ፥ ንልቢ እትምርምር፥ ንኵሊትውን እትፍትን፥ ፍርድኻ ኣብ ልዕሊኦም ክርኢ ሃበኒ፥ ጉዳየይ ናባኻ ኣረኪበ እየ እሞ።

ስለዙይ ኣቦና ብዛዕባ እቶም ነፍስኻ ዝደልዩ፥ ብስም ኣቦና ኣይትተነበ፥ እንተ ዘይኮይኑ ክንቀትለካ ኢና፥ ዝብሉ ሰብ ኣናቶት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ c c v21 ኣናቶት ዓዲ ኤርሚያስ ባዕሉ ነበረት፤ ኣብ ሰሜን ኢየሩሳሌም እትርከብ ናይ ካህናት ከተማ እያ ነይራ፤ ስለዙይ እዝ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣልመ ተንኮል፥ ካብ ጎረባብቱን ኣዝማዱን ዝመፀ እዩ። ስለዙይ ኣቦ ሰራዊት ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ክቐፅዖም እየ። መንእሰያቶም ብሰይፊ ክሞቱ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም። ካብኣቶም ሓደኳ ኣይክተርፍን እዩ፤ ኣብ ዓመት መቕፃዕቶም ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከምፅእ እየ።