ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ናይ ኣቦ ምልክት ዝመፅእ ጥፍኣት

ተዓጢቑ ተሓቢኡ ተዂዒቱ ድማ በሊሹ ዝተረኽበ ዕጣቕ ተፍ፥ ትዕቢት ይሁዳ እንታይ ክኸውን ምዃኑ የርኢ። ድሕሪዙይ ድማ ኵሉ ዕትሮ ብስኽራን ይመልእ። ኤርሚያስ ፀልማት ከየምፅአ ከሎ ንኣቦና ክብሪ ክህብዎ ይልምኖም፥ ምስ ኣበይዎ ድማ ብሕቡእ ይበኪ። ነብሪ ዝንጉርጉሩ ክቕይር ኣይኽእልን።

ምዕራፍ 13።

ኣቦና ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፥ ዕጣቕ ተፍ ንባዕልኻ ዓድግ፥ ኣብ ሕቘኻ ኸዓ ተዓጠቐ፤ ግና ማይ ኣይተንክኣዮ።”

ከምቲ ኣቦና ዝበሎ ድማ ነቲ ዕጣቕ ዓደግክዎ፥ ኣብ ሕቘይ ከዓ ተዓጠቕክዎ።

ሽዑ ቃል ኣቦና ኻልኣይ ጊዜ ናባይ መፀ፦

“ነቲ ዝዓደግካዮ ዕጣቕ፥ ነቲ ኣብ ሕቘኻ ዘሎ፥ ውሰድ፥ ተሲእካ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፥ ኣብ ዝተሰንጠቐ ኰዅሒ ኸዓ ሕብኣዮ።”

ከምቲ ኣቦና ዝኣዘዘኒ ድማ ከይደ ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ሓባእክዎ።

ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ኣቦና “ተሲእካ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፥ ነቲ ኣብኡ ኽትሓብኦ ዝበልኩኻ ዕጣቕ ከዓ ኣምፅኣዮ” በለኒ።

ናብ ኤፍራጥስ ከዓ ከይደ ነቲ ዕጣቕ ዂዒተ ኻብቲ ዝሓባእክዎ ቦታ ወሰድክዎ። ግና በሊሹ፥ ንምንም ዘይጠቕም ኮይኑ ነበረ።

ሽዑ ቃል ኣቦና ናባይ መፀ፦

“ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምዙይ ገይረ ንትዕቢት ይሁዳን ነቲ ዓብዪ ትዕቢት ኢየሩሳሌምን ከበላሹ እየ። እዝ ክፉእ ህዝቢ እዙይ፥ ቃለይ ምስማዕ ዝኣበየ፥ ብትሪ ልቡ ዝኸይድ፥ ከገልግሎምን ክሰግደሎምን ኢሉ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስዕብ፥ ከምዝ ዕጣቕ እዙይ ንምንም ዘይጠቕም ክኸውን እዩ። ከምቲ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ሰብኣይ ዝለግብ፥ ከምኡ ንብዘሎ እስራኤልን ንብዘሎ ይሁዳን፥ ህዝበይ፥ ዝና፥ ውዳሰን ክብርን ክኾኑኒ፥ ምሳይ ኣልገብክዎም፥ ይብል ኣቦና፤ ግና ኣይሰምዑን።

ኵሉ ዕትሮ ብፍርዲ ይምላእ

“ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ኣቦ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ዕትሮ ወይኒ ክመልእ እዩ። ንሳቶም ድማ ‘ኵሉ ዕትሮ ወይኒ ከም ዝመልአ ደኣዶ ኣይንፈልጥን?’ ኢሎም ክምልሱ እዮም። ሽዑ ከምዙይ በሎም፦ ኣቦና ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ንኵሎም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ፥ ነቶም ኣብ ዙፋን ዳዊት ዝቕመጡ ነገስታት፥ ነቶም ካህናት፥ ነቶም ነቢያት፥ ንኵሎም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ኸዓ ብስኽራን ክመልኦም እየ። ንስንሳቶም ከዓ ኸሃርሞም እየ፥ ንወለድን ንውሉድን ብሓባር፥ ይብል ኣቦና። ራህራሀ ኾነ ናሕሲ ኾነ ምሕረት፥ ካብ ምጥፋኦም ኣይክልክለንን እዩ።”

