ኤርሚያስ ብዛዕባ ፍትሒ ኣቦኡ ይሓትት
ኤርሚያስ ንኣቦኡ፥ እቶም ከዳዓት ስለ ምንታይ ብደሓን ከም ዝነብሩ፥ ብግልፂ ይሓቶ። እቲ መልሲ ዝኸፍአ ዝቕፅል እምበር ገለ መብርሂ ኣይህብን፦ እግረኛታት እንተ ኣድኸሙኻ፥ ምስ ኣፍራስ ከመይ ኢልካ ክትቀዳደም ኢኻ — ገዛእ ቤተ ሰብካ ድማ ጠሊሞምኻ እዮም። ኣቦና ነታ ኣሕሊፉ ዝሃባ ምድሪ ይሓዝነላ።
12 1ኦ ኣቦይ፥ ነገረይ ናብ ቅድሜኻ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፃድቕ ኢኻ፤ ኮይኑ ግና ብዛዕባ ፍርድኻ ምሳኻ ክዛረብ እደሊ ኣለኹ። መንገዲ ረሲኣን ስለ ምንታይ ይቐንዕ? እቶም ከዳዓት ኩሎም ስለ ምንታይ ብደሓን ይነብሩ? 2ተኸልካዮም፥ ሱር ድማ ሰደዱ፤ ይዓብዩ ፍረ ኸዓ ይፈርዩ። ኣብ ኣፎም ቅሩብ ኢኻ፥ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ። 3ንስኻ ግና፥ ኦ ኣቦይ፥ ትፈልጠኒ ኢኻ፤ ትርእየኒ፥ ልበይ ናባኻ ኸመይ ከም ዘሎ ድማ ትፍትኖ። ከም ኣባጊዕ ንመሕረዲ ስሒብካ ውሰዶም፤ ንመዓልቲ ሕርዲ ድማ ፍለዮም ኣንብሮም። 4እታ ምድሪ ክሳዕ መኣዝ ክትሓዝን፥ ሳዕሪ ኩሉ ግራት ክሳዕ መኣዝ ክነቅፅ እዩ? ብሰንኪ እከይ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተፀራሪጎም እዮም፤ እቶም ህዝቢ፥ “መወዳእታና ኣይርእዮን እዩ” ይብሉ ስለ ዘለዉ እዩ።
እቲ ኣቦ ንኤርሚያስ ይምልሰሉ
5ምስ እግረኛታት ተቐዳዲምካ ንሳቶም እንተ ኣድኸሙኻ፥ ምስ ኣፍራስ ከመይ ኢልካ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላማዊት ምድሪ እንተ ተዓንቂፍካ፥ ኣብ ዱር ዮርዳኖስ ከመይ ኢልካ ክትገብር ኢኻ? 6ኣሕዋትካ እኳ ቤት ኣቦኻ እኳ ጠሊሞምኻ እዮም፤ ንሳቶም እኳ ዓው ኢሎም ፀዊዖምኻ እዮም፤ ፅቡቕ ነገር ናባኻ እኳ እንተ ተዛረቡ፥ ኣይትእመኖም። 7ንቤተይ ሓዲገ፥ ርስተይ ጎዲፈ፤ ነታ ፍትውቲ ነፍሰይ ድማ ናብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ሂበያ እየ። a a v7 ኣቦና ንህዝቡ ኣሕሊፉ ኣብ ዝህበሉ እዋን እኳ፥ ከምቲ ፍቕሪ ልቡ ዝገድፍ ሰብ የሕዝን፤ ነቲ ኣቦ ኩሉ ዘኽስሮ ፍርዲ እዩ። 8ርስተይ ኣባይ ከም ኣንበሳ ዱር ኮይናትኒ፤ ናባይ ጓዚማትለይ፥ ስለዙይ ተፃሪረያ እየ። 9ርስተይ ዝንጉርጉር ኣሞራዶ ኮይናትኒ? ኣሞራታት ብኩሉ ወገን ከበዋዶ ኣለዉ? ኪድ፥ ኩሎም ኣራዊት መሮር ኣክብ፤ ክበልዑ ኣምፅኦም። 10ብዙሓት ጓሶት ኣታኽልቲ ወይነይ ኣበላሸዉ፤ ግደይ ብእግሮም ረጊፆም፤ ነቲ ባህ ዘብል ግደይ ድማ ናብ ዝባደመ በረኻ ለወጥዎ። 11ኣባዲሞማ፤ ባዲማ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን። እታ ኩላ ምድሪ ባዲማ፥ ግና ኣብ ልቡ ዘእትዎ ሓደ እኳ የለን። 12ኣብ ኩሎም ጥራሖም እምባታት በረኻ ኣጥፋእቲ መፂኦም እዮም፤ ሰይፈይ ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ክሳዕ እቲ ካልእ ወሰን ይበልዕ ኣሎ እሞ፥ ዝድሕን ሓደ እኳ የለን። 13ስርናይ ዘሪኦም እሾዅ ዓፂዶም፤ ንኸንቱ ደኺሞም። ብፍርያትኩም ሕፈሩ፥ ብሰንኪ እቲ ዝነደደ ቍጥዓይ።
14ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ብዛዕባ እቶም ነታ ንህዝበይ እስራኤል ዝሃብክዋ ርስቲ ዝሓዝዋ ኩሎም እኩያት ጎረባብተይ፥ ካብ ምድሮም ክነቅሎም እየ፤ ንቤት ይሁዳ ድማ ካብ ማእኸሎም ክነቅላ እየ። 15ምስ ነቀልክዎም ድማ፥ ተመሊሰ ክርህርሃሎም እየ፤ ንነፍሲ ወከፎም ናብ ርስቱ፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ናብ ምድሩ ክመልሶም እየ።
16ነቲ መንገዲ ህዝበይ ብሓቂ እንተ ተማሂሮም፥ ከምቲ ንህዝበይ ብበዓል ክምሕሉ ዝመሃርዎም፥ ‘ኣቦኹም ህያው ከም ዝኾነ’ ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክህነፁ እዮም። 17ነቲ ዘይሰምዕ ህዝቢ ኩሉ ግና ፈፂመ ክነቅሎን ከጥፍኦን እየ፥ ይብል ኣቦኹም።