ብሕትመት ይርከብ
መፅሓፍ

ብፅድቂ ዝነግስ ንጉስ

እቶም ከም ፅላሎት ዓብዪ ኸውሒ ኣብ ዝደኸመት ምድሪ ንሰባት ዝዕቕቡ መራሕቲ፥ ነቲ ብዛዕባ ኣቦና ሓሶት ዝዛረብ፥ ነቲ ጥሙይ ድማ ጥራሕ ኢዱ ዝገድፍ ዓሻ ይቃወምዎ። እተን ሃዲአን ኣንስቲ ምህርቲ ኸም ዝጠፍእ ይሰምዓ። እቲ ቤተ መንግስቲ ኽሳዕ መንፈስ ዝፍሰስ፥ በረኻ ድማ ፈራይ ግራት ክሳዕ ዝኸውን ፅምዊ ኾይኑ ይተርፍ።

ምዕራፍ 32።

እንሆ፥ ሓደ ንጉስ ብፅድቂ ኽነግስ እዩ፥ መኳንንቲውን ብቕንዕና ኽገዝኡ እዮም። ነፍሲ ወከፍ ከም መጽለሊ ካብ ንፋስ፥ ካብ ህቦብላ ኸም መዕቘቢ፥ ከም ወሓዝቲ ማያት ኣብ ደረቕ ቦታ፥ ከም ፅላሎት ዓብዪ ኸውሒ ኣብ ዝደኸመት ምድሪ ክኸውን እዩ። ሽዑ ኣዒንቲ እቶም ዝርእዩ ኣይክዕፀዋን እየን፥ ኣእዛን እቶም ዝሰምዑ ድማ ክሰምዓ እየን። እቲ ህዉኽ ልቢ ፍልጠት ከስተውዕል እዩ፥ እቲ ልኽልኽ ዝብል ልሳን ድማ ቀልጢፉ ግሉፅ ጌሩ ክዛረብ እዩ። ደጊም እቲ ዓሻ ለጋስ ኣይክብሃልን እዩ፥ እቲ ጠባሪውን ክቡር ኣይክብሃልን እዩ። እቲ ዓሻ ዕሽነት ይዛረብ እዩ፥ ልቡ ድማ ክፍኣት ይሓስብ፦ ርኽሰት ንምግባር፥ ብዛዕባ ኣቦና ሓሶት ንምዝራብ፥ ነቲ ጥሙይ ጥራሕ ኢዱ ንምግዳፍ፥ ነቲ ፅሙእ ድማ መስተ ንምኽልካል። ናይ እቲ ጠባሪ ኣፅዋሩ እኩይ እዩ፤ ነቶም ድኻታት ብሓሰት ቃላት ኬጥፍእ እኩይ ውዲት ይምህዝ፥ እቲ ፅጉም ነገሩ ብቕንዕና እናተዛረበ እኳ። እቲ ለጋስ ሰብ ግና ለጋስ ነገራት ይሓስብ፥ ብለጋስ ነገራት ድማ ይቐውም።

ተንስኣ፥ ኣትን ሃዲአን ኣዋልድ

ኣትን ሃዲአን ኣንስቲ፥ ተንስኣ እሞ ድምፀይ ስምዓ፤ ኣትን ሸለል ዝበልክን ኣዋልድ፥ ነቲ ዝብሎ ኣቕልባ።

“ድሕሪ ሓደ ዓመትን ቑሩብ መዓልትን ክትንቀጥቀጣ ኢኽን፥ ኣትን ሸለል ዝበልክን ኣንስቲ፤ ምህርቲ ወይኒ ክጠፍእ እዩ እሞ፥ ምእካብ ድማ ኣይህሉን እዩ። ተንቀጥቀጣ፥ ኣትን ሃዲአን፤ ራዕራዕ በላ፥ ኣትን ሸለል ዝበልክን! ተገፊፍክን ተራቑሓ፥ ኣብ ሕቘኽን ከዓ ወጮ ተዓጠቓ። ብዛዕባ እቲ ባህ ዘብል ግራውቲ፥ ብዛዕባ እታ ፈራይት ወይኒ ደረትክን ውቕዓ። ብዛዕባ ምድሪ ህዝበይ፥ ኣብኣ እሾዅን ኣሜከላን ዝበቍለላ፤ እወ፥ ብዛዕባ ኵሉ እቲ ኣብ ሕጉስቲ ኸተማ ዘሎ ኣባይቲ ሓጐስ። እቲ ቤተ መንግስቲ ክሕደግ እዩ እሞ፥ እታ ጫውጫው እትብል ከተማ ፅምዊ ክትከውን እያ፤ እቲ ኰረብታን እቲ ግምብን ንዘለኣለም በራሕ ቦታ ክኾኑ እዮም፥ ንኣእዱግ በረኻ መሐጐሲ፥ ንኣባጊዕ መውፈሪ። ክሳዕ መንፈስ ኣቦና ካብ ላዕሊ ኣብ ልዕሌና ዝፍሰስ፥ በረኻ ፈራይ ግራት ክሳዕ ዝኸውን፥ እቲ ፈራይ ግራት ድማ ከም ዱር ክሳዕ ዝቑፀር። ሽዑ ፍትሒ ኣብ በረኻ ክሐድር እዩ፥ ፅድቂ ድማ ኣብ ፈራይ ግራት ክነብር እዩ። ግብሪ ፅድቂ ሰላም ክኸውን እዩ፥ ፍረ ፅድቂ ድማ ህድኣትን ውሕስነትን ንዘለኣለም ይኸውን። ህዝበይ ኣብ ሰላማዊ ቤት፥ ኣብ ፅኑዕ ማሕደር፥ ኣብ ዘይርበሽ መዕረፊ ቦታ ክነብር እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዱር በረድ እኳ እንተ ወረደ፥ እታ ኸተማ ድማ ፈፂማ እኳ እንተ ተደምሰሰት፥ ኣብ ጥቓ ኵሉ ማያት እትዘርኡ፥ ነቲ ብዕራይን ኣድግን ብናፅነት እትሰዱ፥ ብፁኣት ኢኹም።”