ፀልማት ቅድሚ ምውራዱ ስምዑ

ስምዑ ኣቕልቡን፤ ኣይትዕበዩ፥ ኣቦና ተዛሪቡ እዩ እሞ። ፀልማት ከየምፅአ ከሎ፥ ኣእጋርኩም ኣብቲ ዝፀልምት ኣኽራን ከይዕንቀፋ ከለዋ፥ ንኣቦኹም ክብሪ ሃብዎ፤ ብርሃን ክትፅበዩ ኢኹም፥ ንሱ ግና ናብ ጣቓ ክልውጦ፥ ፅዑቕ ፀልማትን ክገብሮ እዩ። እንተ ዘይሰማዕኹም ግና፥ ብሰንኪ ትዕቢትኩም ብስዉር ክበኽይ እየ፤ መጓሰ ኣቦና ተማሪኹ እዩ እሞ፥ ኣዒንተይ መሪር ብኽያት ክበኽያ፥ ንብዓትውን ከፍስሳ እየን። ንንጉስን ንእኖ ንጉስን ከምዙይ በሎም፦ ርእስኹም ኣዋርዱ፥ ተቐመጡ፥ እቲ ኽቡር ኣኽሊልኩም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ። ከተማታት ደቡብ ተዓፅየን፥ ዝኸፍተንውን የለን። ብዘሎ ይሁዳ ተማሪኹ፥ ብምሉኡ ተማሪኹ ተወሲዱ። ኣዒንትኺ ቛሕ ኣቢልኪ ርኢ፥ ነቶም ካብ ሰሜን ዝመፁ ዘለዉ። እቲ ዝተውሃበኪ መጓሰ፥ እቲ ፅቡቕ መጓሰኺ ኣበይ ኣሎ? ኣቦና ነቶም ባዕልኺ ፈተውትኺ ክኾኑ ዘላመድክዮም፥ ኣብ ልዕሌኺ መራሕቲ ኽኾኑ እንተ ሸመሎም፥ እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ እትወልድ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኣይሕዘክንዶ? ብልብኺ ኸዓ “እዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ኣጋጠመኒ?” እንተ ኢልኪ፥ ብሰንኪ ዕቤት ኣበሳኺ ቀሚሽኺ ተቐንጢጡ፥ ንስኺውን ተነዊርኪ ኢኺ። ኢትዮጵያዊ ቈርበቱ ክልውጥዶ ይኽእል፥ ነብሪ ኸ ዝንጕርጕሩ? ሽዑ ንስኺውን ሰናይ ክትገብሪ ምኸኣልኪ ኔርኪ፥ ንስኺ ክፉእ ክትገብሪ ዝለመድኪ። a a v23 ኩሽ እታ ኣብ ደቡብ ግብፂ፥ ኣብ ላዕለዋይ ኒል ዝነበረት ምድሪ፥ ኣብቲ ናይ ሕዚ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ ከባቢ እያ ነይራ።

ነቲ ንፋስ በረኻ ዝፀራርጎ ከም ብቝቡቝ ክብትነኪ እየ። እዝ ዕጫኺ እዙይ እዩ፥ እቲ ዝዓቀንኩልኪ ግደ፥ ይብል ኣቦና፤ ንኣይ ረሲዕኺ ብሓሰት ስለ ዝኣመንኪ። “ስለዙይ ኣነ ባዕለይ ቀሚሽኺ ናብ ገፅኪ ኽቕንጥጦ እየ፥ ሕፍረትኪ ኸዓ ክርአ እዩ። ዝሙትኪ፥ ናይ ፍትወት ምህህታኺ፥ ዘይሓፍር ምንዝርናኺ፥ ኣብ ኵይናትን ኣብ መሮርን ዘፀይፍ ግብርኺ ረአኹ። ወይለኺ፥ ኦ ኢየሩሳሌም! ክሳዕ መኣዝ ኢኺ ንፅህቲ ዘይትኾንዪ?”