ወይለኡ ነቲ መጥፍኢ
ዝኾነ ዘይጠለሞ ጠላሚ ተራኡ ይበፅሖ። መንገድታት ፅምዊ ይኾና፥ ኪዳናት ይጥሓሱ፥ እቶም ኣብ ፅዮን ዘለዉ ረሲኣን እኳ ‘ምስ ዝበልዕ ሓዊ ክነብር ዝኽእል መን እዩ?’ ኢሎም ይሓቱ። እቲ መልሲ ተራ ቅንዕና እዩ፦ ጉቦ ኣይትቀበል፥ ኣዒንትኻ ድማ ካብ ምፍሳስ ደም ዓምት። ኣቦኦም ፈራድን ንጉስን እዩ።
33 1ወይለኻ፥ ኣታ ዘይጠፋእካ መጥፍኢ፤ ኣታ ዝኾነ ዘይጠለመካ ጠላሚ! ምጥፋእ ምስ ወዳእካ ክትጠፍእ ኢኻ፤ ምጥላም ምስ ኣቛረፅካ ድማ ክትጥለም ኢኻ።
2ኦ ኣቦ፥ ራህርሀልና፤ ንፅበየካ ኣለና። በብንግሆ ሓይሊ ኹነና፤ ብጊዜ ፀበባ ድማ ምድሓን ኹነና። 3ብነጎድጓድ ድምፅኻ ህዝብታት ይሃድሙ፤ ንስኻ ምስ ተልዓልካ ድማ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ። 4ናትካ ምርኮ ከምቲ ኣንበጣ ዝእክብ ይእከብ፤ ከም ኵብኵብታ ኸዓ ሰባት ይጓየዩሉ።
5ኣቦና ልዑል እዩ፥ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፤ ንፅዮን ብፍርድን ብፅድቅን መሊእዋ ኣሎ። 6ንሱ ፅኑዕ መሰረት ዘመንካ፥ ብዝሒ ምድሓን፥ ጥበብን ፍልጠትን ክኸውን እዩ፤ ፍርሓት ኣቦና ድማ መዝገብ ፅዮን እዩ።
7እንሆ፥ ጀጋኑኦም ኣብ ኣደባባያት ይጭድሩ ኣለዉ፤ ልኡኻት ሰላም ድማ መሪር ብኽያት ይበኽዩ። 8መንገድታት ፅምዊ ኾይነን፤ ሓለፍቲ መንገዲ ኻብ መገዲ ተሰዊሮም። ኪዳን ተጠሒሱ፥ ከተማታት ተነዒቐን፥ ዝኾነ ሰብ ድማ ኣይከብርን። 9ምድሪ ትሓዝንን ትደክምን፤ ሊባኖስ ይሓፍር፥ ይነቅፅ፤ ሳሮን ከም በረኻ ኾይና፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቆፅሎም የረግፉ።
10“ሕዚ ክትስእ እየ’ ይብል ኣቦና፥ ‘ሕዚ ልዕል ክብል እየ፥ ሕዚ ርእሰይ ክብ ክብል እየ። 11ብቝቡቝ ትፀንሱ፥ ሓሰር ትወልዱ፤ እስትንፋስኩም ድማ ዝበልዐኩም ሓዊ እዩ። 12ኣህዛብ ከምቲ ዝተቘርፀ ኣብ ሓዊ ዝቃፀል እሾዅ፥ ተቓፂሎም ሓሙዅሽቲ ክኾኑ እዮም። 13ኣቱም ብርሑቕ ዘለኹም፥ ዝገበርክዎ ስምዑ፤ ኣቱም ብቐረባ ዘለኹም ድማ ሓይለይ ፍለጡ።’”
14ሓጥኣን ፅዮን ተሸቢሮም፤ ንረሲኣን ራዕዲ ሒዝዎም፦ “ካባና መን እዩ ምስ ዝባላዕ ሓዊ ክነብር ዝኽእል? ካባና መን እዩ ምስ ናይ ዘለኣለም ነበልባል ክነብር ዝኽእል?” 15እቲ ብፅድቂ ዝመላለስ፥ ቅንዕና ዝዛረብ፥ ካብ ዓመፅ ዝርከብ ረብሓ ዝነዓቐ፥ ኢዱ ኻብ ጉቦ ምቕባል ዝኸልከላ፥ ኣእዛኑ ካብ ምስማዕ ተንኰል ደም ዝዓፀወ፥ ኣዒንቱ ኸዓ ካብ ክፉእ ዝዓመተ፥ 16ንሱ እዩ እቲ ኣብ በረኽቲ ዝነብር፥ ዕርድታት እምባ መዕቘቢ ዝኾንዎ፤ እንጀራ ይውሃቦ፥ ማዩ ድማ ኣይጎድሎን።
17ኣዒንትኻ ንንጉስ ብፅባቐኡ ክርእያ እየን፤ ናብ ርሑቕ ዝርሕቕ ምድሪ ድማ ክርእያ እየን። 18ልብኻ ነቲ ናይ ቀደም ራዕዲ ክዝክር እዩ፦ “እቲ ዝቘፀረ ኣበይ ኣሎ? እቲ ግብሪ ዝመዘነ ኣበይ ኣሎ? እቲ ነቲ ግምብታት ዝቘፀረ ኣበይ ኣሎ?” 19ነቶም ዘረባኦም ክትርደኦ ዘይከኣል፥ ብዘይትርድኦ ኮልታፍ ልሳን ዝዛረቡ ዕቡያት ህዝቢ፥ ድሕሪ ደጊም ኣይክትርእዮምን ኢኻ።
20ንፅዮን ርአያ፥ እታ ናትና ምዱባት በዓላት ዘለዋ ኸተማ! ኣዒንትኻ ንኢየሩሳሌም ክርእያ እየን፥ ሰላማዊ ማሕደር፥ ዘይግዕዝ ድንኳን፥ ሽኻል ፈፂሙ ዘይምሓው፥ ገመድ ኸዓ ፈፂሙ ዘይበትኽ። 21ኣብኡ ግና ኣቦና ብግርማኡ፥ ገፋሕ ሩባታትን ወሓዝትን ዘለዎ ቦታ ኽኾነና እዩ፤ ኣብኡ ብመሓዛፊ ዝኸይድ ጃልባ ኣይትኸይድን፥ ሓያል መርከብ እውን ኣይትሓልፍን። 22ኣቦና ፈራድና እዩ እሞ፥ ኣቦና ሓጋግና እዩ፥ ኣቦና ንጉስና እዩ፤ ንሱ ኼድሕነና እዩ።
23ናትካ ገመድ ላሕ ኢሉ ተንጠልጢሉ ኣሎ፤ ነቲ ዓንዲ ኣብ ቦታኡ ክሕዝ ወይ ነቲ ሸራ ተዘርጊሑ ክሕዝ ኣይክእልን። ሽዑ ብዙሕ ምርኮ ኽምቀል እዩ፥ ሓንካስ እኳ ነቲ ዘሚት ኽወስድ እዩ። 24ኣብ ፅዮን ዝነብር ሓደ እኳ “ሓሚመ ኣለኹ” ኣይብልን፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ሓጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ።